vjneareast-836-qatar-cool-stadium > app > tigrinya > core

Test Page

Core include appears below:

ተጻዋቲ ጋንታ ቲግረስ ዩኤንኤል ዝዀነ ሉዊስ ኲኖነስ ኣብቲ ኣብ ለካቲት 2021 ኣብ ደውሓ ስታድዩም ቐጠር ኤጁኬሸን ሲቲ ዝተኻየደ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ፡ ማይ እናኸዓወ ነብሱ ከዝሕል ተራእዩ።

ዋንጫ ዓለም 22፡ ነቲ ልዑል መጠን ሙቐት ስታድዩም ንምዝሓል ዘኽእሉ ኣገባባት

እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ቐጠር፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ከተአንግድ ምስተመረጸት፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝፍጸም ግህሰት ሰባዊ መሰላት ጀሚሩ፡ ክሳብ ተጻወትን ደገፍትን ነቲ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሙቐት ናይቲ ዓዲ ብኸመይ ክጻወርዎ እዮም? ዝብሉ ምስ ሎጂስቲካዊ ብድሆታት ዝተሓሓዙ ተቓውሞታት ክስምዑ ጀሚሮም።

ግዜ ውድድር፡ ናብቲ ዛሕሊ ዝዀነሉ ወቕቲ ንምስግጋሩ ከም ሓደ ፍታሕ ቀሪቡ ነይሩ። እታ ኣብ ምድረበዳ እትርከብ ሃብታም ሃገር ግን ዋላ ኣብተን ሙቐት ዘለወን ሃገራት ከይተረፈ ዓመት ምሉእ ዓበይቲ ስፖርታዊ ውድድራት ምእንጋድ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ብምምዕባል፡ ሱር በተኻዊ ውርሻ ክትሓድግ ቃል ኣትያ’ላ። ንሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ቐጠር እትጻወት ሓጀር ሳልሕ፡ ሙቐትን ራህዲን ኣብቲ ዞባ ንምጽዋት ዓቢ ብድሆ ከምዝዀኑ ትዛረብ።

ስለዚ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ ልዑል ወጻኢታት ከይገበሩ ንተጻወትን ተዓዘብትን ምቹእ ሃዋሁ ክፈጥሩሎም ዝኽእሉ?

ብኣየር ዝተሳእለ ትርኢት ስታድየም ኣ’ጁኑብ፡ ንዋዒ ኣየር ምስ ዘመልክቱ ዓበይቲ ቀያሕቲ ቀስቲታት

መጻወቲ ሜዳን ተዓዘብትን ኮፍ ዝብሉሉን ቦታ ዝሑል ንምግባር ምህዞ ዝመልኦ ፍታሕ የድሊ። ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ንርአ።

ኣብቶም ጸወታ ዝካየደሎም መዓልታት፡ 40 ሽሕ ሰባት ነቲ ስታድዩም ይመልእዎ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ምንጪ ሙቐትን ጠሊን እዮም።

እቲ ኣብ ዙርያ ቐጠር ዘሎ ሙቐትን፡ ኣብ ውሽጢ ስታድዩም ዝፍጠር ዋዒን ዝፈጥርዎ ከቢድ ውህደት ድማ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስርዓተ ምዝሓል ክህሉ ይጠልብ።

ደገፍቲ፡ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ወንበር ብዝርከቡ መተንፈሲ ኣየር ኣቢሎም ዛሕሊ ይረኽቡ።

እተን ከም ርእሲ ሻወር ዝሰርሓ ንኣሽቱ ነጸግቲ፡ ነቲ ኣየር ክብተንን ናብ ተዓዘብቲ ክበጽሕን ይገብራ።

እቲ ዋሕዚ፡ ከምቲ ብናህሪ ዝተጕግ ኣየር ነፋሪት ዘይኰነ ግን፡ ብልኡም ኵነታት እዩ ዝዝርጋሕ።

እዚ ንደገፍቲ ይጠቅም'ዩ፤ ኣብ ሜዳ ንዘለዉ ተጻወትቲኸ?

