newsspec-35029-100-women > app > tigrinya > core

Test Page

Core include appears below:

ዝርዝር ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ 2022

ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ 2022፡ ኣብዚ ዓመት ኣብዚ ዝርዝር ዝኣተዋ ብዓልመ መን ይኾና?

100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ

ቢቢሲ ኣብ 2022 ካብ ዓለም ጸለውትን ኣነቃቃሕትን ዝበለን 100 ደቂ ኣንስትዮ ሓርዩ'ሎ

ካብ ሞንጎ'ዘን ቢቢሲ ጸለውትን ኣነቃቓሕትነ ዝበለን ዲቂ ኣንስትዮ ውርይቲ ሙዚቐኛ ቢሊ ኣሊሽ፡ ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዩክረይን ኣሉና ዘለንስኪ፡ ተዋሳእቲ ፒሪያንካ ቾፕራን ሰሊና ብለይር፡ ሩስያዊት ኣላ ፔጋቸቫ፡ ኢራናዊት ሓኳሪት ሊልነዛ ረካቢ፡ ወናኒት ክብረወሰን ዝላ ዩሊማር ሮጃስ ከምኡ ኸኣ ጋናዊት ደራሲት ናና ድራካኣ ሰክያማሃ ይርከበአን።

ቢቢሲ 100 ጸለውትን ኣነቃቓሕትን ኢሉ ክረቁሕ እዚ ዓመት መበል 10 ግዚኡ'ዩ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት እንታይ ምዕባለታት ተራእዩ'ውን ንእግረ መንገድና ክንድህስስ ክንፍትን ኢና። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምኽባር ንቕድሚ'ኳ እንተተሰጎመን ከም "ME TOO" ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳ'ውን እንተተራኣየ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፈላት ዓለም መሰል ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ምኽባር ብዙሕ ዝተረፈን፡ ብሕጂ'ውን ብዙሕ ዕዩ ዝሓትት ዕዩ ከምዘሎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና።

እዘን ቢቢሲ ጠቂስወን ዘሎ 100 ደቂ ኣንስትዩ፡ ኣብ 2022 ኣብ ማእክል ግርጭታት ዝበዝሖ ዞባታት ኮይነን ንመሰል ደቂ ኣንስትዩ ብትብዓት ዝተማጎታ፡ ኣብ ከም ኢራን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብሰለማዊ ሰልፊ ዝጸውዓ፡ ኣብ ከም ዩክረይንን ሩስያን ንኹሉ በዲህነ ደው ንዝበላ ሮቊሕናየን ኣለና።

ካብዘን 100 ደቂ ኣንስትዮ በብሞየአን ብምፍላይ ብዛዕበኣን ዝያዳ ፍለጡ

ፖሎቲካን ትምህርትን

ምያ ሞትሊይ

ምያ ሞትሊይ , ባረባዶስ

ቀዳመይቲ ሚኒስትር

እዛ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርባዶስ ዝኾነት ምያ ሞትሊይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ'ውን ንካልኣይ ግዜ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኮይና ተመሪጻ። እሳ ነቲ ሰልፊ ዕዮ ባርባዶስ ካብ 2008 ጀሚራያ ክትመርሖ ጀሚራ። ነታ ካብ ናይ ብሪጣንያ ዘውድኣዊ ንግስነት ዘውጽኣታ ሃገራ ኸኣ ካብ ዓለም እታ ዝሓደሰት ሪፓብሊክ ክትገብራ ክኢላ።

ምያ ሞትሊይ፡ ዝያዳ ብዛዕባ ክልኢማዊ ለውጢ ብእትዛረቦ ተሪር ዘረባ'ያ ትፍለጥ። ኣብ ኮፕ27 ኣብ ዘስምዐቶ መደረ ነተን ሃብታማት ሃገራት ኣብ ምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ ግቡእክን ትገብራ የለኽንን ብምባል ብትሪ ነቒፋተን። ንሳ ካብ ሕጂ ግቡእ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ኣብ 2050 ብሰንኪ ክሊማዊ ጸገማት ካብ ቤት ንብረቶም ዝስደዱ ቢልዮን ሰባት ከምዝስደዱ ኣጠንቒቓ።

ኢሪካ ሂልቶን

ኢሪካ ሂልቶን, ብራዚል

ፖሎቲከኛ

ኤሪካ ሂልተን፡ ንሃገራዊ ኮንግረስ ብራዚል ዝተመርጸት ናይ መጀመርታ ጸላም ጾታ ዝቐየረት (ዘይተፈጥሮኣዊ) ጓል ኣንስተይቲ እያ። ደላይት ፍትሒ ኤሪካ ሂልተን ኣንጻር ዓሌትነት፣ ከምኡ’ውን ንኤልጂቢቲክዩ+ን ንሰብኣዊ መሰላትን ጎስጓስ ትገብር።

ኣብ ዕድመ ንእስነታ፡ ቅድሚ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምኻዳ፡ ካብ ገዛ ዓቃባዊ ስድራቤት ተባሪራ ኣብ ጎደናታት ትነብር ነይራ። ድሕረ ባይታ ፖለቲካ ተማሃሮ ዝነበራ ኤሪካ ሂልተን ናብ ሳኦ ፓውሎ ብምኻድ ናብ ጸጋማዊ ሰልፊ ፒኤስኦኤል ተጸንቢራ። ኣብ 2020 ንባይቶ እታ ከተማ ተመሪጻ፡ ቀጺላ ድማ ነቲ ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ብራዚል ጥሜት ዝምክት ክንተባዊ እኩብ ገንዘብ ዘተኣታተወ ሕጊ ኣዳልያ።

ጸለምቲ ንኹን ላቲን፡ ድኻታት ንኹን ሃብታማት፡ ጾታና ተፈጥሮኣዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ማዕረ መሰላት፡ ማዕረ ደሞዝን ንክህልወናን ጾታዊ ዓመጽ ንከብቅዕን ንክንዕወት ኢና ንቃለስ።

ኢሪካ ሂልቶን

ፓርክ ጂ ህዩን

ፓርክ ጂ ህዩን, ደቡብ ኮርያ

ፖለቲከኛ

ፓርክ ጂ ህዩን ናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ ናይ ኢንተርኔት ጾታዊ ገበናት ዝፍጽም ወብሳይት ( ብ ‘Nth rooms’ ዝፍለጥ) ከም ዝዓኑ ዝገበረት ሰብ’ያ። ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ተመክሮኣ ብግልጺ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምቕራብ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ኣተወት - ድምጺ መናእሰይ ደቂ’ንስትዮ ድማ ክትከስብ ከኣለት።

ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኣብቲ ናይ ፕረዚደንታዊ ውድድር ምስ ተሳዕረ፡ ንፓርክ ጂ-ህዩን ግዜያዊት መራሒት ኢሎም ሰመይዋ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ብዲጂታላዊ መዳይ ኣቢሎም ዝፍጸሙ ጾታዊ ገበናት ዝቈጻጸር ኮሚቴ ኣተወት። ኣብ ሰነ እቲ ሰልፊ ተወሳኺ ክስራን ስለ ዘጋጠሞ ስራሓ ከተቋርጽ ተገደደት። ኣብዚ እዋን’ዚ ወግዓዊ ተራ’ኳ እንተ ዘይብላ፡ ኣብ ፖለቲካ ጾታዊ ማዕርነት ንክህሉ ኣትሪራ ትደፍኣሉ ኣላ።

ኣብ መላእ ዓለም ዲጂታላዊ ጾታዊ ገበናት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ስለ ዜእቱ ነዚ ጸገም እዚ ሓቢርና ክንፈትሖ ይግባእ።

ፓርክ ጂ ህዩን

ኡስላ ቮን ደር ላየን

ኡስላ ቮን ደር ላየን, ጀርመን

ፕረዚደነት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ

ኡስላ ቮን ደር ላየን ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ'ያ። እዛ ጀርመናዊት ፖሎቲከኛ ኣብ እዋን ኣንገላ መርከል ከም ካቢንን ከም ሚኒስትር ምክልኻልን ኮይና ሰሪሓ'ዩ። ኣብ ጀርመን እታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ምክልኻል ክትከውን ዝኸኣለት ጓል ኣንስተይቲ'ያ።

ኡስላ ቮን ደር ላየን ኣብ ፖሎቲካ ቅድሚ ምእታዋ ብስነ ቁጠባን መድሃነትን'ያ ተማሂራ። እዛ ኣብ 2019 ዝለዓለ ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ዝተረከበት ኡስላ ነቲ ሕብረት ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበሮ ምጉት ክትመርሖ ክኢላ'ያ። ብዘይካ እዚ ኣብ እዋን መሪሕነታ ብዓለማዊ ለበዳ ኮቪድን ኵናት ዩክረይንን'ውን ክትፍተን ክኢላ'ያ።

Sanna Marin

በታ ኣብ 2020 ዝተዓወተት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ተሓጽያ

"ኣውሮጳ ብተኸታታሊ ቅልውላዋት ኣብ ዝተሓመሰትሉ፡ ኡስላ ንኹሉ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ብዘይተጻዓድነት'ያ ሰሪሓ። እዚ ዘለ እዋን ኣዝዩ ሓያል'ዩ እንተኾነ ንሳ ልዕሊ ግዜ ሓይላ ትወጽእ ኣላ"

ናኦሚ ሎንግ

ናኦሚ ሎንግ, ሰሜን ኣየርላንድ

ፖሎቲከኛ

እዛ ሚኒስተር ፍትሒ ዝነበረ ናኦሚ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ብዛዕባ ጾታዊ ትንኮያታት ዝምልከቱ ሓደሽቲ ሕጋጋት ከምዝተኣታተዉ ገይራ። ብሰንኪ እዚ ኣብ ህይወታ ክሳብ ናይ ሞት ምፍርራሕ ከመጽኣ እንከሎ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝበጽሐ ምፍርራሓት ኣብ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ፖሎቲከኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ምዃኑ ኣብነት ክትከውን ክኢላ'ያ።

እዛ ብሞያ መሃንድስ ዝኾነት ናኦሚ ነቲ 'ኣልያንስ' ዝተሰመየ ሰልፊ ኣብ 1995'ያ ተጸንቢራቶ። ከንቲባ ቤልፈስት ኮይና ድሕሪ ምስራሕ ኣብ 2010 ኣብ ዌስትሚኒስተር ቀዳመይቲ ኣባል ባይቶ ክትከውን ዝተመረጸት ጓል ኣንስትይቲ ክትከውን ክኢላ'ያ። ነቲ ቢታ ፔተር ሮቢንሶን ን30 ዓመታት'ዩ ሒዝዎ ነይሩ።

ነቲ ንኹሉ ዝብጻሕ ቦታ ናይ ውሱናት ሰባት ጥራይ ገይራን ክንወስዶ የብልናን፤ መጀመርታ ከኣ ነቲ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ክንስዕሮ ዘለና። ስለዚ መጀመርታ ንዕብላለ ደቂ ተባዕትዮ፡ ጾታዊ ኣድልዎን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ጽልእን ክንቃለሶ ኣለና።

ናኦሚ ሎንግ

ኣይሻ ማሊክ

ኣይሻ ማሊክ, ፓኪስታን

ፈራዲት

ኣብዚ ዓመት ኣብ ፓኪስታን ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኮይና ተሸይማ። ማሊክ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን ሕግን ኣብ ዝተኣሳሰር ዝድህስስ መጽሓፍ ኣሕቲማ ኣላ። ሓደ ካብቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ተማጒታ ዝተዓወተትሉ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ድንግልነአን ንምፍታሽ ብኽልተ ኣጻብዕቲ ይፈተሽ ዝብል ዝነበረ እምነትን ሕግን ከምዝእለ ገይራ ኣላ። እቲ ሕጊ ኣይሻ ማሊክ ሳለ ዝተማጎተትሉ ካብ 2021 ጀሚሩ ተሪፉ ኣሎ።

ማሊክ ጎኒ ጎኑ ስራሕ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንብዙሓት ደያኑ ዓለም ብዛዕባ ሕጊ ኣስተምህሮ ትህብ ነተን ሳብ ፓኪስታን ዝርከባ ዳቂ ኣንስትዮ ደያኑ'ውን ዓቢ ኮንፈረንስ ብምድላው ኣስትምህሮ ሂባተን።

ደቂ ኣንስትዮ ሓዲሽ ኣገባብ ጽውያ ከተኣታትዋ ኣለወን፡ እዚ ናተን ርእይቶ፡ ተሞክረአን ዘካፍላሉን ዛንተኣንን ዝሓቖፈ ከኣ ክኸውን ኣለዎ።

ኣይሻ ማሊክ

ዛራ ሞሓሞዲ

ዛራ ሞሓሞዲ, ኢራን

መምህር

ዛራ ሞሓመዲ ሓንቲ ካብ’ቶም መስረትቲ ማሕበር ‘ማሕበራውን ባህላውን ትካል ኖጂን’ ከም ምዃና መጠን ኣብታ ኣብ ኢራን ብዕቤታ ሳልሰይቲ ዝዀነት ከተማ ሳናንዳጅ ቋንቋ ኩርዳውያን ንምምሃር ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ህይወታ ዝወፈየት ሰብ’ያ።

ቅዋም ኢራን ከም ዝብሎ፡ ዞባውን ቀቢላውን ቋንቋታት ኣብ ዓውደ-ትምህርቲ ምጥቓም ፍቑድ’ዩል፣ ጠበቓታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ግን ብግብሪ ከምኡ ኸም ዘይኰነ ይዛረቡ። ኰይኑ ድማ ቈላዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቛንቋ ኣዲኦም ክመሃሩ ኣይክእሉን’ዮም። መንግስቲ ኢራን ንሞሓመዲ "ሃገራዊ ድሕንነት ንምትዕንቓፍ ኰነ ኢላ ጕጅለታት ኰነ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ትሰርሕ ኣላ” ኢሉ ከሰሳ፣ ንሓሙሽተ ዓመት ድማ ክትእሰር ተፈርደት። ካብ ጥሪ 2022 ኣትሒዛ ተኣሲራ ኣላ ።

ናዛኒን ዛግሃሪ ራትክሊፍ

ናዛኒን ዛግሃሪ ራትክሊፍ, ዓባይ ብሪጣንያ/ኢራን

ሰራሕተኛ ውሃብቲ ረድኤት

"ሓደ ሰብ'ውን ይኹን ኣብ ትሕቲ ዕግታን ቤት ማእሰርትን ከይኣቱ ዓለም ከትሓበር ኣለዋ፡" ኢራናዊትን ብሪጣንያዊትን ናዛኒን ሪትክሊፍ ኣብ ወርሑ መጋቡት ብሰብ ኢራን ነጻ ምስ ወጽአት ዝበለቶ'ዩ። ናዛኒን ብብዓል ቤታ ሪቻርድ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ናዛኒን ካብ ቀይዲ ናይ ኢራን ክትወጽእ ድሕሪ ዝገበሮ ሓያል ጎስጓስ'ያ ታሪኻዊ ብዝተብሃለ ምይይጥ እቶም መንግስታት ክትፍታሕ ክኢላ።

ናዛኒን ምስ ጓላ ንዕረፍቲ ኢላ ናብ ኢራን ምስ ከተደት'ያ ኣብ 2016 ኣብ ቀይዲ ኣትያ። ገለ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ መንግስቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ጸቕጢ ንምፍጣር ኢሉ'ዩ ጅሆ ሒዝዋ። ንሽዱሽ ዓመት'ያ ኣብ ቀይዲ ጸኒሓ፡ ቤት ሰውራ ኢራን ብወገኑ ናዛኒን ዕልዋ መንግስቲ ንምፍጻም ኢላ'ያ ናብ ኢራን ኣትያ ብምባል'ዩ ዝኸሳ። እቲ መጀመርታ ዝተውሃባ ፍርዲ ኣብ 2021 ምስ ወደአት ካልኣይ ግዜ ካልእ ፍርዲ መጺእዋ፡ ጉዳያ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክሳብ መዓልቦ ዝርክብ ኸኣ ኣብ ቀይዲ ጸኒሓ። ዛዛኒን ዛግሃሪ ንኹሉ ዝቐርበላ ዝነበረ ክስታት በዲሃ'ያ ወጺኣ ነቲ ኣብ ቀይዲ ዝሓለፈቶ እዋናት እትትርኽ መጽሓፍ ኸኣ ኣብ ምጽሓፍ ትርከብ።

ሮዛ ሳሊህ

ሮዛ ሳሊህ, ስኮትላንድ

ፖሎቲከኛ

ግንቦት 2022 ሮዛ ሳሊሕ ኣብ ግላስኮ ናይታ ከተማ ኣባል ባይቶ ኮይና ዝተመረጸት ናይ መጀመርታ ስደተኛ ክትከውን ክኢላ። ስድራኣ ኣብ ኢራቕ ብዝነበረ ኵናት ተሰዲዶም ናብ ስኮትላንድ ክኣትዉ እንከለዉ ሮዛ ሳሊህ ህጻን'ያ ነይራ። ሮዛ ክትጉብዝ ካብ እትጅምር ንስደተኛታት ኣብ ምጥባቕ'ያ ክትሰርሕ ጀሚራ። ንሳን ደቒ ትምህርታን ኮይነን ኸኣ ንሓደ ዝተኣሰረ ዓርከን ንኽፍታሕ ክጽውዓ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይደን ነይረን።

እተን ኣብ ግላስኮው ተወዳዲብን ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየደ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ግላስኮ ሓሊፈን ብደረጃ ሃገር ኣቓልቦ ክረኽባ ጀሚረና እቲ ንሓተቲ ዕቕባ ዝምልከት ሕጊ'ውን ዳግማይ ንኽረአ ኡይተአን ምኽንያት ክኸውን ክኢሉ። ሮዛ ተጣበቒት ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን ናብ ቱርኪ ብምጻሕ ብምክያድ። ስኮትላንድ ምስ ዞባ ኩርዲሽን ኩርዲስታንን ዕርከነት ንኽምስርታ ኣበርቲዓ ሰሪሓ። ተዓዊታ'ውን።

