ዶክተር ኩል
እቲ ኣብ ኵሉ ዝርግሐ ቴክኖሎጂ ዘማኸረ ዶክተር ሳዑድ ዓብዱልቓኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቐጠር ድሕሪ’ዚ ጸወታ’ውን ነዊሕ እዋን ከገልግላ ዝኽእል ውርሻ ክትፈጥር ከምትደሊ ይዛሪቡ።
ንሱ፡ ነቲ ንዓመታት ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ስዒቡ፡ "ሙቐታዊ ምቾት" ክብል ዝገለጾ ንዝበዝሑ ሰባት ባህ ዘብል ሃዋህው ከም ዝፈጠረ ይገልጽ። ኣብ 2019 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ምስ ስፖርተኛታትን ደገፍትን ዝተገብረ ዝርርባት እውን፡ ነቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ኣጋይሽን ተጻወትን ዝምችእ ዝሓሸ ንድፊ ንኽዳሎ ኣንፈት ሂቡ እዩ።
ናይ ተጻዋቲ ግንዛበ
ቢቢሲ፡ ነታ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ቐጠር እትጻወት፡ ካብ ጓል 11 ዓመት ኣትሒዛ ምስ ኵዕሶ ዝተላለየትን ሓጀር ሳልሕ ኣዛሪብዋ ነይሩ። ንሳ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኵር ኵነታት ኴንካ ንላዕለዋይ ደረጃ ስፖርት ምጽዋት እንታይ ከምዝጠልብ ትፈልጥ እያ። ራህዲ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ ድማ ትዛረብ።
ሙቐት ለሚድና ኢና፡ ሙቐትን ራህድን ክወሃሃድ ከሎ ግን ነገራት ዝያዳ ይኸብዱ ሓጀር ሳልሕ
ሓጀር ካብ መንጐ እቶም ሓደስቲ ስታድዩማት ኣብቶም ስርዓተ ምምችቻእ ኣየር ዝተገጠመሎም ክልተ ስታድዩማት፡ ‘ከሊፋ’ን ‘ኤዱኬሽናል ሲቲ’ን ናይ ምጽዋት ዕድል ረኺባ ነይራ።
ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ናይዚ ዓመት ዝለዓለ ዋዒ ዝተመዝገበሉ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝጻወተሉ እዋን ዓቢይ ለውጢ ከም ዝነበሮ ትዛረብ
እቲ ስርዓት ዘላቒ ድዩ?
ኣዳለውቲ ቐጠር 2022፡ እቲ ንዅሎም ስታድዩማት ንምዝሓል ዝውዕል ጸዓት ዘመንጩ፡ ተወሳኺ ልቀት ጋዝ ከምዘየስዕብ ቃል ኣትዮም ኣለዉ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብቲ ሓድሽ ዝተተኽለ መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ስለዝዀነ እዩ ብምባል የረድኡ።
እንተዀነ ነቲ ምሉእ ውድድር ካብ ካርቦን ነጻ ከምዝኸውን ንምርግጋጽ ምሕላን ዓቢይ ጥሙሕ ዘመላኽት እዩ።
መጠን እቶም ስታድዩማት ኣብ ዝህነጹሉ እዋን ዝፍጠር ልቀት ካርቦን - 90 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ኣሰር ካርቦን ናይቶም ስታድዩማት ዝሕዝ ኰይኑ፡ ብገምጋም 800,000 ቶን ዝተቓጸለ ጋዛት ሓምላይ -ገዛ [ግሪንሃውስ] ናብ ከባቢ ኣየር ይለቅቕ። እዚ ድማ ማዕረ ሓንቲ መኪና ኣብ መላእ ዓለም 80 ሽሕ ግዜ እናዘርካ ከም ምዝዋር ምዃኑ ትካል ቅማረ ልቀት ካርቦን ኣሜሪካ የመልክት።
ክንዮ’ዚ ጉዳይ ስታድዩማት እንተርኢና፡ ደገፍቲ ናብታ ሃገር ንምብጻሕ ዝግበር በረራታት ሓዊሱ እቲ ናብ ዋንጫ ዓለም ዝካየድ መገሻታት’ውን ጽልዋ ኣለዎ።