ተጻወትቲ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ልዕሊ 10 ኪሎ ሜተር ክጐዩ፡ ግን ከኣ ክሳብ ሰለስተ ሊትሮ ረሃጽ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም፤ ስለዚ ክዝሕሉን ማይ ክረኽቡን ምግባር የድሊ።

ውሽጣዊ ክፍሊ ስታድዩም ኣ’ጅኑብ ቐጠር ምስ ማእከል ሜዳን ደገፍቲ ኮፍ ዝብሉሉ ቦታን ዝሑል ምዃኖም ዘመልክት ሰማያዊ ሕብሪ ተለኽዮም ዘርኢ ስእላዊ ምስሊ።

ኣብቲ ራህዲ ዝዓብለሎ ኵነታት ኣየር ቐጠር፡ ረሃጽ ንኸይሃፍፍ ስለዝገብር፡ ኣካላት ካብ መጠን ንላዕሊ ክመውቕ ምኽንያት ይኸውን። እዚ ድማ ብዋዒ ንዝመጽእ ድኻም የቃልዕ።

ስለዚ፡ ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ቐጠር፡ ኣብ ልዕሊ ሜዳ ዝሑል ቀጸላ ንምፍጣር ክሕግዝ፡ ብዓበይቲ ነጸግቲ [ርእሲ ሻወር ዝመስል ቴክኖሎጂ] ኣቢልካ ናብ ስታድዩም ዝሑል ኣየር ክብተን እዩ።

ነቲ ስርዓት ኣብ ምምዕባል ዝሓገዘ ክኢላ ምምችቻእ ክሊማ፡ ዶክተር ሳዑድ ዓብዱልቓኒ፡ ኵርናዕ ናይቶም መውጽኢ ኣየር፡ ከምኡ'ውን እቲ ዝሑል ኣየር ኣበይን ብኸመይን ይጥሕል ማለት ንተጻወትቲ ህዱእ ንፋስ ማለት'ዩ ይብል።

ውጽኢቱ፡ ኣክንዲ ዝሑል ኣየር ናብ ሰማይ ዝነፍሕ፡ ካብ መሬት ወይ ደገፍቲ ኮፍ ካብ ዝብሉሉ ካብ ክልተ ሜትሮ ብዘይብርኽ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስታድዩም ዝሑል ኣየር ይፍኑ። ድሕሪኡ’ኸ እንታይ ይኸውን?

እቲ ዝሑል ኣየር መሊሱ እናሞቐ ምስ ከደ፡ በቶም ኣብቲ ማእከል ከባቢ ዝርከቡ ኣየር ዝስሕቡ መሳርሕታት ይምጠጥ።

ድሕሪኡ ተጻሪዩ፡ ዳግማይ ይዝሕልን ተመሊሱ ናብቲ ስታድዩም ይውሕዝን ዑደቱ ይዛዝምን።

ሓንሳብ እቲ ዝሑል ማይ ነቲ ሙቐት ምስ መጸዮ፡ ናብቲ 3 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝርከብ 40 ሽሕ ሊትሮ ዝዓቐኑ ዓቢይ መዕቈሪ ይሰሓብ’ሞ፡ ኣብኡ ዳግማይ ዝሒሉ ንጽባሒቱ ንዝካየድ ጸወታ ድሉው ይኸውን።

ስእላዊ ጐናዊ ትርኢት ስታድዩም ምስ ጸሓያዊ ጸዓት ዝእክቡ ሰሌዳታት

እቲ ስርዓተ መዝሓሊ፡ ካብ ማእከል ደውሓ፡ ርእሰ ከተማ ቐጠር፡ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ርሒቝ ካብ ዝርከብ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተሃንጸ መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት እዩ ዝዓዪ።

ዶክተር ኩል

እቲ ኣብ ኵሉ ዝርግሐ ቴክኖሎጂ ዘማኸረ ዶክተር ሳዑድ ዓብዱልቓኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቐጠር ድሕሪ’ዚ ጸወታ’ውን ነዊሕ እዋን ከገልግላ ዝኽእል ውርሻ ክትፈጥር ከምትደሊ ይዛሪቡ።