ሰፒደህ ቆልያን

ሰፒደህ ቆልያን, ኢራን

ፖለቲከኛ

ሰፒደ ኮልያን እትበሃል ናይ ሕጊ ተማሃሪት ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን እትርከብ ኣውራጃ ኩዘስታን መሰላት ሰራሕተኛታት ብምድጋፉ ንሓሙሽተ ዓመት ኪትእሰር ተፈርደት። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለየ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢራን፡ እንተላይ ኢቪን - ቐንዲ መንበሪ ፖለቲካውያን እሱራት ዝነበረ - ተኣሲራ ነይራ። ብተወሳኺ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ተኣሲራ ነይራ። ኣብቲ ኮልያን ኣብ ጥቅምቲ 2021 እተመሓላለፈሉ ቐንዲ መንበሪ ፖለቲካውያን እሱራት ዝነበረ ኢቪን ኣሕሊፋ እያ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ’ውን ከላ ዕዮኣ ቐጸለት - ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱርት እትገልጽ ኣብ ካሴት ቀዲሓ ንግዳም ትልእኽ ነበረት። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ክንዲ እተን እሱራት ኣንስቲ ትዛረብ ነበረት። ብዋሕስ ክትፍታሕ ከላ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢራን ዘጋጥመን ስቓይ ኰነ ፍትሒ ዘይነበሮ ኣተኣላልያ እሱራት እትገልጽ መጽሓፍ ጸሓፈት።

ክሪስቲና በርዴእንስኪ

ክሪስቲና በርዴእንስኪ, ዩክረይን

ጋዜጠኛ

ኣብ እዋን ኲናት ዩክሬን፡ ተዓዋቲት ሽልማት ጋዜጠኛ ክሪስቲና በርዲያንስካክ ኣብ ሃገራ እናተዘዋወረት ካብተን ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ሩስያ ዝነበራ ዞባታት ትጽብጽብ ነይራ። ገለ ስርሓታ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ግጭት ኣብ እትርከብ ከተማ ዘሎ ዝርዝር መዓልታዊ ህይወት ዝምልከት እዩ።

ኣብ ከተማ ከርሰን ዝተወልደት በርዲያንስካክ፡ ኣብ መጽሔት ኤንቪን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ቲቪን ሬድዮን ሓዊሱ፡ ኣብ ኪየቭ ን14 ዓመታት ከም ፖለቲካዊ ጋዜጠኛ ኮይና ሰሪሓ እያ። ንሳ፡ ዝፈጠረቶ ብዛዕባ ተሳተፍቲ ሰውራ ዩሮማይዳን ዩክሬን ዝገልጽን ኢ-ፒፕል ዝበሃል ፕሮጀክት ማሕበራዊ መራኸቢ ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ እዩ።

ታይሳ በካሉታቫ

ታይሳ በካሉታቫ, ሩስያ

ጋዜጠኛ

ታይዝያ ቤክቡላቶቫ እትበሃል ውሩይቲ ሩስያዊት ጋዜጠኛ ብ2019 ‘ሆሎድ’ እትበሃል ናጻ መራኸቢ-ብዙሓን መስረተት። እቲ ማሕበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዘይማዕርነትን ዓመጻን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ዝገልጽ ዛንታታት ዘሕተመ ወብሳይት’ዩ። ኣብ ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ናጻ መራኸቢ-ብዙሓን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ መሰረት ሰበ-ስልጣን ሩስያ ነቲ ወብ ሳይት ዓጸውዎ።

ይኹን እምበር ቤክቡላቶቫን ጕጅለኣን ዕዮኦም ኪቕጽሉ ስለ ዝተመባጽዑ ንስርሖም ገጥ ኣቢሎም ተተሓዝዎ፣ ቍጽሪ ኣንበብቶም ከኣ እናወሰኹ ከደ። ቤክቡላቶቫን ሰላዪት ኢሎም ምስ ጠቀንዋ ብ2021 ካብ ሩስያ ሃዲማ ንዩክረይን ተጓዕዘት። ኣብኡ ኰይና ድማ - ኣብ መስመር ግንባር ኰይና - ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዉግእ ሓበሬታ ተመሓላልፍ ኣላ።

ኣብ ዘይተርፍ ዕቤት ኣይኣምንን እየ። ዘመናዊ ስልጣነ ወትሩ ኣብ ሰንኮፍ ከም ዘሎ (ተነቃፊ) ንምጥፋኡ ድማ ቀሊል’ዩ ዚመስል። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ዩ ብቐዳምነት ዚጠፍእ።

ታይሳ በካሉታቫ

ናታልያ ቤኬት

ናታልያ ቤኬት, ቫቲካን

ፈላሲት

ጳጳስ ፍራንሲስ ንናታልያ ሰክሬተራ ናይ ቅዱስ ሲነዶስ ገይሮም ምስ መረጽዋ፡ እታ ናይ መጀመርታ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝበጸሐት ፈላሲት ክትከውን ክኢላ። በዚ መሰረት ናታልያ ሓንቲ ካብቶም ንጳጳስ ፍራነሲስ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝምለከት ምኽሪ ዝህቡ ውሑዳት ክትከውን ክኢላ'ያ። ብዘይካ እዚ እታ እንኮ ኣብ ቫቲካን ናይ ምምራጽ መሰለን ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን'ውን ክኢላ'ያ። ሓፈሻዊ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ 2021 ኣብ ዝሃቦ ቃል ምምራጽ ናታልያ፡ ኣብ ቫቲካን ኩሉ ምዓጹ ንደቂ ኣንስትዮ ክፉት ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ኢሉ ነይሩ።

ቅድሚ ሕጂ እዛ ፈረንሳዊት ፈላሲት ቀዳመይቲ ዳይረክተር ኣገልግሎት ወንጌል ኮይና ተመሪጻ ነይራ'ያ።

ከምቲ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝበልዎ "እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝጋጠም ኣድልዎን ዓመጽን ደው ንኽብል ናይ ፍትሒ ስራሕ'ዩ፡ ንሕና ከኣ ብሓባር ኮይንና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብ መሪሕነት ብምምጻእ ፍትሒ ኣብ ምምጻእ ክንሰርሕ ኢና"

ናታልያ ቤኬት

ሲሞነ ታበት

ሲሞነ ታበት, ብራዚል

ኣባል ሰኔት ብራዚል

ብብዙሓት ከም ሓንቲ ምልክት ሓበን'ያ ትረአ። ሰነተር ሲሞነ ታቤት ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዚደንታዊ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ። ኣብ 2002 ወኪል ግዝኣት ኮይና፡ ኣብ 2004ን 2008ን ከንቲባ ትረስ ላጎስ ኮይና ተመሪጻ።ኣብ 2014 ድማ ልዕሊ 52% ድምጺ ብምርካብ ሰኔት ኮይና ተመሪጻ።

ንሳ፡ ኣደ መንበር ናይቲ ኣብቲ ባይቶ ኣገዳሲ ፓነል ተባሂሉ ዝግለጽ ኮሚተ ቅዋምን ፍትሕን ሰኔት ዝመርሐት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ፕሮፌሰር ሕጊ ዝኾነት ተበት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ሓባራዊ ኮሚቴ እውን ኣደ መንበር ኮይና ትሰርሕ ነይራ።

ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ መጻኢ'ውን ጓል ኣንስተይቲ'ያ፡ ቦታ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ከኣ ኣብ ዝኾነ ይኹን እቲ ንሳ ትደልዮ ጥራይ'ዩ።

ሲሞነ ታበት

ቅሳነት ቴድሮስ

ቅሳነት ቴድሮስ, ኤርትራ

ብዓልቲ ዋኒን

ቅሳነት ቴድሮን ነታ ህጻናት ብዛዕባ ቋንቖኦምን ባህሎምን ንምምሃር ዝመስረተታ 'በለስ ቡቡ' ኢላ ዝሰመየታ ናይ ዩትዩብ ቻነል፡ ህጻናት ኣብ ስደት ኮይኖም ባህሎምን ቋንቖኦምን ከይርስዑ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለደት ቅሳነት ካብ ንእስነትካ ቋንቋካ ምርዳእ ንመበቖልካን ባህልካን ክትፈልጥ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ'ያ ትኣምን።

እቶም ንሳ ተማእክሎም ጉጅለ ካብ ኤርትራ፡ ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኮይኖም መዛሙር ኣዳላዮም ብሙዚቛ ብምስናይ ብቪድዮ ገይሮም ናብ ተዓዘብቲ የቕርብዎ። እቲ ኣብ በለስ ቡቡ ዝቐርብ ቪድዮታታት ኣብ ኤርተራን ኣብ ኢትዮጵያን መበቖሎም ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዓሊሙ ዝተሰርሐ'ዩ፡ ብሚልዮናት ህጻናትን ወለድን ኸኣ ተራእዩ ኣሎ። ቅሳነት ኣብዚ ዓመት ኣብ ካምፓላ በለስ ቡቡ ፈስቲቫል ህጻናት ኢላ ዝሰመየቶ መደብ ኣዳልያ ነይራ።

ጆይ ንጎዚ ኢዜሎ

ጆይ ንጎዚ ኢዜሎ, ናይጀርያ

ፕሮፈሴር ሕጊ

ጆይ፡ ዲን ሕጊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይጀርያን ፍሉይ ጸብጻቢ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ሕቡራት ሃገራት ነበርን ኣብ ዓውዲ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት መሪሕ በዓልቲ መዚ እያ።

እዛ መስራቲትን ዳይረክትርን 'ዉመን ኣይድ ኮለክቲቭ' ዝኾነት ጆይ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እቲ ትካል ንኣስታት 60 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ናይጀርያ ነጻ ናይ ሕገን ሓገዝን መዕቖብን ክህብ ክኢሉ'ዩ።

Chimamanda Ngozi Adichie

በታ ኣብ 2021 ዝተዓወተት ጽሓፊት ቻማናዳ ንጎሰዚ ኣዲቺ ተሓጽያ

"ፕሮፌስር ኢዜሎ ንድኻታት ናይጀርያውያን ነጻ ናይ ሕጊ ሓገዝ ብምሃብ ንብዙሓት ሓጊዛ እያ ብፍላይ ነተን መሰልን ዝተግሃሰ ደቂ ኣንስትዮ ከይትሓለለት'ያ ትሕግዘን ዘላ"

ፋቲማ ኣሚሪ

ፋቲማ ኣሚሪ, ኣፍጋኒስታን

ተማሃሪት

ኣፍጋኒስታናዊት መንእሰይ፡ ፋጢማ ኣሚሪ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ካቡል ኣብ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ ዝተፈጸም ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝተረፈት እያ። እቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ዝቐተለ ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ እየን። ፋጢማ፡ ሓንቲ ዓይና ጠፊኣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጋጋኣን እዝናን ሓዊሱ ከቢድ መጉዳእቲ በጺሕዋ።

ኣብ ትሕከመሉ እዋን፡ ንመእተዊ ፈተናታት ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምጽናዕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተፈቲና ልዕሊ 85 ሚእታዊ ነጥቢ ረኺባ’ያ። ሕጂ ሕልማ፡ ኣብ ካቡል ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ኮምፒተር ክትመሃር ከምዝኾነን በቲ መጥቃዕቲ ዓይና ምጥፋኣ ዝያዳ ሓያልን ቆራጽን ክትከውን ከም ዝገበራን ትገልጽ።

ማኢን ኣል ኦባዲ

ማኢን ኣል ኦባዲ, የመን

ጠበቓ

ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝያዳ ዓመጽ እናበዝሖ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጠበቓ ማኢን ኣል-ኦበይዲ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ ከተማ ታይዝ ኣብ ህንጸት ሰላም ኣተኲራ ትነጥፍ ኣላ። ኣብ መንጎ ተጋራጨውቲ ጉጅለታት ምልውዋጥ እሱራት ብምምችቻው ናይ መንጐኛ ተራ እናተጻወተት ትርከብ። ተጋደልቲ ብህይወት ናብ ስድርኦም ኣብ ምምላስ ኩሉ ግዜ ዕዉትቲ እኳ እንተዘይኮነት፡ ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ንክምለስ ግን ትጽዕር።

ኣብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ የመን ብወለንታኣ ብምስታፍ ንዝተኣስራ ደቂ ኣንስትዮ ተኸላኺላ እያ። ብተወሳኺ፡ ናብቲ ንኮሚተ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ዝከታተል ቤት ምኽሪ ማሕበር ጠበቓታት ዝተመዘዘት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ማርያ ፈርናንዳ ካስትሮ ማያ

ማርያ ፈርናንዳ ካስትሮ ማያ, ሜክሲኮ

ተጣባቒት ስንኩላን

ፈርናንዳ ካስትሮ፡ ከም ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ፖለቲካ ንክሳተፉ ትቃለስ ኣላ። ኣካል ናይቲ ብሂዩማን ራይትስ ዎች ዝድገፍ ጉጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ጸገም ዘለዎም ሰባት ኮይና፡ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ሜክሲኮ ኣብ ፖሊሲታተን ናይ ኣእምሮን ትምህርትን ጸገም ዘለዎም ሰባት ከካትታ ትሓትት።

ስርሓ ተበጻሕነት ቋንቋ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ፍጻመታት መረጻን ምስታፍ ዝምልከቱ ሰነዳት ዝሽፍን እዩ። ፈርናንዳ ኣካል ናይቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ብዛዕባ መሰላት ኣካለ-ጉዱኣት ጸብጻብ ዘቕረበ ልኡኽ ሜክሲኮ ነይራ። ብተወሳኺ፡ ወኪል ‘ኢንክሉዥን ኢንተርናሽናል’ ዝተበሃለ ዓለማዊ መርበብ እያ።

ቻናል ካንቶስ

ቻናል ካንቶስ, ኣውስትራልያ

ተጣባቒት ስነ ጾታ

ቻናል ካንቶስ ብዛዕባ ጾታዊ ትምህርቲ ዝህብ ማሕበር ዝመስረተት'ያ። ኣብ 2021 ኣብ ኢንስታግራም ንዝስዕበዋ ሰባት ኣብ ቤተ ትምህርቲ ጸታዊ መጥቃዕትታት ዝበጽሖም እንተሃልዮም ክጽሕፉላ ሕቶ ኣቕሪባ። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኸኣ ልዕሊ 200 ሰባት እወ በጺሕና ዝብል መልሲ ሰዲዶሙላ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ኣውስትራልያ ጾታዊ ትምህርቲ ንኽውሃብ ናይ ደገፍ ፌርማ ክትእክብ ጀሚራ። ሳላ ጻዕራ ኸኣ ካብ 2023 ጀሚሩ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ 10 ዝዕድሚኦም ህጻናት ብዛዕባ ጾታ ትምህርቲ ክውሃቦም ዘገድድ ሕጊ ተኣታትዩ ኣሎ።

ኢቫ ኮፓ

ኢቫ ኮፓ, ቦልቭያ

ፖሎቲከኛ

መበቆል ኣይማራ ዝኾነት መራሒት ተማሃሮ ነበር ኢቫ ኮፓ ፖለቲካ ቦሊቭያ እናናወጸት ትርከብ። ከንቲባ ናይታ ኣብታ ሃገር ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ዝኾነት ኤል ኣልቶ ንምዃን ሕጽይቲ ሰልፋ ንምዃን ክትዕወት ​​ብዘይምኽኣላ፡ ኣንጻር ሕጹይ ሰልፊ ተወዳዲራ ብ69 ሚእታዊ ድምጺ ተዓዊታ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፖሊሲን ኢንቨስትመንትን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝዓለመ ውጥን እታ ከተማ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኮፓ ኣብ ፖለቲካ ሓዳስ ኣይኮነትን፡ ኣብ መንጎ 2015ን 2020ን ከም ሴናተር ኮይና ኣገልጊላ እያ። ምስቲ ገዛኢ ሰልፊ ምፍልላያ፡ ብብዙሓት ከም ናብ ዝያዳ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገር ዝግበር ምዝንባል እዩ ተራእዩ።

ተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ የድልየና እዩ: ደቂ ኣንስትዮ ኩሉ ግዜ ደው ክብላ እምበር ፍጹም ክንብርከኻ የብለንን።

ኢቫ ኮፓ

ኦለና ዘለንስኪ

ኦለና ዘለንስኪ, ዩክረይን

ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዩክረይን

ኦለና ዘለንስኪ ንፍዕቲ ጸሓፊት ንተለቪዥን ዝቐርቡ መደባት እያ። እንተኾነ ብዓል ቤታ ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ናይ ዩክረይን ምስ መጽአ'ያ ብዝያዳ ክትፍለጥ ክኢላ። ከም ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ከኣ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንኽምሓየሽን ባህሊ ዩክረይን ንኽፍለጥን ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምስ ጀመረ፡ ዘለዋ ተፈላጥነት ተጠቒማ ህዝቢ ዩክረይን ብሰንኪ እቲ ኵናት ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ ንዓለም ክትነግር ክኢላ። ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብምኻድ'ውን መደረ ኣስሚዓ፡ በዚ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ቀዳመይቲ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ቀሪባ መደረ ዘስመዐት ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት'ያ።

ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣብ እዋን ሰላም ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ እዋን'ዩ ዝያዳ ሓላፍነት ዝበዝሐን። ንኲናት ዝፈተነት ጓል ኣንስተይቲ ከኣ ክፍኣት ኵናት ንምንጋር ድሕር ኣይትብልን'ያ። ርግጸኛ'የ ውሽጣዊ ሓይልና ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ይሕይል ኣሎ።

ኦለና ዘለንስኪ

ቸንግ የን

ቸንግ የን, ታይዋን

ፈላሲት ብዱሃ

ዳርማ ማስተር ቸን የን ኣብ ምዕባለ ዘመናዊ ቡድሂዝም ታይዋን ካብቶም ኣዝዮም ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ከምዝኾነት ትርአ። መስራቲት ሰብኣዊ ትካል ቱ ቺ ፋውንዴሽን ኮይና፡ ሓደ ሓደ ግዜ ‘ማዘር ተሬዛ ኤስያ’ ተባሂላ ትጽዋዕ።

ንሳ ነቲ ትካል ኣብ 1966 ክትምስርቶ እንከላ ንዝተጸገሙ ስድራቤታት ንምሕጋዝ 30 ኣብ ስሩዕ ስራሕ ዘይተቖጸራ በዓል ሓዳር ኣንስቲ ገንዘብ ዘዋህልላሉ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እናዓበየ ብደረጃ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ዘለዎ፡ ኣህጉራዊ ረድኤትን ሕክምናዊ ሓገዝን ዝህብ፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዘመሓድር ትካል ክኸውን ክኢሉ። ሰዓብቲ እታ ሕጂ ኣብ መወዳእታ 80ታት ዕድሚኣ ትርከብ ቸን የን፡ ግብረ ሰናይ ወፍርታቶም ይቕጽሉ ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ካብ ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ገይሮም እዮም።