ፊፋ ከምዝብሎ፡ ሓፈሻዊ ባህሪ ናይቲ ውድድር ምስቲ ኣብ መንጐ ቦታታት ዝህሉ ሓጺር ርሕቀት ተደሚሩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ከባቢታት ቐጠር ዝግበር ጕዕዞ ዝፈጥሮ ትኪ፡ ትሕቲ ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ ሩስያ 2018 ዝነበረ ከምዝገብሮ ይግመት።
ሓምላይ መብጽዓታት ቐጠር፡ ንዅሉ እቲ ድሮ ዝፍኖ ዘሎ ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምኽሓስ ኣብ ዘኽእል መሰርሕ ዝምርኰስ እዩ።
ነዚ ብኸመይ ክበጽሕዎ ተስፋ ከምዝገበሩ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን። ፊፋ፡ ብዋንጫ ዓለም ንዝፍጠር ልቀት ንምኽሓስ፡ ከም ጥቅው ኣጠቓቕማ ጸዓት፡ ምሕደራ ጓሓፍ፡ ተሓዳሲ ጸዓትን ምናልባት’ውን ምትካል ኣግራብን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ይጥቀም ከምዘሎ ይገልጽ። ይዅን እምበር እቲ ናይ መወዳእታ ምርጫ ፕሮጀክትታት ገና ኣይተረጋገጸን ዘሎ።
ከምዚኦም ዝበሉ ውጥናት ኣብ ምቍጽጻር ካርቦን ውጽኢታዊ ቅድሚ ምዃኖም፡ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ብቢቢሲ ዝተገብረ መርመራ፡ ገለ ንመመላእታ ከም ዝተተኽሉ ዝዝረበሎም ኣግራብ ኣብ ወረቐት ጥራይ ከምዝተረፉ የመልክት።
ስለዚ ቐጠር ብሓቂ ሓምላይ ዕላማታት ኣዐዊታ ድያ ወይስ እቶም ምስ ቀጻልነት ተተሓሒዞም ዝግለጹ ነገራት ብዝበዝሕ ንውዑይ ኣየር ዝምልከቱ ምዃኖም ክንፈርድ ገለ ግዜ ከድልየና እዩ።
ብተወሳኺ እታ ሃገር፡ ካብ መንጐ እቶም ስታድዩማት ዝሃነጹ 30 ሽሕ ስደተኛታት ሸቃሎ፡ ብርክት ዝበሉ ከም ዝሞቱን ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን፣ ብሰንኩ ልዑል ሰባዊ ክሳራታት ከምዝሰዓበን ንዝቐረበላ ነቐፌታታት ክሳብ ሕጂ ኣይትቕበሎን። ግዱድ ዕስክርና፡ ኣድካሚ ኵነታት ስራሕ፡ ዘይምቹእ መንበሪ ኣባይቲ፡ ዘይተኸፍለ ደሞዝን ምምንዛዕ ፓስፖርትን ዝምልከቱ ተወሰኽቲ ክስታት’ውን ይቐርቡላ።
መንግስቲ ቐጠር ነዞም ነቐፌታታት ብትሪ ብምምጓት፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ስደተኛታት ሸቃሎ ኣብ ከቢድ ሙቐት ከይሰርሑ ንምክልኻል፡ ሰዓታት ስራሕ ንምድራትን ኣብ መዓስከራት ሰራሕተኛታት ዘሎ ኵነታት ንምምሕያሽን ዝሕግዙ ስጕምትታት ከምዘተኣታተወ ይገልጽ። ይዅን እምበር ኣብ 2021 ጥራይ፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ኵሎም ምስ ዋንጫ ዓለም ዝተኣሳሰሩ ፕሮጀክትታት ካብ ዝሳተፉ ሰራሕተኛታት፡ 50 ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 500 ድማ ብኸቢድ ከምዝቘሰሉን ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ዝኣከቦ መረዳእታ የመልክት። እዚ ድማ፡ ጉዳይ’ታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምጽራይ ክጸንሕ ዝገብር ካልእ ካብ ሜዳ ወጻኢ ዘሎ ዛዕባ እዩ።