ንሱ፡ ነቲ ንዓመታት ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ስዒቡ፡ "ሙቐታዊ ምቾት" ክብል ዝገለጾ ንዝበዝሑ ሰባት ባህ ዘብል ሃዋህው ከም ዝፈጠረ ይገልጽ። ኣብ 2019 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ምስ ስፖርተኛታትን ደገፍትን ዝተገብረ ዝርርባት እውን፡ ነቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ኣጋይሽን ተጻወትን ዝምችእ ዝሓሸ ንድፊ ንኽዳሎ ኣንፈት ሂቡ እዩ።

ናይ ተጻዋቲ ግንዛበ

ቢቢሲ፡ ነታ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ቐጠር እትጻወት፡ ካብ ጓል 11 ዓመት ኣትሒዛ ምስ ኵዕሶ ዝተላለየትን ሓጀር ሳልሕ ኣዛሪብዋ ነይሩ። ንሳ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኵር ኵነታት ኴንካ ንላዕለዋይ ደረጃ ስፖርት ምጽዋት እንታይ ከምዝጠልብ ትፈልጥ እያ። ራህዲ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ ድማ ትዛረብ።

ሙቐት ለሚድና ኢና፡ ሙቐትን ራህድን ክወሃሃድ ከሎ ግን ነገራት ዝያዳ ይኸብዱ ሓጀር ሳልሕ

ሓጀር ካብ መንጐ እቶም ሓደስቲ ስታድዩማት ኣብቶም ስርዓተ ምምችቻእ ኣየር ዝተገጠመሎም ክልተ ስታድዩማት፡ ‘ከሊፋ’ን ‘ኤዱኬሽናል ሲቲ’ን ናይ ምጽዋት ዕድል ረኺባ ነይራ።

ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ናይዚ ዓመት ዝለዓለ ዋዒ ዝተመዝገበሉ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝጻወተሉ እዋን ዓቢይ ለውጢ ከም ዝነበሮ ትዛረብ

እቲ ስርዓት ዘላቒ ድዩ?

ኣዳለውቲ ቐጠር 2022፡ እቲ ንዅሎም ስታድዩማት ንምዝሓል ዝውዕል ጸዓት ዘመንጩ፡ ተወሳኺ ልቀት ጋዝ ከምዘየስዕብ ቃል ኣትዮም ኣለዉ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብቲ ሓድሽ ዝተተኽለ መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ስለዝዀነ እዩ ብምባል የረድኡ።

እንተዀነ ነቲ ምሉእ ውድድር ካብ ካርቦን ነጻ ከምዝኸውን ንምርግጋጽ ምሕላን ዓቢይ ጥሙሕ ዘመላኽት እዩ።

መጠን እቶም ስታድዩማት ኣብ ዝህነጹሉ እዋን ዝፍጠር ልቀት ካርቦን - 90 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ኣሰር ካርቦን ናይቶም ስታድዩማት ዝሕዝ ኰይኑ፡ ብገምጋም 800,000 ቶን ዝተቓጸለ ጋዛት ሓምላይ -ገዛ [ግሪንሃውስ] ናብ ከባቢ ኣየር ይለቅቕ። እዚ ድማ ማዕረ ሓንቲ መኪና ኣብ መላእ ዓለም 80 ሽሕ ግዜ እናዘርካ ከም ምዝዋር ምዃኑ ትካል ቅማረ ልቀት ካርቦን ኣሜሪካ የመልክት።

ክንዮ’ዚ ጉዳይ ስታድዩማት እንተርኢና፡ ደገፍቲ ናብታ ሃገር ንምብጻሕ ዝግበር በረራታት ሓዊሱ እቲ ናብ ዋንጫ ዓለም ዝካየድ መገሻታት’ውን ጽልዋ ኣለዎ።