ዛህራ ጆያ

ዛህራ ጆያ, ኣፍጋኒስታን

ጋዜጠኛ

ዛህራ ጆያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣሊባን ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ትሕቲ 'መሓምድ' ዚብል መጸውዒ፡ ክዳን ኣወዳት እናተኸድነት ንቤት ትምህርቲ ትኸይድ ነበረት። ብ2001 ሓይልታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቶም ታሊባን ምስ ሰዓርዎም ኣብ ናይ ቀደማ ዛህራ ዚብል ስም ሒዛ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመልሰት። ብ2011 ጋዜጠኛ ዀይና ክትዓዪ ጀመረት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብ መደበር ዜና እንኮ ሪፖርተር እያ ነይራ ።

መስራቲት እታ ኣብ ኣፍጋኒስታን እንኮ ፈላሚት ትካል ዜና ዝዀነት ‘ሩኽሻና ሜድያ’ ብናይ መሰል ደቂ’ንስትዮ እተቕርብ ኣጀንሲያ-ዜኣ’ያ፣ እዛ ኣጀንሲያ’ዚኣ ብስም ሓንቲ ጣሊባን ብዳርባ እምኒ ዝቐተልዋ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ እያ ተሰምያ። ጆያ ብ2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ክትወጽእ ከኣለት፣ ሕጂ ኸኣ ‘ሩኽሻና ሜድያ’ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኰይና ተሓድራ ኣላ ። ናይ 2022 ሽልማት ‘መምጽኢት-ለውጢ’ (Changemaker) ካብ ናይ ገይትስ ፋውንድሽን ተሸለመት ።

በቲ ዘለና ፍዅስ ዝበለ ሓይሊ (soft power) ተጠቒምና ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ’ንስትይ ዝፍጸም ግፍዕታት ክንዛረብ ይግብኣና።

ዛህራ ጆያ

ኢቢጆካ ፋብሮደ

ኢቢጆካ ፋብሮደ, ናይጀርያ

መስራቲት 'ኢለክትሀር'

ብመንገዲ 'ኢለክትሀር' [ ElectHER] ኣቢጆካ ተሳትፎ ናይጀርያውያን ኣብ ፖሎቲካ ክብ ኣብ ምባል ትሰርሕ ኣላ። እቲ ዝመስረተቶ ጎስጋስ ነቲ ኣብ ፖሎቲካ ዘሎ ዘይምዕሩይ ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንምጽባብ ቢንቶ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኸኣ ንልዕሊ 2000 ደቂ ኣንስትዮ ጎስጓስ ኣካይዳትለን ኣላ። ብናታ ተበግሶ ኣብ 2023፡ 35 ደቂ ኣንስትዮ ንዞባውን ፌደራላውን ጽፍሒ ክወዳደራ ወሲነን ኣለዋ።

ኣቢጆካ ነቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ክውን ንምግባር ዝሰርሕ ናይ ሞባይል መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] እውን ኣማዕቢላ ትርከብ።

ባህልን ስፖርትን

ሳርህ ቻን

ሳርህ ቻን , ደቡብ ሱዳን

ኣብ ኣሜሪካ ተጻዋቲት ኵዕሶ ሰክዔት

ቀደም ናይ ኵዕሶ-ሰኪዔት ተጻወቲት ዝነበረት ሳራ ቻን ሕጂ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ንዝርከቡ መንእሰያት ትምህሮምን ኣብነት ትዀኖምን ኣላ። ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ናይ ክለብ ቶሮንቶ ራፕቶርስ (ክበብ NBA) ዋና መልማሊት ወይከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ዘለዎም ተጻወትቲ እተናዲ ሓላፊት ኰይና ተገልግል ኣላ።

ሳራ ቻን ምስ ስድራቤታ ካብቲ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዕግርግር ሃዲማ ናብ ኬንያ ገዓዘት። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጸወታ ኵዕሶ ሰኪዔት ኣተወት። ብኵዕሶ ሰኪዔት ኣቢላ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጃክሰን ተነሲ (ሕ.መ.ኣ.) ዝርከብ ዩንየን ዩኒቨርሲቲ ማህደር-ትምህርቲ ረኸበት፣ ቀጺላ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ከኣ ብሞያ-ኵዕሶ-ሰኪዔት ተዋስአት። ቻን ነታ ትካል ብምምስራት (Home At Home/Apediet Foundation) ኣንጻር ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ዝምርዓዋ ኣዋልድ ዝጕስጕስ፡ ንምምሕያሽ ትምህርቲ ዝጣበቕ፡ ከምኡውን ንመንእሰያት ብስፖርት ኣቢሉ ዝምሃር ማሕበር መስረተት።

ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምትእምማን እተሕድር ንስኻ ባዕልኻ ስለ ዝዀንካ ኣብ መጻኢ ንዅሉ ትምኒታትካን ሕልምኻን ንክማላእ ከም እትኽእል እመን።

ሳርህ ቻን

ምያ ንያኩ ሊ

ምያ ንያኩ ሊ, ደቡብ ኮርያ

ኣፍራይት

እዛ ኣብ ስነጥበብ እትነጥፍ ምያ ንያኩ ሊ፡ ንማዕብል ስነጥበብ ኮርያ ኣብ ምቅላስ'ያ ትርከብ። ነቶም ከይ ፖፕ ብዝብል ዝጽውዑ ጉጅለ ሙዚቋ ኸኣ ብድሕሪት ኮይና ኣብ ዓወቶም በዙሕ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ትርከብ። ነታ ንመጀመርታ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ተሰሪሓ ኦስካር ዝተዓወተት 'ፓራሳይት' ዝተሰመየት ፊልም'ውን ንሳ ዘፍረየታ'ያ።

ምያ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ቺጀይ ኢኤንኤም ዘተብሃለ ናይ ምዝንጋዕ፡ ፊልምን ናይ ተለቪዥን ስትድዮ'ውን ምክትል ፕረዚደንት'ያ።

Rebel Wilson

በታ ኣብ 2021 ዝተዓወተት ተዋሳኢት ርበል ዊልሰን'ኣ ተሓጽያ።

ረርበል ዊልሰን "ኣዝያ ሓያል ጓል ኣንስተይቲ'ያ ንዓይ ኸኣ መርኣያይ'ያ። ንባህላ ኣብ ዓለም ከተላሊ ዝኸኣለት እትድነቕ ጓል ኣንስተይቲ'ያ"

ሳሊማ ርሃድያ ሙካንሳጃ

ሳሊማ ርሃድያ ሙካንሳጃ, ርዋንዳ

ዳኛ ኵዕሶ እግሪ

ሳሊማ ርሃድያ ሙካንሳጃ ብፊፋ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 ዳኛ ንኽኾና ዝተሮቖሓ ደቂ ኣንስትዮ ክትከውን ክኢላ። ዋንጫ ዓለም ኣብ ናይ 92 ዓመታት ታሪኹ ሎሚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ'ዩ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ዘተኣታቱ ዘሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቓ'ውን ናይ መጀመርታ ዳኛ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃን ዳንያ እያ፡ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ'ውን ዳንያ እያ። ሳሊማ ኣብ ኩሉ ዓበይቲ ውድድራት ኵዕሶ ደቂ ኣንስትዮ ክትዳኒ ክኢላያ። ቅድሚ ናብ ስፖርት ምዝዛዓ ሳሊማ ክኢላ ኣሕራሲት እያ ነይራ።

ሚሊ

ሚሊ, ታይላንድ

ስነጥበባዊት ራፕ

ስነጥበባዊት ራፕ ዳኑፐ ካንታራኩል ዝያዳ በቲ ሚሊ ዝብል ናይ መድረኽ ስማ'ያ ትፍለጥ። እዛ በቲ ኣብ ግጥምታታት ተልዕሎ ዘይዝውቱር ዝኾነ ኣርእስታት ብዙሓት ሰዓብቲ ከተጥሪ ክኢላ'ያ። እዛ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት እትደርፍ ስነጥበባዊት ኣብዘ ቐረባ እዋን BABB BUM BUM ኢላ ዝሰመየታ ኣልበም ዘርጊሓ ኣላ።

ኣበዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኮቸላ ጸብለል ኢላ ዝተራኣየት ሚሊ፡ ንመንግስቲ ታይላንድ ኣብ ደርፍታታት ብብዝሒ'ያ ትነቕፎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንመንግስቲ ኣብ ኣተሓሓዛ ኮቪድ ንዝተኸተሎ ኣገባብ ብምንቃፋ ንመንግስቲ ኣጸሊምኪ ተባሂላ ክሲ ዝቐረበላ ሚሊ፡ ብዙሓት ሰዓብታ ኣብ ትዊተር ሃሽታግ ብምጥቃም '#SaveMilli" ብምባል ኣብ ጎና ከምዘለዉ ኣርእዮም'ዮም።

ላውራ ማክሊስተር

ላውራ ማክሊስተር, ዌልስ

ፕሮፌሰርን ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ነበርን

ሎራ ማካሊስተር፡ ናይ ቀደም ሓለቓ ጋንታ ዌልስ ኵዕሶ እግሪ ዝነበረት፡ ኣብ ምሕዳራ ስፖርት ብዙሕ ልዑል ግደ ዝነበሮ ስራሓት ትነጥፍ ነይራ’ያ። ኣብዚ እዋን እዚ ምክትል ኣመሓዳሪ ኮሚተ ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኡኤፋ ኢያ፣ ኣብ ሚያዝያ 2021 ዝተኻየደ ምርጫ - ተወካሊት ቤት-ምኽሪ ፊፋ ንምዃን - ተወዳዲራ’ያ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ ፕሮፌሰር ኰይና ተገልህል ኣላ - ከም ክኢላ ፖለቲካ ዌልስ። ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝካየድ ኵዕሶ-እግሪ-ዓለም ንኽትካፈል ብዌልስ ተመዚዛ ኣላ - ከም ኣምባሳደር LGBT። ኣብ ቀጠር ኣብ ስታድዩም ክትኣቱ ኸላ ንደገፍ ማሕበረሰብ LGBTQI+ ዘርኢ ፍሉይ ባርኔጣኣ ንከተልግስ ተሓተተት።

ሪታ ሞረኖ

ሪታ ሞረኖ, ፖርቶ ሪኮ/ኣሜሪካ

ተዋሳኢት

ንሽልማታት ኢሙ፡ ግራሚ፡ ኦስካርን ቶኒን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሽልማታት ዝዓተሩ ሰባት ዉሑዳት'ዮም ሪታ ሞረኖ ከኣ ሓንቲ ካብኦም'ያ። እዛ ፖርቶ ሪካዊት ተዋሳኢት፡ ደራፊትን ሳዕሳዒትን ጓል 13 ዓመት እንከላ'ያ ነዚ ሞያ ጀሚራቶ። ንልዕሊ 70 ዓመታት ከኣ ሰሪሓትሉ።

እዛ ኣብ ብዙሕ ፊልምታት ዝተዋሰአት ውርይቲ ተዋሳኢት እታ ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ዝዓተረት ላቲናዊት'ያ። ሕጂ ጓል 90 ዓመት ኣብ ዝመልኣትሉ'ውን ኣብታ ብስቴቨን ስፕሊንበርግ ዝተሰርሓት ፊልም ኣብቲ ንዓኣ ኣመልኪቱ ዝተጸሓፈ ፊልም ክትዋሳእ'ያ።

ኢልናዝ ረካቢ

ኢልናዝ ረካቢ, ኢራን

ሓኳሪት

ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ እተኻየደ ናይ እስያ ውድድር፡ ኤልናዝ ረካቢ እትበሃል ኢራናዊት ሓዃሪት-መንደቕ ንሃገራ ወኪላ ከም ዝተወዳደረት ዝዝከር’ዩ፣ ኰይኑ ድማ ነቲ ኣብ ሃገራ ደቂ’ንስትዮ ዝኽደንኦ ግዴታዊ ህጃብ (መንዲል-ርእሲ) ከየኽበረት ብዘይ መጐልበቢ ኣብቲ ውድድር ብምስታፋ ተቓውሞታት (ከምኡ’ውን ደገፋትን) ተሰምዐ። ኣብቲ ውድድር ራብዓይቲ’ኳ ኰይና እንተወጸት፡ ኣብ ተቓወምቲ ኢራን ግና ተፈታውነት ረኸበት። ናብ ዓዳ ምስ ተመልሰት ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተህራን ንክቕበልዋ ተረኽቡ፣ ኣብ ሶሻል-ሚድያ ድማ ዉዕዉዕ ናእዳን ምስጋናን ረኸበት።

ጸኒሓ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጻ ዘውጽኣቶ መልእኽቲ፡ እቲ ህጃብ "ብዘይፍላጣ" ከም ዝወደቐ ኣፍለጠት፣ ኰይኑ ድማ ኣብቲ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ንህዝቢ ኢራን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዜስዓቦ "ሻቕሎትን ዘይምርድዳእን" ይቕሬታ ሓተተት። ይኹን’ምበር ሓደ ንቢቢሲ ብቋንቋ ፋርሲ ዘቕረበ ምንጪ ከም ዝበሎ እቲ ቃለ-መጠይቕ (ምስኡ’ውን ይቕሬታ ምሕታትን) ተገዲዳ ዝተናዘዘቶ ሓጥያት ከም ዝነበረ ሓበረ።

ዩሊማር ሮጃስ

ዩሊማር ሮጃስ, ቬነንዙላ

ኣትሌት

ተዓዋቲት ሜዳልያ ኦሎምፒክ (ወርቅን ብሩርን) ከምኡ’ውን ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ዓለም ዝኾነት ዩሊማር ሮሃስ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ውስጠ-ቤታዊ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ስሉስ ዝላ ደቂ ኣንስትዮ 15.74 ሜትሮ ብምምዝጋብ ክብረወሰን ዓለም ክትሰብር ክኢላ እያ። ሕጂ ድማ ካብዚ ዝዓቢ ዓወት ክተመዝግብ ትኹረታ 16 ሜትሮ ኣብ ምዝላል ኣንቢራ ኣላ።

ኣብ ካራካስ ቬንዙዌላ ተወሊዳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካሪብያን ኣብ ዝርከብ ድኻ ከባቢ ዝዓበየት ዩሊማር፡ ንኽትዕወት ዝሓገዛ ካብ ድኻ ስድራቤት ስለዝመጸት ከምዝኾነ ትገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባል ጋንታ ኣትሌቲክስ ባርሴሎና እያ፡ ኣብ ሃገራ ድማ ደረጃ ጅግና ረኺባ ኣላ። ብግልጺ ሕደ-ጾተኛ ኮይና ኣብ ጉዳያት ኤልጂቢቲኪው+ ትዳመጽ ተጣባቒት እያ።

ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ክንፈርሕ የብልናን። ንዓና ዘይከኣለና ነገር የለን፡ ኣገደስቲ ከምዘይኮንና ክንርአ ከም እንኽእል ድሮ ንጹር ኮይኑ ኣሎ ግን እንታይ ዓቕሚ ከም ዘለና ድሮ ብዓቢ ሓበን ኣርኢና ኢና።

ዩሊማር ሮጃስ

ናና ዳራኮኣ ሰኪያማህ

ናና ዳራኮኣ ሰኪያማህ, ጋና

ደራሲት

‘ዘ ሴክስ ላይቭስ ኦፍ ኣፍሪካን ወመን’ ትብል መጽሓፋ፡ ፓብሊሸርስ ዊክሊ ኣብ ዘዳለዎ ዘደንጹ ገምጋም "ዘገርም ጸብጻብ ምንዳይ ጾታዊ ሓርነት " ብዝብል ተገሊጻ'ያ። ‘ዘ ኢክኖሚስት’ ብወገኑ፡ ካብ መላእ እታ ኣህጉርን ዓለማዊ ዲያስፖራን ዝመጹ ዝተፈላለዩ ድምጽታት ተንጸባርቕ ብምባል ኣብ ዝርዝር እቶም ዝበለጹ መጻሕፍቲ ናይቲ ዓመት ኣካቲትዋ እዩ።

ጸሓፊትን ኣንስታያዊ ተጣባቒትን ናና ዳርኮዋ ሴክያማ፡ ሓባራዊት መስራቲት ‘ኣድቨንቸርስ ፍሮም ዘ ቤድሩምስ ኦቭ ኣፍሪካን ወመን’ ኮይና፡ እዚ ኣብ ዙርያ ጾታ፡ ጾታዊ ርክብን ዕግበትን ተመኩሮታት ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ዳግማይ ንምዝንታው ትሕዝቶ ዝፈጥር መርበብ ሓበሬታ፡ ፖድካስትን ፈስቲቫልን እዩ።

ኣንስታያዊያናት ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ዝኾናሉ ቦታ ኣብ ምፍጣር ተዓዊተን እየን። ግን ውጽኢት መኽሰብና ዝኾነ ንጽገት የጋጥመና ኣሎ፡ እዚ ንጽገት ድማ ብፍላይ ንቶም ምስ ትጽቢት ማሕበረሰብ ዘይሰማማዕ ጾታን ዝተፈላለየ ጾታን ዘለዎም ሰባት ይጸልው እዩ።

ናና ዳራኮኣ ሰኪያማህ

ሳሊ ስኬልስ

ሳሊ ስኬልስ, ኣውስትራልያ

ስነጥበባዊት

ኣብ 2022፡ ኣማኻሪት ስነ-ጥበብ ሳሊ ስኬልስ፡ እቲ ‘ድምጺ ናብ ባይቶ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ረፈረንደም ቅድሚ ምክያዱ ምስ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናብ ዝሰርሕ ጉጅለ ተመዚዛ። እዚ ታሪኻዊ ምምኻር እዚ እንተተዓዊቱ፡ ደቀባት እታ ሃገር ኣብ መስርሕ ባይቶ ብቐዋምነት ክውከሉ ዘኽእል እዩ።

ክቡር ባህላዊ መራሒትን ስነጥበባኛን ዝኾነት፡ ስኬልስ፡ ኣብ ርሑቕ ደቡብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ምዕራብ ኣናንጉ ፒትጃንጃራ ያንኩጃራ (APY) ላንድስ፡ ካብ ፒፓልጃራ ዝመጸት ጓል ኣንስተይቲ ፒትጃንጃራ እያ። ንሳ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣደ መንበር ኤፒዋይን ወሃቢት ቃል ናይቲ ብደቀባት ዝውነና ጉጅለ ባህላዊ ትካላት ኤፒዋይ ኣርት ሴንተር ኮሌክቲቭ እያ።

Julia Gillard

በታ ኣብ 2018 ዝተዓወተት ፖሎቲከኛ ነበር ጁልያ ጊላርድ ተሮቊሓ

“ሳሊ ፈጣሪት ድንቂ ስነጥበብን ሰብኣዊ ርድኢትን እያ። ንሳ፡ ንኻልኦት ብምብራህን ብምምሳልን ነቲ ኣዕናዊ ውህደት ዓሌትነትን ጾታዊ ፍልልይን ንምውጋድ ዘድሊ ብዙሕ ለውጥታት ተቀላጥፍ።”

ጀታንጃሊ ሽረ

ጀታንጃሊ ሽረ, ህንዲ

ደራሲት

እዛ 'ቶምብ ኦፍ ዘ ሳንድ' ብእትብል ምጽሓፋ ናይ መጀመርታ ዓለምለካዊ ሽልማት ዝተዓወተት ህንዳዊት ጸሓፊት ክትከውን ክኢላ ኣላ። እታ ናብ ፈረንሳ ዝተተርጎመት ምጽሓፋ'ውን ንሽልማት ኢሚሊ ጉይመት ተሓጽያ ኣላ።

እዛ ብሂንዲ ልበወለድን ዘይልበወለዳውን ጽሑፋት እትጽሕፍ ሽረ፡ መጻሕፍታ ናብ ብዙሕ ናይ ህንዲ ቋንቓታትን ናይ ናይ ካልእ ሃገራት ቋንቓታትን ክትርጎም ክኢሉ'ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ንዝምልከተን ወትሩ ምስ ተማጎታ'ያ። ኣብዚ እዋንና ከኣ ዓበይቲ ምዕባለታት ከመዝግባ ክኢለን'የን፡ እንተኾነ እቲ ባህላዊ ጸቕጢ ገና ማሕለኻ ይኾነን ኣሎ።

ጀታንጃሊ ሽረ

ሰልማ ብለየር

ሰልማ ብለየር, ኣሜሪካ

ተዋሳኢት

ሰልማ ብለየር ኣሜሪካዊት ተወሳኢት ኮይና ኣብ ሓያለ ፊልምታት መሪሕ ጠባይ ሒዛ ተዋሲኣ።

ኣብ 2018 sclerosis [ልስሊስ ኣካላት ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝዕጽመሉ ወይ ዝተረሉ ኩነት] ብዝተባሃለ ሕማም ድሕሪ ምጥቃዓ ሰብ ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል ግንዛበ ንኸዐቢ ጎስጓስ ኣብ ምግባር ትርከብ። ሎሚ ዓመት ንውልቃዊ ታሪኻ እትነግር መጽሓፍ ኣሕቲማ ኣላ።

ኣነ ከቢድ ናብራ ዘሕለፍኩ ጓል ኣንስተይቲ'የ፡ እዚ ብማዕዶ ኮይኑ ንዝፈርደኒ ሰብ ዝሰምዕ እንተዝነብር ሓይለይ ብቐሊሉ ዝፈርስ ሰብ ምኾንኩ ነይሩ። እንተኾነ ንካልኦት ከምዚ ከማይ ደቂ ኣንስትዮ ብምሕጋዝ ንኹሉ ይሰግሮ ኣለኹ።

ሰልማ ብለየር

ቨልያ ቪዳል

ቨልያ ቪዳል, ኮሎምብያ

ጸሓፊት

መበቆላ ካብ ዞባ ኤል ቾኮ ኮሎምብያ ዝኾነት ኣዘንታዊን ኣተባባዒት ባህልን ቬልያ ቪዳል፡ ኣፍቃሪት ሓባራዊ ምንባብ እያ። መስራቲት እቲ ንባብ፡ ክእለት ምጽሓፍን ምንባብን ከምኡ’ውን ፍሉይ ባህሊ ቾኮን ዘፋልጥ ‘ሞተተ’ ዝተባህለ ትካል እያ። ስነ-ጽሑፍ ኣብቲ ኣዝዩ ዝተሓረመ ዞባ ኮሎምብያ ንዘሎ ዘይምዕሩይነትን ዓሌትነትን ንምምካት ከም መሳርሒ ብምርኣይ፡ ፈስቲቫል ምንባብን ምጽሓፍን ቾኮ’ውን ትውድብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝጸሓፈታ ‘ኣጉዋስ ደ ኤስቱርዮ’ ዝተባህለት መጽሓፋ፡ ካብ ሚኒስትሪ ባህሊ ኮሎምብያ ንኣፍሮ-ኮሎምብያውያን ጸሓፍቲ ዝወሃብ ናይ ሕትመት ሓገዝ ብምዕዋት ፈላመይቲ እያ። ቬልያ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ተበግሶ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ዝኾነ ፕሮጀክት ኣፍሉንተስ ተመራማሪት’ውን እያ።

ሕጂ ብዛዕባ ታሪኻዊ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን ኣድላይነት ምእራሙን ዝያዳ ንፈልጦ እኳ እንተኾንና፡ ዓሌትነት ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣፍሮን ደቀባትን ዝፍጸም ዘሎ ወጽዓታት ብኸመይ ከም ዘዕምቖ ግን ከነስተውዕል ኣይከኣልናን።

ቨልያ ቪዳል

ፒርያንካ ቾፕራ ጆናስ

ፒርያንካ ቾፕራ ጆናስ, ህንዲ

ተዋሳኢት

እዛ ኣብ ልዕሊ 60 ፊልምታት ዝተዋሰአት ፒርያንካ ኣብ መፍረ ፊልም ህንዲ ዝኾነ ቦሊዉድ ሓንቲ ካብቶም ልሉያት ተዋሳእቲ'ያ። እዛ ወይዘሪት ዓለም ተባሂላ ዝነበረት ፒርያንካ ኣብ 2002 ናይ መጀመርታ ፊልማ ምስ ሰርሐት ናብ ሆሊዉድ ገጻ ብምምራሕ ናይ መጀመርታ ካብ ደቡብ ኣስያ ብምምጻእ ኣብ ተኸታታተሊ ፊልም (Quantico, 2015) ብመሪሕ ጠባይ ክትዋሳእ ዝኽኣለት ተዋሳኢት'ያ።

ፒርያንካ ቾፕራ ናይ ገዛእ ርእሳ መፍረ ፊልም ትካል ክትምስርት ክኢላ'ያ፡ ኣብ ህንዲ ኮይና ከኣ ፊልምታት ተፍሪ ኣላ። ብዘይካ'ዚ ኣምባሳደር ዩኒሴፍ ብምዃን'ውን ንመሰል ህጻናት ኣብ ምጉስጓስት ትርከብ።

እቲ 'ሚቱ' ዝብል ጎስጓስ እኩብ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ንሓደ ዕላማ ደው ምባልን ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ዘርኢ'ዩ፡ ሕብረት ሓይሊ ምዃኑ ከኣ ዘርኢ'ዩ።

ፒርያንካ ቾፕራ ጆናስ

ቢሊ ኢሊሽ

ቢሊ ኢሊሽ, ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ደራፊትን ሓዳሚትን

ተዓዋቲት ግራሚ ኣዋርን ወናኒት ክብረ ወሰንን ኢሊ ኢሊሽ ዝያዳ በቲ ዘሕተመቶ ሙዚቓ'ያ ትፍለጥ። ካብታ ብንጽል ዘሕተመታ 'your power' ንትሕቲ ዕድመ ዘባዕልጉ እንተኹንን ደርፊ ጀሚራ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ኣምለኪታ ዝደረፈታ ደርፊ ብዙሕ ህቡብነት ከተጥሪ ክኢላ'ያ።

ኣብዚ ዓመት ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብጥበብ ዝተቓወመት ዝንኣሰንተ ጓል ኣንስተይቲ ብመዃን ክብሪ ክትረክብ ክኢላ'ያ። እቲ ንሳ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተቓወምትሉ ዛዕባ ኣብ ጉዳይ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት'ዩ ነይሩ። ንሳ ብግልጺ ብዛዕባ ምስሊ ኣካላታ፡ ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያትን ብዛዕባ 'ሲንድሮምን' ንዘለዋ ተቐባልነት ተጠቂማ ብግሁድ ብምዝራብ ንብዙሓት ክትቕይር ክኢላ'ያ።

ኣነ ኣድናቒት ናይዚ ዘለናዮ እዋን እየ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥርዚ ዝብጽሓሉ እዋን'ዩ። ተስፋ ዝቖረጽክሉ እዋን ነይሩ'ዩ ምኽንያቱ ከምዚ ኣነ ዝሓስቦ ዝሓስባ ደቂ ኣንስትዮ ይስእን ስለዝነበርኩ።

ቢሊ ኢሊሽ

ዛር ኣሚር ኢብራሂም

ዛር ኣሚር ኢብራሂም, ኢራን

ተዋሳኢት

ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ዛር ኣሚር-ኤብራሂሚ ዝስማ ተሸላሚት ተዋሳኢትን ሰራሒት-ፊልምን ኣብ ካንስ በቲ ‘ሆሊ ስፓይደር’ ዝስሙ ዘቕረበቶ ፊልም ቀዳመይቲ ኢራንያዊት ብልጽቲ ተዋሳኢት ኰይና ጸብለል በለት። እታ ፊልም ኣብ ናይ ሓቂ ታሪኽ ዝተመርኰሰት ብዛዕባ ሓደ ብተኸታታሊ ሰብ ዝቐትል ዓማጺ ኣብ ልዕሊ ኣመንዝራትት ዘካየዶ ቅትለት’ያ እተዘንቱ።

እታ ፊልም ኣብ ህዝቢ ምስ ቀረበት ኣሚር-ኣብራሂሚ ካብ ኢራን ክትሃድም ተገደደት። ምኽንያቱ ድማ ግዳይ መጥቃዕትን መስጐጕትን ብምዃን ኣብ ናይ ብሕቲ ህይወታ ብጸለመ ስእለ-ጽዩፍ ሕማቕ ተፈድየት። ብ2008 ናብ ፓሪስ ገዓዘት፣ ነታ ኣላምቢክ ፕሮዳክሽን እትበሃል ኩባንያኣ ኸኣ መስረተት። ኣበርቲዓ ብምስራሕ ድማ ኣብ ቅድሚ ዀነ ድሕሪ ካሜራ ዜደንቕ ካሬራኣ ከተኻዕብት ከኣለት።

ዲማ ኣክታ

ዲማ ኣክታ, ሶርያ

ጎያይት

ብ2012 ኣብ ሶርያ ዚርከብ ቤት ዲማ ኣኽታ ብቦምብ ተደብደበ ። አእጋራ ብምስኣን ሓደ ካብቲ ኣዝያ እትፈትዎ ነገራት ክትገብር ተሸገረት - ብእግራ ንኽትጐዪ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳርጋ 28 ሚእታዊት ሶርያውያን ስንክልና ኣለዎም ፣ እዚ ኸኣ ዳርጋ ዕጽፊ ናይቲ ዓለምለኻዊ ገምጋም እዩ ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣኽታ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ውድድር ስንኩላን ንክትሳተፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኰይና ልምምድ ትገብር ኣላ።

ብጊዜ ለብዒ ኮቪድ ንስደተኛታት ዚኸውን ገንዘብ ምስ ኣከበት ቆላሕታ ሃገራዊ ጋንታ ኵዕሶ እንግሊዝ ረኸበት - መተካእታ ኣባል ጋንታ ደቀ’ንስትዮ እንግሊዝ ንኽትከውን። ታሪኻ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብታ ኣና-ማሪ እትበሃል ናይ ፖፕ ኰዀብ ሙዚቃ ‘ጽብቕቲ’ ዘርእስታ ቪድዮ ቀረበት። ብዛዕባ ብርታዐ ስንኩላን ዘለዋ ግንዛበ ድማ ካብ ምቅላሕ ኣየቋረጸትን።

ኣሌክሳንድራ እስኮቺለንኮ

ኣሌክሳንድራ እስኮቺለንኮ, ሩስያ

ስነጥበባዊት

ስነጥበባዊት ሴንት ፒተርስበርግ ኣሌክሳንድራ ስኮቺለንኮ፡ ናይ ሱፐርማርኬት ምልክታት ዋጋ፡ ኣብቲ ኣብ ትያትር ማሪዩፖል ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ክህልዉ ዝኽእሉ ቁጽሪ ግዳያት ዝምልከት ሓበሬታ ሓዊሱ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ብዝገልጹ መልእኽትታት ብምትካእ እያ ተኣሲራ። ሓደ ዓዳጊ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ብዛዕባ ዕጡቓት ሓይልታት ሩስያ ‘ናይ ሓሶት ሓበሬታ’ ምዝርጋሕ ብዝኽልክል ሕጊ ተኸሲሳ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቅድመ-ፍርዲ መዳጎኒ ማእከል ፍርዲ ትጽበ ዘላ ኣሌክሳንድራ፡ ንነብሳ ከም እሱር ሕልና ትቖጽራ፡ ክሳብ 10 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ድማ ይጽበያ።

ኣሌክሳንድራ ስኮቺለንኮ፡ ‘ኖትስ ኦን ዲፕረሽንን ዋት ኢዝ ማኒያን?’ ትብል ሓዊሱ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዘተኮሩ ተዋዛይቲ መጻሕፍቲ ጽሒፉ እያ። ኣፍቃሪታ ብዛዕባ ጥዕና እታ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ትርከብ ኣሌክሳንድራ ስክፍታ ከምዘለዋ ሓቢራ’ያ።

ኦና ካርቦኔል

ኦና ካርቦኔል, ስጳኛ

ሓንባሲት

ስጳኛዊት ሓንባሲት ኦና ካርቦኔል ኣትሌት ኮንካ ኣደ ክትከውን ከምእትኽል ንሰባት ንምርዳእ ኣዝያ ጽዒራ'ያ። እዛ ሰለስተ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳፈት ስጳኛዊት ልዕሊ 30 ዝኸውን ዓበይቲ ሜዳልያታት ክትዓትር ክኢላ'ያ። ካብዚ ኣብ ኦሎምፒክ ዝረኸበቶ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ይርከቦ።

ኦና ካርቦኔል ኣብ 2020 ውላዳ ክትብኮር እንከላ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ንክትሳተፍ ብቐጥታ ናብ ልምምድ ኣትያ። ኣብ እኣን ውድድር ንውላዳ ከተጥቡ ከምዘይትኽልእ ንዘገድድ ሕጊ ንምቕያር ዘይሕለል ጻዕሪ ኣካይዳ። ኣበዚ ዓመት ካልኣይ ውልዳ ዝሓቖፌት ኦና ካርቦኔል ብዛዕባኣ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ኣደን ኣትሌትን ክትከውን ከምእትኽል ኣትሪራ ክትዛረብ ተሰሚዓ።

ኢስራ ዋርዳ

ኢስራ ዋርዳ, ኣልጀርያ/ኣሜሪካ

ሳዕሳዒት

እዛ ካብ ኣልጀርያውያን ድያስፖራ ዝተወደት ኢስራ፡ ንባህላዊ ሳዕስዒት ኣልጀርያ ካብ ገዛ ኣውጺኣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ኮይኑ ከምዝውሃብ ገይራ ኣላ። ንሳ ነዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝውቱር ዝኾነ ሳዕስዒት ዝኽእላ ደቂ ኣንሰትዮ ብዘይሕፍረት ኣብ መድረኽ ወጺአን ክእለተን ከርእያ'ያ ተተባብዕ። እቲ ሳዕስዒት መሰረታዊ ሱሩ ኣብ እዋን ማህበራዊ ተቓውሞታት ብብዝሒ ዝዝውተር ዓይነት ሳዕስዒት'ዩ።

ኢስራ ዋርዳ ሓንቲ ካብቶም ነዚ ዓይነት ሳዕስዒት ዝመልካ ኣብ ደገ ዝቕመጣ ኣልጀርያውያን'ያ። እዛ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናኸደት ነቲ ባህላዊ ሳዕስዒት ኣልጀርያ ትምህር ኢስራ፡ ካብሎንዶን ክሳብ ዋሺንግተን እናኸደት'ያ ትምህር።

ሬማ ጁፋሊ

ሬማ ጁፋሊ, ስዑድ ዓረብ

ተወዳዳሪት ቅድድም መኪና

ኣብ 2018 ሬማ ጁፋሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሮፌሽናል ተወዳዳሪት ቅድድም መኪና ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ። ኣብዚ ዓመት ድማ ኣብ ኢንተርናሽናል ጂቲ ኦፐን ክትሳተፍን ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር መኪና ተበጻሕነትን ተሳትፎን ስዑዲ ዓረብ ንምምሕያሽን ‘ቲባ ሞተርስፖርት’ ዝተበሃለ ናይ ገዛእ ርእሳ ጋንታ መስሪታ’ላ። እታ ፕሮፌሽናል መራሒት መኪና ብጋንታኣ ኣቢላ ኣብቲ ስፖርት ዘሎ ብዙሕነት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን መደባትን እናፈጠረት ትርከብ።

ንኻልኦት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ መካይን ሞዴል ዝኾነት ጁፋሊ፡ ምስ ጋንታኣ ኣብቲ ን24 ሰዓት ዝካየድ ውሩይ ወድድር ‘ሌ ማንስ’ ብምስታፍ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምትኸውን ተስፋ ኣለዋ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተነበሩ ልሙድ ጽልዋታት ሕብረተሰብ ይቕጽሉ ኣለዉ። ትርጉም ዘለዎን ነባሪን ለውጢ ንኽመጽእ ካብ ገዛ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሕብረተሰብ ደገፍ ክመጽእ ኣለዎ።

ሬማ ጁፋሊ

ኦንስ ጃቡር

ኦንስ ጃቡር, ቱኒዝያ

ተጻዋቲት ቴኒስ

ኣብ 2022 ኣብ ቻምፕዮን ባይታ ቴኒስ ዘሳትፍ ነጥቢ ምስ ረኸበት ቱኒዝያዊት ኦንስ ጁበር ቀዳመይቲ ዓረብን ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይተን ኣብ 'ግራንድ ስላም' ዝተሳተፈት ዝብል ክብሪ ክትረክብ በቒዓ'ያ። ኣብ 'ዩኤስ ኦፕን'ውን' ክሳብ መዛዘሚ ክትበጽሕ ክኢላ'ያ።

ጓል 28 ዓመት ኦንስ ጁቤር ጓል ሰለስተ ዓመት እንከላ'ያ ባይታ ቴኒስ ክትጻወት ጀሚራ፡ ኣብ ደረጃ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ተጻወተቲ ባይታ ቴኒስ [Women’s Tennis Association (WTA)] ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ ክኢላ ኣላ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘይተበጽሐ ደረጃ'ዩ ነይሩ።