ፊፋ ከምዝብሎ፡ ሓፈሻዊ ባህሪ ናይቲ ውድድር ምስቲ ኣብ መንጐ ቦታታት ዝህሉ ሓጺር ርሕቀት ተደሚሩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ከባቢታት ቐጠር ዝግበር ጕዕዞ ዝፈጥሮ ትኪ፡ ትሕቲ ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ ሩስያ 2018 ዝነበረ ከምዝገብሮ ይግመት።

ሓምላይ መብጽዓታት ቐጠር፡ ንዅሉ እቲ ድሮ ዝፍኖ ዘሎ ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምኽሓስ ኣብ ዘኽእል መሰርሕ ዝምርኰስ እዩ።

ነዚ ብኸመይ ክበጽሕዎ ተስፋ ከምዝገበሩ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን። ፊፋ፡ ብዋንጫ ዓለም ንዝፍጠር ልቀት ንምኽሓስ፡ ከም ጥቅው ኣጠቓቕማ ጸዓት፡ ምሕደራ ጓሓፍ፡ ተሓዳሲ ጸዓትን ምናልባት’ውን ምትካል ኣግራብን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ይጥቀም ከምዘሎ ይገልጽ። ይዅን እምበር እቲ ናይ መወዳእታ ምርጫ ፕሮጀክትታት ገና ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

ከምዚኦም ዝበሉ ውጥናት ኣብ ምቍጽጻር ካርቦን ውጽኢታዊ ቅድሚ ምዃኖም፡ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ብቢቢሲ ዝተገብረ መርመራ፡ ገለ ንመመላእታ ከም ዝተተኽሉ ዝዝረበሎም ኣግራብ ኣብ ወረቐት ጥራይ ከምዝተረፉ የመልክት።

ስለዚ ቐጠር ብሓቂ ሓምላይ ዕላማታት ኣዐዊታ ድያ ወይስ እቶም ምስ ቀጻልነት ተተሓሒዞም ዝግለጹ ነገራት ብዝበዝሕ ንውዑይ ኣየር ዝምልከቱ ምዃኖም ክንፈርድ ገለ ግዜ ከድልየና እዩ።

ብተወሳኺ እታ ሃገር፡ ካብ መንጐ እቶም ስታድዩማት ዝሃነጹ 30 ሽሕ ስደተኛታት ሸቃሎ፡ ብርክት ዝበሉ ከም ዝሞቱን ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን፣ ብሰንኩ ልዑል ሰባዊ ክሳራታት ከምዝሰዓበን ንዝቐረበላ ነቐፌታታት ክሳብ ሕጂ ኣይትቕበሎን። ግዱድ ዕስክርና፡ ኣድካሚ ኵነታት ስራሕ፡ ዘይምቹእ መንበሪ ኣባይቲ፡ ዘይተኸፍለ ደሞዝን ምምንዛዕ ፓስፖርትን ዝምልከቱ ተወሰኽቲ ክስታት’ውን ይቐርቡላ።

መንግስቲ ቐጠር ነዞም ነቐፌታታት ብትሪ ብምምጓት፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ስደተኛታት ሸቃሎ ኣብ ከቢድ ሙቐት ከይሰርሑ ንምክልኻል፡ ሰዓታት ስራሕ ንምድራትን ኣብ መዓስከራት ሰራሕተኛታት ዘሎ ኵነታት ንምምሕያሽን ዝሕግዙ ስጕምትታት ከምዘተኣታተወ ይገልጽ። ይዅን እምበር ኣብ 2021 ጥራይ፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ኵሎም ምስ ዋንጫ ዓለም ዝተኣሳሰሩ ፕሮጀክትታት ካብ ዝሳተፉ ሰራሕተኛታት፡ 50 ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 500 ድማ ብኸቢድ ከምዝቘሰሉን ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ዝኣከቦ መረዳእታ የመልክት። እዚ ድማ፡ ጉዳይ’ታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምጽራይ ክጸንሕ ዝገብር ካልእ ካብ ሜዳ ወጻኢ ዘሎ ዛዕባ እዩ።

...there we go.