ሰንሃ ጃዋለ

ሰንሃ ጃዋለ, ህንዲ

ሰራሕተኛ ስነማሕበረሰብ

ወለዳ ኣብ ታሕሳስ 2000 ንዝቐረበሎም ጠለብ ተወሳኺ ገዝሚ ከማልኡ ኣብ ዘይከኣሉሉ እዋን፡ በዓል ቤት ስነሃ ጃዋለ ብነዳዲ ሓዊ ኣቃጺልዋ። እቶም ስድራቤት ጥርዓን ፖሊስ ኣየቕረቡን። በዓል ቤታ ምስ ወዶም ምስ ከደ፡ ንህይወታ ዳግማይ ክትሃንጽ ቆሪጻ ጀመረት፡ ከም ኣንባቢት ካርድ ታሮትን ጸሓፊት ስክሪፕትን – ሰባት ገጻ ክርእይዎ ዘይብሎም ስራሓት።

ጃዋለ፡ ኣብታ ብስም እታ ኣብ 2012 ኣብ ደልሂ ዝተፈጸመት ብጉጅለ ዓመጽ ዝተሰየመትን ካብ ተመኩሮታት ናይቶም ካብ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባት ዝተመርኮሰትን ኒርብሃያ እትበሃል ናይ ትያትር ተዋስኦ ክዋሳእ ተሓቲታ። ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተዓዘብቲ ምርኢት ምቕራባ፡ ነቲ ዝነበራ ፍርሒ ክትስዕሮ ሓጊዝዋ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ሰብ ብዘዕባ ካብ ሓውን መጥቃዕቲ ኣሲድን ዝድሓና ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐይሩ'ዩ፡ ኣነ ሕጂ ንነብሰይ ካብታ ወይዘሪት ዓለም ፈልየ ኣይርእያን'የ፡ ኣነ ጽብቕቲ'የ

ሰንሃ ጃዋለ

ካድሪ ጎንጊ

ካድሪ ጎንጊ, ሆንግ ኮንግ

ክኢላ ስነ ቅዲ

ንኣረጋውያንን ንእተፈላለየ ኣካላዊ ጸገማት ንዘለዎም ሰባትን ደስ ብዜብል ዲዘኞ-ክዳውንቲ ምቕራብ ንካድሪ ኩዩንግ ሓያል ዉሽጣዊ ስምዒት’ዩ ዝፈጥረላ። ብ2018 ምስ ኣዲኣ ኦፍሊያ ክዩንግ ኰይና ንስንኩላን ዝኸውን ክዳውንቲ ከተዳሉ ጀመረት። እዚ ኸኣ ብኵነታት ኣካዳድና ዓባያ ድሕሪ ምስትብሃል’ያ ተገዳስነት ኣሕዲራ። ምኽንያቱ፡ ኣረግቶትን ስንኩላንን ዝኽደንዎ ክዳን ጽቡቕ ቅዲ ኰነ ብቕዓት ይጕድሎ’ዩ ኢላ ስለ ትኣምን።

ክዩንግ ካብ ቤት ትምህርቲ ቅዲ-ክዳን ምስ ተመረቐት ፍልጠታ ምስ ድሌት ዓማዊላ ብምዝማድ፡ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል መልጎም ወይከኣ ንሰብ-ሰርሖ እግሪ ዝበቅዕ ጫማ ዘኣመሰሉ ነገራት ንምቕራብ ተጋድስነታ ኣርኣየት። ኰይኑ ድማ፡ በቲ ስርሓ ኣቢላ ን90 መሰለን ዝተነፍገን ኣንስቲ፡ ከምኡ’ውን ስንኩላን፡ ብምቝጻር ኣሰልጢና’ያ። ክዩንግ ብ2022 ‘ባውንድለስ’ ዚብሃል ማሕበር ጽቡቕ-ቅድን ብቕዓትን ዘለዎ ክዳውንቲ ንስንኩላን ንኸተቕርብ ተበጊሳ ኣላ።

ኣላ ፑጋቸቫ

ኣላ ፑጋቸቫ, ሩስያ

ሙዚቀኛ

ተዋሳኢትን ሙዚቀኛን ኣላ ልዕሊ 250 ሚልዮን ቅዳሓት ሸይጣ ኣላ። ልዕሊ 500 ደርፍታትን 100 ኣልበምን ኸኣ ሰሪሓ ኣላ።

ኣብ ሩስያ ሓያለ ሽልማታት ሙዚቓ ተዓዊታ ኣላ፡ ኣብ ዝፈላለየ ኣጋጣሚታት ኸኣ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ነቐፌታታት ተስምዕ'ያ። ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኢንስታግራም ዘለዉዋ 3.6 ሚልዮን ሰዓብቲ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ጌጋ ምዃኑ ዝገልጽ ትሪ ዝተሓወሶ መልእኽቲ ለጢፋ።

ዓለምና ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከት ብዙሕ ሰጒማ ከምዘላ'ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግን ዘቤታዊ ዓመጻት ገና ሱር ሰዱዱ ኣሎ

ኣላ ፑጋቸቫ

ተጣበቕነትን ምክባር ሰብኣዊ መሰላትን

ገሃድ ሃምዲ

ገሃድ ሃምዲ , ግብጺ

ሓኪም ስኒ

ገሃድ ሃምዲ ናይ ስኒ ሓኪም’ያ። ንሳ መስራቲትን ኣካያዲትን ናይቲ ‘Speak Up ‘ ዝበሃል ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብጕዳይ ደቂ’ንስትዮ ዝጣበቕ መድርኽ’ዩ። ዕላማኣ ነቶም ኣብ ጾታ እተመርኰሰ ዓመጽን ጾታዊ ዝፈጽሙ ሰባት ንምቅላዕ’ዩ። ብ2022 ኣብ መላእ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብተኸታታሊ እተፈጸሙ ዓመጻት ስለ ዘለዉ ኣብ’ቶም ዓመጻት ትዅረት ዓሊቡ ይርከብ።

እቲ ማሕበር ንደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዝወረደን ህስያ ንክዛረባ ዜተባብዕ’ዩ፣ ብተወሳኺ ሕጋዊ ፍታሕ ዜናዲ፡ ስምዒታዊ ወይከኣ ሞራላዊ ደገፍ ዘበርክት፡ ንሰበ-ስልጣን ከኣ ስጕምቲ ንኺወስዱ ጸቕጢ ዝገብር’ዩ። እቲ ሃምዲ ዘካየደቶ ወፈራ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተፈላጥነት ረኺቡ’ዩ፣ ኣብ ናይ ዓለም መጋባእያ ፍትሒ 2022 ድማ ብልጫ ማዕርነትን ዘይኣድልዎነትን ክትረክብ በቒዓ።

ነዊሕ ዘይተኸደ መገዲ ኣሎ፣ ኣብ መወዳእታ ቃልስና ጌና ኣይቐረብናን ኣለና። ከም ሓቁ’ኳ ደኣስ ገና ኣብ ምጅማር ኢና ንርከብ።

ገሃድ ሃምዲ

ሮያ ፒራይ

ሮያ ፒራይ , ኢራን

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ መስከረም ምስሊ ሮያ ፒራይ ኣብ ሶሻል ሚድያ እምብዛ ተዘርጊሑ ነበረ። እታ 62 ዓመት ዝዕድሚኣ ሚኖ ማጂዲ እትበሃል ኣብ ከርማንሻህ እትበሃል ዓዲ - ኣብ ኢራን እታ ብብዝሒ ቋንቋ ኩርዳውያን ዝዝረበላ ዓዲ - ተቓውሞኣ ኣናስምዐት ብሓይልታት ድሕነት ኢራን ተቐትለት። ፒራይ ርእሳ ላጽያ ኣብ መቓብር ኣዲኣ ደው ኢላ፡ ጸጕራ ኣብ ኢዳ ሒዛ ንካሜራ ቀው ኢላ ብድርቅና እናጠመተት ትርአ።

ማሃሳ ኣሚኒ እትበሃል ጓል 22 ዓመት ኩርዳዊት ሰበይቲ ምስ ሞተት እቲ ኣብ መላእ ኢራን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዞባ ኩርዲሽ ተጀመረ። ካብቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ ፒራ ነቲ ዝቐጸለ ተቓውሞታት ኣህጉራዊ ደገፍ ንክረክብ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑወል ማክሮን ተራኸበት።

ጁዲዝ ሄማን

ጁዲዝ ሄማን, ኣሜሪካ

ተሓላቒት መሰል ስንኩላን

ጁዲት ሂዩመን ንመሰል ኣካለ-ጉዱኣት ንምቅላስ ህይወታ ወፍያ እያ። ብንእስነታ ብሕማም ፖልዮ ዝተጠቕዐት ጁዲት፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ከም መምህር ፈላመይቲ ተጠቃሚት መንበር ዓረብያ መምህር ኮይና።

ንሳ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዋ መራሒት ምንቅስቓስ መሰላት ኣካለ-ጉዱኣት እያ። ንነዊሕ ግዜ ኣብ ህንጻታት ፌደራል ኣሜሪካ ኮፍ ኢላ ከይተለዓለት ዝገለጸቶ ተቓውሞ ሓዊሱ ንሳ ተካይዶም ምንቅስቓሳት ኣብ ምትግባር ዓበይቲ ሕግታት ልዑል ተራ ተጻዊቶም እዮም። ጁዲት ሂዩመን ኣብ ምምሕዳር ክሊንተንን ኦባማን ዘገልገለት ኮይና፡ ንመኽሰብ ኣብ ዘይዓለመ ስራሕ ናይ 20 ዓመታት ተመኩሮ ኣለዋ።

በታ ኣብ 2020 ንስንኩላን ብምጥባቕ ዝተዓወተት ሻኒ ድሃንዳ'ያ ተሮቊሓ

“ብሓቂ በታ ንልዕሊ 30 ዓመታት፡ ብዓለም ደረጃ ሰብኣዊ መሰላት ኣካለ-ጉዱኣት ንምምሕያሽ ዝጸዓረት ጁዲት ተነቓቒሐ እየ። ኣብ ምንቅስቓስ መሰላት ኣካለ-ጉዱኣት ኣካል ኣገደስቲ ህሞታት ኮይና ጸኒሓ እያ፤ ዘይትሕለል ተጣባቒት ኮይና ድማ ትቕጽል ኣላ።”

ዉመን ካቲንግ ዘያር ሄር

ዉመን ካቲንግ ዘያር ሄር, ኢራን

ተቃወምቲ

ማህሳ ኣሚኒ እትበሃል ብ13 መስከረም ብፖሊስ ስነ-ምግባር (ሞራል) ኣብ ተህራን እተኣስረት ጓል 22 ዓመት ኩርዳዊት ሰበይቲ ምስ ሞተት ኣብ ኢራን ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ሰፊሕ ተቓውሞታት ተባርዐ። ማህሳ ኣሚኒ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ንጸጕረን ብሂጃብ ወይ መጐልበቢ ርእሰን ኪሽፍና ዚእዝዝ ጽኑዕ ሕግታት ኢራን ከም ዝጠሓሰት እዩ ዚንገር።

ኣብዛ ዓመት’ዚኣ እተን ምእንቲ ናጽነተን፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር እቲ ብኣስገዳድ ህጃብ ምልባስ ዝቃለሳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንቃልሰን ኣፍልጦ ምሃብ ይግብኣና። ምቝራጽ ጸጕሪ ሓደ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ህቡባት ሰባት፡ ፖለቲከኛታት፡ ከምኡ’ውን ጐስጕሳት ዘካይዱ ሰባት ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ጸጕርኻ ምቝራጽ ኣብ ኢራን ዝነብሩ ገለ ማሕበረሰባት ከም ባህላዊ ምልክት ሓዘን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።

ላይሊ

ላይሊ, ኢራን

ተቓዋሚት

ሓደ ካብ’ተን ኣብ ናይ ኢራን ተቓውሞታት ዜርእዩ ስእልታት ሓንቲ ጓል ብድሕሪኣ እተቐድሐት ንጸጕራ ብድሕሪት ኣሲራ ኣብ ጐደናታት ተቓውሞኣ ንምቕጻል እትዳሎ ዝነበረት መንእሰይ’ዩ። እቲ ስእላ ምልክት ትብዓት ተቓወምቲ ኰይኑ ኣብ ኩሉ ተዘርግሐ፣ ግናኸ መንነታ ብጌጋ ምስ መንነት ሃዲስ ናጃፊ - እታ ጓል 22 ዓመት ኣብቲ ተቓውሞ ዝተቐትለት ሰብ - ተሓዋዊሱ ምቕራቡ’ዩ።

እታ ብድሕሪ’ዚ ስእሊ’ዚ ዘላ ናይ ሓቂ ሰበይቲ ንቢቢሲ (ቋንቋ ፋርሲ) ኽትዛረብ ከላ "ንከም ሃዲስ ናጃፊን ኰነ ማሃሳ ኣሚኒን ዝኣመሰላ ሰባት ክንቃለስ ኢና" በለት። ስርዓት ኢራን "ብመቕጻዕቲ ሞት ከፈራርሃና ኣይክእልን’ዩ። ንናጽነት ኢራን ተስፋ ኣሎና" በለት።

ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ

ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ, ዩክረይን

ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት

ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ፡ ን15 ዓመታት ነቲ ድሕሪ ወራር ዩክሬን ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ሩስያ ኣብ ምስናድ ብዝሰርሖ ስራሕ ሓባራዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022 ዝኾነ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት (CCL) መሪሓ እያ።

ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ኮይኑ ሓድጊ ናይቶም ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ተቓወምቲ ዩክሬን ዝተሰከመ እዩ። ኣብ 2014፡ እቲ ማእከል፡ ናብ ክሪሚያ፡ ሉሃንስክን ዶኔትስክን ከይዱ ገበናት ኲናት ንምስናድ ናይ መጀመርታ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ሕጂ ድማ ሩስያ ብዛዕባ ኣብ ቸቸንያ፡ ሞልዶቫ፡ ጆርጅያ፡ ሶርያ፡ ማሊን ዩክሬንን ፈጺማቶ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክምርመር ይጽውዕ ኣሎ።

ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ

ሃዲዛቱ ማኒ

ሃዲዛቱ ማኒ, ኒጀር

ጎስጓሲት ጸረ ንግዲ ደቂ ሰባት

ሃዲዛቱ ማኒ ጌና ጓል 12 ዓመት ከላ ብመሰረት ‘ልምዲ-ዋሃያ’ 'ሓምሸይቲ ሰበይቲ' ንምዃን ከም ባርያ ስለ ተሸጠት። ሓደ ተሰማዕነት ዘለዎ ሰብኣይ ብሕጋዊ ዘይኰነ መንገዲ ነተን ካልኦት ብሕጊ ዝተመርዓወን ኣንስቱ እተገልግል ሰበይቲ ምስ ዝደሊ ከም ተወሳኺት ወይከኣ ከም ባርያ ይምርዓዋ። ማኒ ብ2005 ብሕጋዊ መገዲ ምስ ተፈትሐት እንደገና ተመርዓወት፣ እቲ ናይ ቀደም ጐይታኣ ግና ከም ሰበይቱ ጌሩ ስለ ዝረኣያ (ክትምርዖ ኸኣ ስለ ዘይደለየ) ከሰሳ። ገበነኛ ዀይና ስለ ዝተረኽበት ከኣ (ኣብ ልዕሊ ሰብኣያ ካልእ ሰብኣይ ከም ዘእተወት ስለ ዝተወስደ) ንሽዱሽተ ወርሒ ኽትእሰር ተፈርደት ።

ማኒ ነቲ ብይን ተቓወመቶ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒዠር ከኣ ነቲ ብ2019 እተገብረ ውሳነ ሰረዘቶ። ከም ውጽኢት ናይዚ ስረዛ ድማ ነቲ ‘ልምዲ-ዋሃያ’ ኣገዶ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣንጻር ባርነት እትጣበቕ ሰብ ኰይና ንኻልኦት ኣንስቲ ካብ ባርነት ንከምልጣ ትተሓባበረን ኣላ።

ናርገስ ሞሃመዲ

ናርገስ ሞሃመዲ, ኢራን

ተጣበቒት ሰብኣዊ መሰላት

ጋዜጠኛን ናይ ሰላም ሽልማት ኖበልን ተሸላሚ ናርገስ ሞሃመዲ፡ ምክትል ፕረዚደንት ተጣበቒት ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ኢያ፣ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምጥፋእ ከኣ ደኺመ ከይበለት ወፈራ ኣካይዳ ኢያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቐውሞታት ኢራን ብዝምልከት ድማ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ናይ ሞት-መቕጻዕቲ ንከይፍጸም ኣጥቢቓ ተማሕጺና’ያ።

ብ2010 ሞሃመዲ ን11 ዓመት ክትእሰር ተፈርደት፣ ጸኒሓ ኸኣ ብዋሕስ ተፈቲሓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መደረ ኣንጻር ኣተሓሕዛ እሱራት ምስ ተዛረበት ፍርዳ ን 16 ዓመት ደየበ። እታ ብዛዕብኣ ዝተሰርሐ ‘ጻዕዳ ስቓይ’ ዘርእስቱ ፊልም ኣብቲ ምስ16 እሱራት-ነበር ብዛዕባ ማእሰርቲ ሸላ (ግሉል ቀይዲ) ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ’ዩ። እቶም ክልተ ደቃ ምስቲ ታጊ ራሃሚ ዚበሃል ጐስጓሲ-መሰል ሰብኣያ ኣብ ስደት’ዮም ዚነብሩ ።

ሱቫዳ ሰሊሞቪክ

ሱቫዳ ሰሊሞቪክ, ቦዝንያ ሀርዞጎቪና

ጎስጓሲት ሰላም

ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ብኲናት ካብ ዝዓንዋ ሰላሳ ዓመት ኮይኑ፡ ሱቫዳ ሰሊሞቪች ሕጂ ኣብታ ምስ ካልኦት ናብ ዓደን ዝተመልሳ ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ዳግማይ ክትህነጽ ዝሓገዙላ ዓዲ ትነብር ኣላ። መበለትን ኣደ ንኣሽቱ ቆልዑን ዝኾነት ሰሊሞቪች፡ ንኣኒማ ዝተባህለ ንጥፈት ሰላምን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ዝሕግዝ ትካል መስሪታ።

ኣብ 2008 ሬሳ በዓል ቤታ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ምስ ተረኽበ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት ቀሪባ መስኪራ፡ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ከምኡ ክገብራ ኣተባቢዓ። ሎሚ ኣኒማ ምስ በሰላ ኲናት ንዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዓውደ መጽናዕትታት የአንግድን። ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሕኦ ፍርያት ክሸጣ ዕድላት የመቻችእ።

ዩላያ ሳቹክ

ዩላያ ሳቹክ, ዩክረይን

መራሒት ስንኩላን

ዩክሬናዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ዩሊያ ሳቹክ፡ ሓላፊት ናይቲ ብጸገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ‘ፋይት ፎር ራይት’ ዝተበሃለ ትካል እያ። ንሳ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ምስፈጸመት ህጹጽ ምላሽ ጀሚራ፡ ህይወት ኣሽሓት ጸገም ዘለዎም ዩክሬናውያን ንምድሓን ምስ ኣህጉራውያን ትካላት መደባት ምውጻእ ንምውህሃድ ድማ 24 ሰዓት ምሉእ ትሰርሕ ነይራ።

ዩሊያ ጸገም ዘለወን ኣዋልድ ኣብ ውሳነ ንኽሳተፋ ንምሕያል ኒሕ ኣለዎ። ኣብ መደብ ‘ኦባማ ፋውንዴሽንስ ሊደር ዩሮፕ’ ትሳተፍ፡ ተዓዋቲት ሃገራዊ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት 2020 ከምኡ’ውን ኣብ ኮሚተ መሰላት ኣካለ-ጉዱኣት ሕቡራት ሃገራት ንዩክሬን ክትውክል ዝተሓጸየትን እያ።

ታራና ቡርከ

ታራና ቡርከ, ኣሜሪካ

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጾታዊ ትንኮሳ ተመኩሮታት ኣብ ዘካፈሉሉ እዋን፡ #MeToo ዝብል ሃሽታግ ህቡብ ኮይኑ። እቲ ምንቅስቓስ ግን እታ ብህይወት ዝተረፈትን ደላይት ፍትሕን ታራና በርክ ኣብ 2006 ዝጀመረቶ እዩ። MeToo፡ ትብል ቃል ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ግህሰትን ዓመጽን ንቕሓት ንምዕባይ ንሳ ዝፈጠረታ ቃል እያ።

ኣብ 2017 ብተዋሳኢት ኣሊሳ ሚላኖ ዝተዘርግሐ ትዊተር ን#MeToo ምስ ኣጉልሐ፡ ብዛዕባ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ኣተሓሕዛ ዓለማዊ ዘተ ኣበጊሱ፡ ንግዳያት ድማ ሓያል ድምጺ ሂቡ። ታራና በርክ ንባህላውን መዋቕራውን ለውጢ ኣብ ትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ካብ ግህሰት ንዝደሓኑ ሰባት ክትጣበቕ ዘለዋ ቆራጽነት ኣይቀነሰን።

ቫልማሪሪ ባምባሪ

ቫልማሪሪ ባምባሪ, ኢንዶንዥያ

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ክፋላት እትሰርሕ ቫልማሪሪ ባምባሪ ቅድሚ ናብቲ ቦታ ምምጻኣ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሱላውሲ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጻት'ያ ትሕግዝ ነይራ። ንሳ ንኣባላት ከባብያዊ ባይቶ ነቲ ኣባታዊ ሕጊ ከልግስዎን ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዓመጽ ዝብየን መቅጻዕትን ዘጋጥም ተነጽሎን ደው ክብል ብትሪ'ያ ትማጎቶም

ኣብ ኣባታዊ ሕጊ እቲ ካበቢ፡ ብፍላይ ኣብቲ 'ምሕጻብ ዓዲ' “washing the village” ኢሎም ዝጽውዕዎ ሕጊ፡ ነቲ ከባቢ ኣመራሲሐሞ ወይ ኣማሪሲሐነኦ እየን ዝተብሃላ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ይበየነሎም'ዩ። እዚ ሕጊ'ውን ዋላ እተን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ 'ነቲ ከባቢ ኣምራሲሐነኦ'የን' ተባሂለን ዝለዝእመን ገንዘባዊ መቅጻዕቲ ይበየነን'ዩ። ቫልማሪሪ ባምባሪ ብዘለዋ ተሰማዕነት ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ጾታዊ ዓመጽ እንተኣጋጢሙ ፖሊስ መጀመርታ ንዓኣ'ዮም ዝውከሱ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ ምጉት ናይ ጾታዊ ገበናት ተሳቲፋ ኣላ።

ኣነ ዋላ'ዃ ኣካላዊ ስንክልና እንተሃለወኒ፡ ነዚ ዘለኒ ጸዓት ኣብ ከባቢየይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕያልን ኣብ ምብርትታዕን'የ ከህልኾ ዝደሎ፡ ዕድላት ብምፍጣር ናይ ቁጠባ ሓርነት ከምዝህልወን ኣብ ምግባር ከኣ ይሰርሕ ኣለኹ።

ቫልማሪሪ ባምባሪ

ኢፍራት ቲልማ

ኢፍራት ቲልማ, እስራኤል

ወለንተኛ

ኤፍራት ቲልማ እትበሃል ብመሰላት ትራንስጀንደር ማሕበረሰብ እትግደስ ተጣባቒት ኣብ ፖሊስ እስራኤል ናይ መጀመርታ ወለንተኛ ኰይና ትሰርሕ ኣላ። ተርኣ ህጹጽ ጻውዒታት ተሌፎን ምምላስ’ዩ - ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ኣባላት ትራንስጀንደር ሕብረተሰብ ዘሎ ርክባት ንምምሕያሽ’ዩ። ቲልማ ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ስድራቤታ ምስ ነጸግዎን ከምኡ’ውን ፖሊስ ምስ ኣሸገርዋን ካብ እስራኤል ሃደመት። ብ1969 ኣብ ካሳብላንካ እቲ መስርሕ ምቕያር-ጾታ ኣብ ኣውሮጳ ተኣጊዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መጥባሕቲ ተገብረላ።

ኣብ በርሊን ኣገልጋሊት በረራ (ሆስተስ) ዀይና ስራሕ ጀመረት፣ ተመርዓወት ከኣ። ብ2005 ምስ ተፋትሐት ናብ እስራኤል ተመልሰት፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ትራንስጀንደር ሕብረተሰብ ዝነበራ ኣተሓሕዛ ተመሓዪሹ ስለ ዝረኸበቶ ንመሰልታ ክትሕግዝ ኢላ ምስ ፖሊስ ተሓባቢራ ብወለንተኛነት ስራሕ ጀመረት። እዚ ቦታ እዚ ኸኣ ንንእሽቶ ጾታዊ ርክብ ባህ ዜብል ቦታ ዀይኑ ረኸበቶ እዚ ድማ ምስ ፖሊስ ወለንተኛ ኽትከውን ኣተባብዓ ።

ሳንጂዳ ኢስላም ቾያ

ሳንጂዳ ኢስላም ቾያ, ባንግላዲሽ

ተማሃሪት

ባንግላድሽ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝለዓለ መጠን መርዓ ህጻናት ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ሳንጂዳ እስላም ቾያ ግን ነዚ ክትቅይር ትጽዕር ኣላ። ናይ ገዛእ ርእሳ ኣዲኣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ተመርዕያ እኳ እንተነበረት፡ ብዛዕባ ሳዕቤናት መርዓ ህጻናት ብዝምልከት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝቐረበ ምርኢት ምስ ኣነቃቕሓ ግን ቾያ ስጉምቲ ክትወስድ ወሰነት።

ንገዛእ ርእሶም ጋሽፎሪንግ (Grasshoppers) ኢሎም ዝጽውጹ ሳንጂዳ: መሓዙታ: መምህራንን ተሓባበርታን ፍጻመታት መርዓ ህጻናት ንፖሊስ ይሕብሩ። ቾያ ሕጂ ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ’ኳ እንተኾነት፡ ምስ ጋሽፎሪንግ እትገብሮ ስራሕ ግን ደው ኣይበለትን፡ ንሓደስቲ ኣባላት ናይ’ታ ጉጅለ ድማ ምኽሪን ስልጠናን ትህብ። ክሳብ ሕጂ 50 ናይ ህጻናት መርዓ ክኽልከል ከምዝገበሩ ይንገር።

ሳነድያ ኢንካሊጎዳ

ሳነድያ ኢንካሊጎዳ, ስሪላንካ

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት

ሳነድያ ኢንካሊጎዳ ጎስጓሲትን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን'ያ። በቲ ኣብ ስሪላንካ ዘጋጠመ ኵናት ሓድሕድ ሰብኡተን ንዝሞትወን ኣሽሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ኸኣ ትነጥፍ። ብዓልቤታ ናይ ምርምር ጋዜጠኛን ስኣሊ ካርቱን ኮይኑ ካብ 2010 ጀሚሩ ሃለዋቱ ኣይፍለጥን'ዩ። ንመንግስቲ ብትሪ ዝነቅፍን ኣብ ልዕሊ እቶም ምንጻል ዝጠልቡ ዝነበሩ ታሚል ታይገርስ ግፍዕታት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ምርምራዊ ጸብጻብ'ውን ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ።

እታ ኣደ ክልተ ቖልዑ ዝኾነት ሳነድያ ኢንካሊጎዳ ብዓልቤታ ሃለዋቱ ካብ ዝጠፍእ ጀሚራ ንፍትሒ ብዓልቤታ ትማጎት ኣላ። ንሳ ንምስዋር ብዓልቤታ ንደገፍቲ ፕረዚደንት ሲራላንካ ነበር ማሂንዳ ራጃፓስካ'ያ ትኸስስ። ምስ ምስዋር ብዓልቤታ ብዝተተሓሓዝ ጥርጡራት'ኳ እንተተፈለጡ ኩሎም ነጻ ተባሂሎም'ዮም።

ኣነ ንኩለን እተን ወጽዓ ዘጋጠመን ደቂ ኣነስትዮ ወኪለ'የ ዝቃለስ ዘለኹ። ነዚ ኸኣ ክሳብ መስዋእቲ ክኸፍለሉ'የ።

ሳነድያ ኢንካሊጎዳ

ሊና ኣቡ ኣክለህ

ሊና ኣቡ ኣክለህ, ወሰናስን ፍሊስጤም

ጎስጓሲት ሰብኣዊት መሰል

ሊና ኣቡ ኣክለ ብሰብኣዊ መሰላት ፍልስጥኤማውያንን ኣርመናውያንን እትጣበቕ ሰብ’ይ። ንሳ ጓል ሓብታ ንሺሪን ኣቡ ኣክለ ኢያ - ንሳ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ብሰራዊት እስራኤል እተገብረ ወራር ከተቕርብ ከላ ኣብ ግንቦት እተቐትለት ሪፖርተር ኣል-ጃዚራ ነበረት። ሰራዊት እስራኤል ሓደ ካብ ወተሃደራቱ ብጌጋ ቀቲልዋ ከይኰነ ኣይተርፍን በሃልቲ’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሊና ብሰንኪ ቅትለት ሓትኖኣ ፍትሕን ተሓታትነትን ንምርካብ ዚግበር ወፈራ ቀንዲ ጐስጓሲት ኢያ። ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኰረ ብኣህጉራዊ መጽናዕትታት ናይ ማስተር ዲግሪ ኣለዋ። በቲ ተሓላቕነትዊ ስርሓ (ንሰብኣዊ መሰላት) ሓንቲ ኻብቶም ብ2022 ታይም መጋዚን ዝሰመዮም 100 ዝቀላቐሉ ዘለዉ መራሕቲ ዀይና ተሰምየት ።

ሓትነይ ሺሪን ኣቡ ኣክለ ዝከኣላ ገይራ’ያ፡ ንሕና ኸኣ ብድሕሪኣ ነቲ ቃልሲ ክንቅጽሎ ኣለና። እዚ ኸኣ እቲ እነቕርቦ ምስክርነት ብዓውት ከነቃልሖ ይግብኣና። እቲ እንእክቦ ዛንታ፡ ርትዓውን ቅኑዕን ምሉእን ክኸውን ክንጽዕር ኣለና - ብዘይ ደቂ’ንስትዮ ኣይከውንን’ዩ።

ሊና ኣቡ ኣክለህ

ጎሃር ኤሺጊ

ጎሃር ኤሺጊ, ኢራን

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት

ጎሃር ኤሽጊ ኣርማ ተጻዋርነትን ጽንዓትን ኢራን ኰይና ትርከብ። ሳታር በሀሺ፡ ወዳ ንጎሃር፡ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተ ብሎገር (blogger) ኢዩ ነይሩ። ኤሽጊ ድማ ካብቲ ግዜ’ቲ ጀሚራ ንሰበ-ስልጣን ኢራን ጻውዒታ ብምቕራብ፡ ምንጪ ስቓይን ቅትለትን ከም ዝዀኑ ብምኽሳስ ሰላም ኣይትህቦምን’ያ።

ኤሽጊ ነቲ ብሞት ወዳ ተሓታቲ ዝገበረቶ ንኣያቶላ ኣሊ ኻመናይ ዝበሃል ዝለዓለ መራሒ ኢራን’ያ። ንሳ ብ2019 ሓንቲ ካብ’ቶም ንኻመናይ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ወረቐት-ኣቤቱታ ዝፈረመት ሰብ’ያ። ኣብዚ ዓመት’ዚ - ጕልባባ ዝቐልዐት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ኢድ መንግስቲ ምስ ሞተት ኤሸጊ (ስዒቡ ኸኣ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየድ ሓያል ተቓውሞ) ኤሽጊ ድማ ብግዴኣ መሸፈኒ ርእሳ ኣልጊሳ ተቓወመት።

ጀቢና ኣስሚን እስላም

ጀቢና ኣስሚን እስላም, ዓባይ ብሪጣንያ

ጎስጓሲት

ሓብቲ እታ ኣብ መስከረም 2021 ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ለንደን ኣብ ዝርከብ መናፈሻ እተቐትለት ሳቢና ኔሳ እትበሃል ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ መምህር መሰረት ብምግባር ጀቢና ያስሚን እስላም ንድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ዝበቅዕ ጐደናታት ዓዲ እንግሊዝ ክህሉ ይግባእ ኢላ ብምምጓት እትጕስጕስ ዘላ ሰብ’ያ።

ሓብታ ምስ ተቐትለት፡ ኢስላም ነቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝወሃብ ሓገዝ ኣይግድን ኰይኑ ስለ ዝረኸበቶ እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝፍጸም ጐነጽ እኹል ኣቓልቦ ኣይወሃቦን ኣሎ ብምባል’ያ ንመንግስቲ ትነቅፍ። ብዛዕባ ዘሎ ዓሌታዊ ምፍልላይ’ውን ትዛረብ’ያ - “እተን ግዳይ ጐነጽ ዝዀና ካብ ጸዓዱ ስድራቤት እንተ ዝነብራ እቲ ጕዳይ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ምረኸበ ነይሩ ኢላ ትኸስስ’ያ። ኢስላም ንሓብታ "ንኻልኦት ኣብነት፡ ሓያልን ተባዕን ትኵርትን" ከም ዝነበረት ገይራ ገሊጻታ ኣላ።

"ንገዛእ ርስስኻ ልዕሊ ማንም ፍጡር እዚ ዓለም ኣፍቕራ" [መልእኽቲ ካብ መዘክር ሳኒና ናሳ ብሓፍታ ጀቢና ዝተሓበረ]

ሳቢና ናስካ

ካብ ሳሚና ናስካ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ሓፍታ ጀቢና ከምዝሓበረቶ

ሀይዲ ክሮውተር

ሀይዲ ክሮውተር, ዓባይ ብሪጣንያ

ተጣባቒት ስንኩላን

ሀይዲ ክሮውተር ሰባት ብዛዕባ ሕማም 'ዳውን ስንድሮም' ዘለዎም ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ ኣብ ምቕያር ከይተሓለለት ትሰርሕ ዘላ ተጣቒት ስንኩላን'ያ። ንሳ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ማህጸን እንከለዉ ጸገማት ከምዘለዎም ዝተፈለጡ ዕሸላት ክንጸሉ ዘፍቕድ ሕጊ ምስ ኣተኣታተወ ናብ ቤት ፍርዲ ከሲሳ ተማጒታቶ'ያ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ምጉታ'ኳ ፍርዲ እንተሃበ ይግባይ ብምባል ምጉታ ቐጺላ።

እዛ መስራቲት ጉጅለ ሃገራዊ ፖሊስ ዳውን ሲንድሮም ብምዃን ትሰርሕ ኣላ። 'I am juste heidi' እንትብለ መጽሓፋ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣሕቲማታ ኣላ።

ኣነ ነፍሰ ጾራት ኣዴታት ብዛዕባ ዳውን ሲንድሮም እኹል ኣፍልጦ ክህልወን'የ ዝደሊ።

ሀይዲ ክሮውተር

ጀራልዲና ጕየራ ጋርሰስ

ጀራልዲና ጕየራ ጋርሰስ, ኢኳደር

ተጣባቒት ደቂ ኣንስትዮ

እዛ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ኣብ ምጥባቕ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ጀራልዲና ጕየራ ጋርሰስ ኣብ ኢኳደር ግዳያት ጎነጽ ንዝጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ከተዕቑብ ጸኒሓ'ያ። ንሳ ብውልቃዊ ተበግሶኦ ኣብ ልዕሊ ዳቂ ኣንስትዮ ዝፈጸም ዓመጽ፡ ቅትለትን ጎንጽን ክትስንድ ጸኒሓ'ያ።

ጀራልዲና ጕየራ ጋርሰስ ብሰንኪ ጾተአን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕቲ ንዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ንመሕጋዝ፡ ኣብ በበትኡ ንዝፈጸም መጥቃዕትታት ብምስናድ ብካርታ ከተስፍሮ ክኢላ፡ ብዘይካ'ዚ ነተን ግዳያት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝዕቖባሉ ኣልድያ ዝተሰመየ ማሕበር ከተቕውም'ውን ክኢላ'ያ።

ንደቂ ኣነስትዮ ንምዑቋብ ተረር ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ምዕባለ ከነመዝግብ ኣይክንክእልን ኢና። ዋላ ሓደሽቲ ሕጋጋት እንተኣተኣታተና እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ግን ደው ኣይክብልን'ዩ ስለዚ እዚ ክቕየር ኣለዎ።

ጀራልዲና ጕየራ ጋርሰስ

ሞድ ጎባ

ሞድ ጎባ, ዓባይ ብሪጣንያ

ተጣባቖት ኤልጂቢቲ

ሙድ ጎባ ንባዕላ ስደተኛ ስለ ዝዀነት ምስ ሓመድ-ሓፋሽ ማሕበራት - ንስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ብምውህሃድ ዜደንፍዑ ማሕበራት - ዳርጋ ን20 ዓመት ሰሪሓ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣካያዲት ሃገራዊ ስራሓት ‘ማይክሮ ቀስተ-ደመና’ ኢያ። እቲ ማሕበር ነቶም ዕቝባ ዝሓቱን ስደተኛታትን ኣባላት LGBTQI+ ዜተኣማምን መዕቈቢ ይህቦም እዩ። ንሳ ነቲ ኣብ ዓመት ን25,000 መደቀሲታት ኣዳልዩ ንግዳም-ሓደር ዝሕግዝ ፕሮጀክት ብምምራሕ ጥራይ ዘይኰነስ ስራሕ ንክረኽቡ ትተሓባበሮም’ያ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጎባ ነቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ኣባላት ሕብረተሰብ LGBTQI+ ኣብ ሕብረተሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ተወሃሂዶም ንክነብሩ ዜኽእሎም መደባት ከተመሓድር ክኢላ’ያ። ንሳ ሓንቲ ካብ’ቶም መስረትቲ ኣባላት ‘ዓዲ እንግሊዝ ብላክ ፕራይድ’ ኰይና ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣደ መንበር ናይ ቦርድ መጕዚነት ማሕበራ ዀይና ኣላ ።

ዝዋ ጽዮስዋ

ዝዋ ጽዮስዋ, ቻይና

ተሓላቒት ደቂ ኣንስትዮ

ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ንቕድሚት ኣብ ዝግስግሳሉ ዘሎ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ግን 20 ዓመት ንድሕሪት ተጎቲተን እየን። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕስራ ዓመት ዝረኸብኦ ዓወታት ተመንዚዐን ኣለዋ።

ጉዳያ እኹል መርትዖ ስለዘይብሉ ተነጺጉ። ኣብዚ ዓመት’ውን ይግባይ ኢላ ተነጺጋ እያ። ገለ ማዕከናት ዜና ወጻኢ፡ እቲ ንጽገት ንምንቅስቓስ ሚቱ ቻይና ዝጎድእ ከምዝኾነ ገሊጾም። ቾው ሻውሻን ሕጂ ጾታዊ ትንኮሳ ንዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድጋፍን ኣብ ቻይና ንዘሎ ኣንስታያዊ ጉዳያት ኣብ ምጉላሕን ትነጥፍ ኣላ።

ችሲ ፍሎረስ

ችሲ ፍሎረስ, ሜክሲኮ

ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት

ሴሲ ፍሎረስ፡ ኣብ 2015 ዕጡቓት ነቲ ወዲ 21 ዓመት ወዳ፡ ኣሌሃንድሮ፡ ወሲዶሙላ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካልእ ወዲ 31 ዓመት ወዳ፡ ማርኮ ኣንቶንዮ፡ ብገበነኛታት ጉጅለ ተጨውዩ። ፍሎረስ፡ ንጥፈታት ጎስጓሳታ እቶም ኣብ ሜክሲኮ ብግዴታ ዝጠፍኡ ደቃ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ከይፈለጠት ከይትመውት ካብ ዘለዋ ፍርሒ ዝመንጨወ ከምዝኾነ ትገልጽ።

ኣብዚ ዓመት፡ እታ ሃገር ኣብ ዘሕዝን ምዕራፍ በጺሓ ኣላ፡ ሕጂ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝጠፍኡ ዝተዘርዘር ክኾኑ እንከለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ" ክብል ይገልጾ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፍሎረስ፡ ሓባራዊ ማድረስ ቡስካዶራስ ዴ ሱኖራ (Sonora’s Searching Mothers) ልዕሊ 1000 ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ሕቡእ መቓብር ንምርካብ ሓጊዙ እዩ።

ታማና ዛርያብ ፓርያኒ

ታማና ዛርያብ ፓርያኒ, ኣፍጋኒስታን

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት

ታማና ዛርያብ ፓርያኒን ኣሓታን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ መሰል ትምህርትን ስራሕን ዝጽውዕ ሰልፊ ምስተሳተፋ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ብዕጡቓት ካብ ገዝአን ብሓይሊ ክውሰዳ ተራእየን። እዚ ኣህጉራዊ ውግዘት ኣስዒቡ ንክፍትሓ ጻውዒት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ጣሊባን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘይብሉ ነጺጉ።

ታማና ኣብቲ ማእሰርቲ ዝነበራ ግብረ መልሲ ብፊልም ክትቀርጽን ኣብ ኢንተርነት ክትዝርግሖን ክኢላ። እታ ዝሃበበት ቪድዮ ፓርያኒ፡ እተን ዝጠፍኣ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ኣቓልቦ ክረኽባ ኣኽኢላ። ቅድሚ ነጻ ምውጽኣ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሓ። ሕጂ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ብምትሕብባር ኣብ ጀርመን ትነብር ዘላ ታማና፡ መሸፈኒ ርእሳ ዘቃጸለት ክትከውን እንከላ እዚ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣካታዒ ኮይኑ ነይሩዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ንቕድሚት ኣብ ዝግስግሳሉ ዘሎ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ግን 20 ዓመት ንድሕሪት ተጎቲተን እየን። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕስራ ዓመት ዝረኸብኦ ዓወታት ተመንዚዐን ኣለዋ።

ታማና ዛርያብ ፓርያኒ

ኣሊስ ፓታሶ

ኣሊስ ፓታሶ, ብራዚል

ተጣባቂት ደቀ-ባት

እዛ ተጣባቒት ክሊማ፡ ጋዜጠኛን ዝኾነት ኣሊስ፡ መንግስቲ ብራዚል ነቶም ኣብ ጫካታት ኣማዞን ዝርከቡ ደቀባት እቲ ከባቢ ኣብ መሰል ናይ መሬቶም ብምእታው ንዕኦምን ነቲ ከባብን ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ ኣመልኪታ ጎስጓስ ብምግባር ሰብ ንቅሓቱ ከበርኽ ትሰርሕ ኣላ።

እዛ ኣብ ኮሎቦራ ጋዜጠኛ ኮይና ትሰርሕ ኣሊስ ነታ ባዕላ ትውንና ኑሀ ዝተብሃልት ናይ ዩትዩብ ቻነል'ውን ትሕስቶታት ተዳሉ'ያ።

Malala Yousafzai

በታ ኣብ 2021 ኣብ ምጥባቕ ትምህርቲ ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝተዓወተት ማላላ ዮሳፍዛኢ'ያ ተሓጽያ

"ንኣሊስ ኣብ ናይ ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ክሮቑሓ ምኽኣለይ ሕብንቲ'የ፡ ኣሊስ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ፡ ጾታዊ ዘይምዕሩዩነት፡ መሰል ደቀ-ባት ኣብ ምጥባቕ ብዙሕ'ያ ትሰርሕ ዘላ"

ጥዕናን ሳይንስን

ኒሎፋር ባያኒ

ኒሎፋር ባያኒ , ኢራን

ክኢላ ስነ ኣከባቢ

ኒሎፋር ባያኒ ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ 2018 ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣግራብ ንምክትታል ካሜራ ገይርኩም ተባሂሎም ብመንግስቲ ኢራን ዝኣሰሩ ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ'ያ። መንግስቲ በቲ ዕቃበ ኣግራብ ኣመሳሚስኩም ስትራተጂካውን ተኣፋፊ ቦታታትን ትስልዩ ነይርኩም ኢሉ'ዩ ኣሲርዎም። ኒሎፋር ባያኒ ኸኣ ንዓሰርተ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ።

ኒሎፋር ባያኒ ናይቶም ኣበ ፐሪሻ ዝርከቡ ኣናብር ንኸይጠፍኡ ንምክንኻን ዝተመስርተ ትካል ግብረ ሰናይ 'ፐሪሽያን ዋይልድላይፍ ሀሪተጅ' ማናጀር'ያ። ኣብቲ ብቢቢሲ ፐሪሽያ ብዛዕባኣ ዝተዳለወ መደብ ኸኣ ሰብ መዚ ኢራን ን1200 ሰዓታት ኣብ ልዕኢኣ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምስርጣይ ዝርከቦ ክሳብ ጾታዊ ምፍርራሕ ገበናት ከምዝፈጸሙ ኣቃሊዓ። ሰብ መዚ ኢራን ነዚ ክሲ እዚ ኣብ ግዚኡ ነጺጎሞ'ዮም።

ኢሪካ ሊርያኖ

ኢሪካ ሊርያኖ , ሪፓብሊክ ዶሞኒካ

ወናኒት ኮኮዋ

ኤሪካ ሊሪያኖ ነቲ ዘሎ ናይ ኣገባብ ቀረብ ካካዎ ዳግመ ግምት ንክግበረሉ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ኰይና ክፍሊት መኽሰብ ዜመጣጥን ንግዲ ዘበገሰት ሰብ’ያ። ሊርያኖ ንካካዎ ምፍራይን ምዝርጋሕን ፍትሓውን ቀጻልን ንምግባር ምስ ጃኔት ሓብታ ሓቢራ ‘ኢናሩ’ (INARU) ዝበሃል ኩባንያ መስረተት። ትካለን ኣብዛ ዓመት’ዚኣ እቲ ንመጀመርታ ጊዜ ዝጀመርኦ ናይ ዘርኢ ወፈያ ረኸበ።

ዝጸንሐ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ኢንዱስትሪ ካካዎ ነቶም ንኣሽቱ ሓረስቶት ይምዝምዞም’ኳ እንተሎ ‘ኢናሩ’ ግን ነቶም ኣብ ዶመኒካን ዝርከቡ ኣፍረይቲ ስነ-ምግባራዊ መምርሕን ፍትሓዊ ደሞዝን ከም ዝኽፈሎም የረጋግጽ። እዘን ኣሓት’ዚኣተን ኣብ ኒው ዮርክ እየን ተወሊደን፣ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ካብ ሓረስቶትን ነጋዶን ስድራ-ቤት እየን መጺኣን። ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ’ተን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዚመርሓኦ ሕርሻታትን ኣቕረብትን ይተሓባበራ ኣለዉ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ መገዲ ምምሃዝን ናይ ባዕልኻ ዉሳኔ ምውሳድን መሰል ደቅሰብ’ዩ፣ ናይ ምውሳን ሓይሊ ኵሎም ደቅሰብ ኰይኑ ድማ ንመሰል ደቂ’ንስትዮ ኣብ ግምትብምእታው እንታይ ዓይነት ህይወት ክመርሓ ናተን ዉሳኔ ምዃኑ የረጋግጽ።

ኢሪካ ሊርያኖ

ኣሶነል

ኣሶነል , ደቡብ ኣፍሪቃ

ክኪላ ተክኔሎጂ

ኣሶነል ኮቱ ናይ ገዛእ ርእሳ መከላኸሊ ጥንሲ ኸተወግድ ምስ ደለየት’ያ እቲ ሓሳብ ንግዳዊ ንጥፈታታ እተወልደ፣ እንተዀነ ግን ዝሕግዛ ሰብ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ድሕር’ዚ ጸገምዚ’ያ ‘ፈም-ኮነክት’ ዝበሃል ትካል ዝመስረተት። እታ ትካል ንጽግያት እትከታተልን ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዜጋጥም ጥንሲ ንምንካይ ቴክኖሎጂካዊ ፍታሕ እተቕርብ’ያ።

‘ፈም-ኮነክት’ ተጠቐምቲ ብዘይ ገለ ኣድልዎን ስክፍታን ብኢንተርነት ዝቐርብ ወሲባውን ተዋልዶን ምኽሪ ዝልግስ ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ድማ ንንጽሃት-ደቂ ኣንስትዮ ዘገልግል ፍርያትን መከላኸሊ ጥንሲን ብቑዕ ሓበሬታ ዘቕርብ ትካል’ዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ዝዀነ ሰብ ብመስመር ኮምፕዩተር (online) ኣቢሉ መግቢ ንምእዛዝ እንጥቀመሉ ስሉጥ ኣፕሊከሽን ይመስል። ኮቱ ንናይ ጽግያት ጸገማት ንምጥፋእን ዝሓሸ ክንክን ጥዕና ንምቕራብን ሓያል ባህጊ ኣለዋ፣ ብፍላይ ነተን ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዝርከባ፡ ከምኡ’ውን ነተን ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብ ዘለዋ ብቑዕ ኣገልግሎት ዘይረኽባ መናእሰይ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ትካል’ዩ።

መንእሰያት ንጸገማት ፍታሕ ኪፈጥሩ ህርድግ ክብሉ ምርኣይ ባህ ዜብል’ዩ። እቲ ዚቕጽል ወለዶ ከምቲ ወለድና ዘሕለፍዎ ዓይነት ቃልሲ ኸየጋጥሞምን ብቈራጽነት ክገጥምዎ ምርኣይ ብሓቂ ባህ ዜብል’ዩ።

ኣሶነል

ሶፍያ ሀይኖን

ሶፍያ ሀይኖን, ኣርጀንቲና

ተጣባቒት ዕቐባ

ሶፍያ ሀይኖን ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ምዕቓብ ከባበን ብዙሕነትን ኣብ ምስራሕ ትርከብ ዘላ ኮይና ነቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኣብ ኣርጄንቲና ዝርከብ ኢስቶረስ ደል ኢልቤራ ዝተብሃለ ብዙሓት እንስሳታት ዝርከብዎ ጥሉል መሬታ ዳግማይ ኣብ መግራቡን ኣብ ምዕቓቡን ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ። ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ኸኣ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ክትነጥፍ ጸኒሓ።

ኣብቲ ንሳ ትመርሖ ዘላ ንኢስቶረስ ደል ኣልቡራ ኣብ ምዕቓብን ኣብ ዳግመ ምግራብን ስራሕ፡ ነቲ ቦታ ካብ ካልእ ቦታታት እንሳሳታት እናምጽአት ከይተረፈ'ያ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ትሰርሕ ዘላ።

ኪሚኮ ሂራታ

ኪሚኮ ሂራታ, ጃፓን

ተጣባቒት ክሊማ

ኪሚኮ ሂራታ ዳርጋ ንልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኣ ኣብ ቃልሲ ምዕቓብ ከባቢ'ያ ኣሕሊፋቶ። ከም ውጽኢት ናይ ቃልሳ ኸኣ ኣስታት 17 ዝኾና ብቻርኮል ዝሰርሓ ክህነጻ ዝተሓሰባ ፋብሪካታት ደው ከምዝብላ ኮይነን'የን። ኪማኮ ቀዳማይቲ ጃፓናዊት ጓል ኣንስተይቲ ተዓዋቲት 'ጎልድማን ኢንቫይሮመንታል' ዝተሰመየ ሽልማት ክትከውን ክኢላ'ያ።

ኪሚኮ ኣብ 1990ታት ናይ ኣል ጎር መጽሓፍ ምስ ኣንበበት ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበት ትካል ሕተመት ስራሕ ደው ብምባል ተጣበቒት ክሊማዊ ለውጢ ክትከውን ወሲና። ኣብዚ እዋን ፈጻሚት ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ጥሪ 2022 ዝተመስረት ንክሊማዊ ለውጢ ዝቃለስ ነጻ ማሕበር'ያ።

ናጃ ላይበርዝ

ናጃ ላይበርዝ, ግሪንላንድ

ክኢላ ስነ ኣእምሮ

እዛ ጓል 13 ዓመት እንከላ ናይ ኣእምረ ጸገም ኣጋጢምዋ ዝነበረ ናጃ፡ እቲ ምኽንያት ኣብ 1960ታትን 70ታትን ዴኒማርካውያን ዶኳትር ንደቂ ግሪንላንድ ክወስድኦ ዝጉስጉስሉ ዝነበሩ መከላኸሊ ጥንሲ ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ። ሎሚ ዓመት መንግስታት ዴኒማርክን ግሪንላንድን ነቲ ኣብ ኣስታት 4500 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሃስያ ዘውረደ መከላኸሊ ጥንሲ ብሓባር ኮይኖም መርመራ ከካይድሉ ኣብ ሓደ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።

ናጃ ላይበርዝ፡ ነተን ግዳያት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ ኮይና፡ ኣብ ፌስቡክ ናይ ሓባር ጉጅለ ብምቛም ንሓድሕደን ከምዝራኸባ ትገብር ኣላ።

እተን ብሰንኪ እቲ ዝወሰደኦ መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ወሊድን ናይ ኣእምሮን ጸገማት ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓድሕደን እናተደጋገፋ ንካልኦት ኣርአያ ኣብ ምዃን ይርከባ ኣለዋ። ምዝራብ ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዘለካ ፍርሒ የጥፍኣልካ'ዩ፡ ብፍርሕና ክንቕየድ የብልናን።

ናጃ ላይበርዝ

ሞኒካ ሙሶንዳ

ሞኒካ ሙሶንዳ, ዛምብያ

ነጋዲት

ሞኒካ ሙሶንዳ ዝስማ ናይ ኮርፖረይት ጠበቓ ዝነበረት ሕጂ ዋኒንተኛ፡ መስራቲትን ኣካያዲትን ‘ጃቫ ፉድስ’ እያ - ኣብ ዛምብያ እትርከብ ኩባንያ መስርሕ ምግቢ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሓደ ዓይነት ፓስታ እተፍሪ ኩባንያ እያ። እቲ ዘለዋ ሕልሚ ነቲ ኣብ ዛምብያ ዘሎ ሓያል ምህርቲ ስርናይ ተጠቒማ ከምኡውን ዝያዳ ምሹእ ምግቢ ንምጥራይ ዘሎ ጠለብ ንምርዋይ፡ ከምኡ’ውን ኣገባብ ኣመጋግባ ብምቕያር ብሕስር ዝበለ ዋጋ ዘለዎ ፍርያት ንምድላው ኢዩ።

ሙሶንዳ፡ ተጣባቒት ስነ-ምገባ ስለ ዝዀነት፡ ንሓያሎ ካልኦት ደቂ’ንስትዮ ዋኒንተኛታት ትመኽረን፡ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ንግዲ ዓለም ዜጓንፈን ጸገማት ድማ ተዛርበን። ብዙሕ ሽልማት ረኺባ’ያ፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ሕርሻን ምግብን ስርዓታት ንምድልዳል ብዝገበረቶ ጻዕሪ ድማ ተፈላጥነት ረኺባ እያ።

ኒጋር ማርፍ

ኒጋር ማርፍ, ኢራቕ

ነርስ

ኒጋር ማርፍ ኣብ ኢራቕ ዝርከብ ኩርዲስታን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ብሓዊ ዝነደዱ ኣብ ዝሕከምሉ ክፍሊ'ያ ትርከብ፡ ንሳ ንነብሰን ብሓዊ ዘቓጽላ ደቒ ኣንስትዮ'ውን ይመጽኣ'የን፡ ኣብቲ ዞባ ንሓደ ነገር ንምቑዋም ነፍስኻ ብሓዊ ምቕጻል ብተደጋጋሚ ዝርአ ክሳብ ሕጂ ከም ባህሊ ኮይኑ ዝቅጽል ዘሎን ተርእዮ'ዩ።

ኒጋር ማሪፍ ኣብቲ ሆስፒታል ንዝሓለፈ 25 ዓመታት'ያ ሰሪሓ ክሳብ ሕጂ ከኣ ትሰርሕ ኣላ። ኣብቲ ንሳ ትሰርሓሉ ክፍሊ ዝበዝሐ ግዜ ብናይ ሓዊ ቃጸሎ ኣዝዮም ዝተወጽዑ ሰባት'ዮም ዝመጽኡ። እተን ናብቲ ክፍሊ ዝመጽኣ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ገሊአን ክሳብ 16 ዕድሚኤን ኮይነን ቅድሚ ብሓዊ ፈተነ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻመን ኣብ ኣእምርኣውን ኣካላውን ሃስያታት ዝወረደን ከምዝኾና ትሕብር።

ጄን ሪግቢ

ጄን ሪግቢ, ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ተመራሪት ከዋኽብትን ክኢላ ፍዚክስን

ኣብ ናሳ እትሰርሕ ዶክተር ጄን ራግቢ ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ ‘ጋላክሲ’ ክተመራመር ጸኒሓ’ያ። ሓንቲ ካብቶም ካብ ዓለም ዝዓበየ ኣብ ጀምስ ዌብ ዝተብሃለ ቴለስኮፕ ዝሰርሑ ተመራመርቲ’ውን እያ። ኣብ ወርሒ ሓምለ በታ ቴለስኮፕ ዝተሰኣለ ሕብራዊ ስእሊ እቲ ዝነጸረ ንጠፈር ዘርኢ ስእሊ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ራግቢ ልዕሊ 100 ንሳይንሳዊ ምርምራት ዝምልከት ጽሑፋት ምስ ብጾታ ብምዃን ኣሕቲማ ኣላ። በቲ ተካይዶ ምርምራት’ውን ሓያለ ሽልማታት ክብርከተላ ክኢሉ’ዩ። ንሳይንስ፤ ቴክኖሎጂ፤ ምህንድስናን ሕሳብን ኣብ ዝምልከት ዝነጥፍ ጉጅለ’ውን ቀንዲ ተዋሳኢት’ያ።

ተማሃሪት እንከለኹ ብዛዕባ 'ኤልጂቢቲ' ኣርኣያ ዝኾነካ ሰብ ኣብ ምኽታልን ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ሕጂ ግን ተስፋ ይገበር ኣነ ሓንቲ ካብቶም ብዘይ ኣርኣያ ዝዓበዩ ዳሕረዎት ወለዶ ክኸውን።

ጄን ሪግቢ

ሞኒካ ሲምፕሶን

ሞኒካ ሲምፕሶን, ኣሜሪካ

ተጣባቒት ስነ ተዋልዶ

ኣብ ናይ ጾታዊን ስነ-ተዋልዶን ነጻነት ኣተኲራ ትቃለስ ሞኒካ ሲምፕሰን፡ ፈጻሚት ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንፍትሒ ስነ-ተዋልዶ ዝሰርሕ ሲስተርሶንግ ዝተበሃለ ሓባራዊ ጉጅለ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ እያ። ናይ ጾታዊን ስነ-ተዋልዶን ነጻነት ጉዳይ ኣብዚ ዓመት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሕጋዊ ዝነበረ ‘ሮ ኣንጻር ዋይድ’ ብዝብል ዝፍለጥ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምስራዝ ዝገብሮ ውሳነ ስዒቡ ዳግም ትኹረት ረኺቡ ኣሎ።

ሞኒካ ሲምፕሰን ብተወሳኺ ደራፊትን ኣፋዊ ግጥማዊ ስነ-ጥበብኛን ኮይና፡ ኣብ ቃልሳ ተካይዶም ንጥፈታታ ምስ ስነ-ጥበባ ተዋሃህዶ እያ። ንሳ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ሕርስን ድሕሪ ሕርስን ንመጻምድቲ ኣካላውን ስምዒታውን ደገፍ ትህብ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘለዋ ሞያዊ ሓጋዚት እውን እያ። ብዘይካዚ፡ መስራቲት ኣባል ቦርድ ‘ብላክ ማማስ ማተር ኣሊያንስ’ (ጥምረት ሕይወት ጸለምቲ ኣዴታት ኣገዳሲ’ዩ) ኮይና፡ ጥዕና ጸለምቲ ኣዴታት ንምምዕባል ትሰርሕ።

ኣይኑር ሳጊይ

ኣይኑር ሳጊይ, ኪርጊስታን

መሃንድስ

ኣይኑራ ሳጅን ናይ ኮምፕዩተር መሃንዲስ፡ ብስነ-ኣካባቢ እትግደስ፡ ንመሰል ደቂ’ንስትዮ እትቃለስ፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ዋኒን፡ በቲ ዘለዋ ዓቕሚ ንኣከባብያዊ ጸገማት ብምዕባለ ቴክኖሎጂ ኣቢላ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ህርድግ እትብል ዘላ ሰብ’ያ። ‘ታዛር’ እትበሃል ማሕበር ብምምስራት ድማ ኣብ ምንጣፍ ትርከብ፣ እዚ ማለት፡ ብስድራ ቤታትን ውልቀ ሰባትን ቤት-መግብታትን ጥራይ ዘይኰኑስ ፋብሪካታትን ናይ ህንጻ ቦታታትን ከይተረፉ ተጠርኒፎም ምስ መስርሐ-ትካላት (ሪሳይክል ዝገብራ) ዜተኣሳስር ኣፕሊከሽን ፈጢራ ኣላ። እዚ ኣፕሊኬሽን’ዚ ነቲ ኣብ እንዳ ጐዱፍ ዝኵዖ ጐሓፍ ንምንካይን ነቲ ኣብ ሃገራት ማእከላይ እስያ ዘሎ ጸገም ነባሪ ፍታሕ ንምርካብን ዝዓለመ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ኪርጊዝስታን ንዚርከባ ልዕሊ 2,000 ደቂ’ንስትዮ ተመሃሮ ኣብ ኮዲንግን ስነ ፍልጠትን (ኣብ ተክኖሎጂ/ህንደሳ/ቍጽርን ዘትኰረ) ዓውደ-መጽናዕትታት መሪሓ’ያ።

ሎሚ ኣብ ዓውዲ-ክሊማ ብዘይ ዕዙዝ ተሳትፎን መሪሕነትን ደቂ’ንስትዮ ብቑዕን ዘላቕን መፍትሐ ኣይክርከብን ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ንጽባሕ ዘድሊ - ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ዝተመስረተ መስርሕ ምእንቲ ክትኣታቶ - ክስረሓሉ ዘለዎ ስልቲ’ዩ።

ኣይኑር ሳጊይ

ሲሪሻ ባንድላ

ሲሪሻ ባንድላ, ህንዲ

መሃንድስ በረራ

ንፈለማ እዋን ምሉእ ብምሉእ ሰራሕተኛታት ዝሓዘት ቨርጅን ጋላክቲክ ዝተበሃለት ፍርቂ ዑደታዊ መርከብ ህዋ፡ ዩኒቲ 22 ዝብል ታሪኻዊ ተልእኾ ሒዛ ናብ ጠፈር ክትከይድ እንከላ፡ ኣካል ናይቲ ተልእኾ ዝነበረት ሲሪሻ ባንድላ ኣብ ህንዲ ተወሊዳ ናብ ህዋ ዝኸደት ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።

ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ኣብ ጠፈር ተገዳስነት ዘማዕበለት ባንድላ፡ ኣብ ኣሜሪካ ምህንድስና ኣየር እያ ተማሂራ። ሕጂ ምክትል ፕረዚደንት ጉዳያት መንግስትን ስርሒታት ምርምርን ቨርጅን ጋላክቲክ እያ፡ እዚ ተራ’ዚ ምስ ዓማዊል ምርምር ብምስራሕ ኣብታ መርከብ ፈተነታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተጻዒኖም ክበሩ ምግባር የጠቓልል።

Sunny Leone

ብተዓዋቲት ፊልምፈይር 2016፡ ተዋሳኢት ሳኒ ልዮን ዝተሓጽየት እያ።

“ኣብ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ኢንዱስትሪ፡ ሲሪሻ ንኹሉ ስዒራ ኣብ ጻዕራን ተወፋይነታን ጥራይ ተመርኲሳ ምስርሓ ንዓይን፡ ብዓቢኡ ድማ ንኹለን ተመሳሳሊ ሕልሚ ዘለወን መንእሰያት ኣዋልድን መነቓቕሒት ይገብራ።”

ቪክሮርያ ባፕቲስተ

ቪክሮርያ ባፕቲስተ, ኣሜሪካ

ነረስን መምህር ክታበትን

ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ (ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) እትነብር ቪክቶርያ ባፕቲስት እትበሃል ኣላዪት ሕሙማት ንሰባት ብዛዕባ ፈውሲ ክታበት ትምህሮም’ያ። ጸለምቲ ማሕበረሰብ ብሕክምና ክታበት ስለምንታይ ከም ዝጥርጥሩ ይርድኣ’ዩ። ባፕቲስት ናይ ሀንሬታ ላኪስ እትበሃል ፍልጥቲ ጸላም ኣሜሪካዊት ዘርኢ ኣለዋ። ሀንሬታ ብ1951 ብሕማም ሰርቪካዊ መንሽሮ ዝሞተት ጸላም ሰበይቲ’ያ። ዋህዮ ኣካልት ሀንሬታ ብዘይ ፍቓዳ ካብ ኣካላታ ተወሲዶም ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ላቦራቶሪ ከም ዝዓብዩ ተገይሩ’ዩ።

ተመራመርቲ እቶም ብ’ሄላ’ ዝጽውዑ ዋህዮታት ሀንሬታ ኣብ ምርምር ሕክምና ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዞም ክጥቀሙሎም ጸኒሖም’ዮም፣ ብዘይ ኣፍልጦ ስድራቤት ሀንሬታ። ኣብዚ እዋን’ዚ ባፕቲስት ከም ኣባል ትካል-ረድኤት ሀንሬታ ላክስ ብምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ከም ኣምባሳደር ሰርቪካዊ መንሽሮ ንምጥፋእ ዝተዓጥቀ ውድብ-ጥዕና-ዓለም ኰይና ተገልግል ኣላ።

ማርያና ቭያዞቭስካ

ማርያና ቭያዞቭስካ, ዩክረይን

ክሲላ ሕሳብ

ማርያና ቪያዞቭስካ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ‘ፊልድስ ሜዳል’ ብምዕዋት ኣብ ታሪኽ ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነት ዩክሬናዊት ክኢላ ስነ-ሕሳብ እያ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሃብ ክቡር ‘ፊልድስ ሜዳል’፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሽልማት ኖቤል ሒሳብ ተባሂሉ ዝግለጽ ኮይቡ ማሪና ቪያዞቭስካ፡ ነቲ ዘይደራረቡ ክቢታት (spheres) ብኸመይ ብዝበለጸ ውጽኢታዊ መንገዲ ብሸሞንተ ኵርናዓት ኣብ ሓደ ቦታ ክጥርነፉ ይኽእሉ ዝብል ን400 ዓመታት ዝጸንሐ ሕንቅልሕንቅሊተይ ብምፍታሓ እያ ነዚ ሽልማት ተዓዊታ።

ኣብ ኣብ ለውዛን፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ፈደራላዊ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዝመደበሩ ትሰርሕ ቪያዞቭስካ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ሒሳብ ፕሮፌሰርን ኣቦ መንበር ክልሰ-ሓሳብ ቁጽርን (Number Theory) እያ።

ኣየ ንየይን ቱ

ኣየ ንየይን ቱ, ምያንማር

ናይ ሕክምና ዶክተር

ኣየ ንየይን ቱ ኣብ ቅልውላው ከባቢታት ሚያንማር ኣብ ርሑቕን ድኻን ግዝኣት ቺን ዘተኮረት ቅድመ ግንባር ወለንተኛ እያ። ኣብ ሕዳር 2021 ንእሽቶ ክፍሊ መጥባሕቲ ዘለዎ ግዝያዊ ሆስፒታል ሰሪሓ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ንዝሓመሙን ንዝተጎድኡን ሰባት ክትሕክም ጸኒሓ።

ኣብ ትርፊ ግዜኣ፡ ናብ ካልኦት መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምናዊ ክንክን ዘይርከበሉ ዞባታት ብምኻድ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝተመዛበሉ ሓዊሱ ንሕሙማት ነበርቲ ትድግፍ። ኣብ ከይዲ ስርሓ፡ ‘ዓመጽ ብምልዕዓል’ ብዝብል ካብ ሰራዊት ሚያንማር ክሲታት ቀሪቡላ’ዩ፡ ሰራዊት ሚያንማር ንቶም ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ብዝብል ዝፍለጡ ናይቲ ከባቢ ጸረ መንግስቲ ጉጅለታት ምልሻ ትድግፍ ኣላ ኢሎም ይኽስዋ።

ኢፎማ ኦዞማ

ኢፎማ ኦዞማ, ኣሜሪካ

ክኢላ ፖሊስን ቴክኖሎጅን

ኢፈኦማ ኦዞማ ነቲ ናይ ቀደም ወሃብ-ስራሓ ዝነበረ (ፓይንትረስት) ብጾታውን ዓሌታውን ኣድልዎ-ዘርኢ ክሲ ንኽትከስስ ቅድም ነቲ ኣፋ ዓቢሱ ዝነበረ ውዕል - (ዉዕል-ሱቕ ምባል) - ብምጥሓስ ጀመረት። ዕላማኣ ንሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ብዘጋጥሞም ግፍዒ ንምብዳህ ዝሕግዝ’ዩ። ኦዞማ "ስቕታ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ" ዝብል ሕጊ ምስ ብጾታ ኰይና ዘበገሰት ሰብ’ያ። እቲ ሕጊ ኣብ ካሊፎርንያ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብ’ዉዕል-ሱቕ ምባል’ ኣፎም ዝተለጕመ ሰባት ነቲ ዉዕል ብምጥሓስ ብጸገሞም ክዛረቡ ዜኽእል ሕጊ’ዩ። ፓይንትረስት፡ እቲ ወሃብ ስራሕ፡ ድሕሪ እቲ ኦዞማ ዘቕረበቶ ክሲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝነበሮ ሕጊ ዳግመ-ግምት ብምግባር ንዓኣ ብምሕጋዝ እቲ ሕጊ ኣብ ስራሕ ከም ዝጸድቕኝ ዝትግበርን ገበረ።

ብዘይካዚ ኦዞማ ‘ዘ ቴክ ዎርከር ሃንድቡክ’ (መጽሓፍ ሓበሬታ ሰራሕተኛታት) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣዳለወት ፣ እቲ መጽሓፍ’ቲ ንሰራሕተኛታት ብዜጓንፎም ጸገማት ሱቕ ንከይብሉ ዚሕግዝ’ዩ፣ ምስኡ ኸኣ ‘ኤርዝ-ሲድ’ ዝበሃል ማሕበር - ብጕዳያት ፍትሒ ማዕዳ ንወሃብቲ ስራሕ ዝህብ - መስረተት።

ጁዲ ኪሀምባ

ጁዲ ኪሀምባ, ኬንያ

ክኢላ ምልክት ቋንቋ

እዛ ናይ ምስማዕ ጸገማት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እትሕግዝ ጁዲ፡ ገለ ገለ ኣብያተ ሕክምና ኬንያ ብምልክት ቋንቋ ዝረዳድኡ ሓካይም ከምዘይብለን ምስ ተረድኣ ነዚ ንምቕራፍ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ።

እዛ መስራሪት Talking Hands, Listening Eyes on Postpartum Depression (THLEP) ዝኾነት ጁዲ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንሕርስን ጥንስን ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ንኸይጎድለን ኩሉ ዝክኣላ ኣብ ምግባር ትሰርሕ ኣላ። ንሳ ንባዕላ ኣብ 2019 ሕማም ድሕሪ ሕርሲ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ጂዱ፡ ሎሚ ዓመት ን78 ናይ ምስማዕ ጸገማት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ብምእካብ ንሕርስን ጥንስን ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂባ።

ሳንዲ ካቤራ ኣርቴጋ

ሳንዲ ካቤራ ኣርቴጋ, ሁንድራስ

ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት

ሳንዲ ካቤራ ኦርቴጋ፡ ተማሃሪት ፍልስፍና፡ ጽሓፊትን ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን'ያ። ብዛዕባ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ተዛመድቲ ጉዳያትን ብተደጋጋሚ እያ ኣስተምህሮ ትህብ፥ ነቲ 'ሄብሎሚስ ሎ ኪ ኢስ' [ብዛዕበኡ ንዛረብ] ዝብሃል ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ዝጉስጉስ ማሕበር'ውን ውሃቢት ቃል'ያ።

ኣብቲ ብዛዕባ መንእሰያት ኣቶኲሩ ዝሰርሕ 'ኣክሽን ጆቨን' [ተበግሶ መንእሰያት] ኣብ ዝተሰመየ ብዛዕባ ሰብኣብውነትን መሰላት ስነተዋልዶን ዝጉስጉስ ማሕበር'ውን ትሰርሕ'ያ። ኣብ ናይ ሁንድራ ናይ ምልክት ቋንቋ ኣዝያ ክኢላ'ያ ነታ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዋን በይና ዘዕበየታን ኣዲኣ ኸኣ እንኮ ውላዳ'ያ።

ማሪ ክሪስቲና ኮሎ

ማሪ ክሪስቲና ኮሎ, ማዳጋስካር

ተጣባቒት ክሊማ

ማሪ ክሪስቲና ኮሎ ሓንቲ ካብቶም ንማዳጋስካር ብምውካል ኣብ ኣኼባ ኮፕ27 ዝተሳተፉ ወከልቲ እታ ሃገር እያ ነይራ። እዛ ዕልልቲ ተጣባቒት ክሊማ ዝኾነት ማሪ ኣብ ሃገራ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝስዓብ ንሚልዮናት ዘጥቐዐ ደርቂ ንምምካትን ካብ ሱሩ ኣብ ክሊማ ዘሎ ኣረኣእያ ንክዕረን ትሰርሕ ኣላ።

ማሪ ክሪስቲና ኮሎ፡ ዳይረክተር ናይ ሓደ ኣንጻር ጥምየት ዝቃለስ ዘይመንግስታዊ ትካል'ያ። እዛ ግዳይ ኣብ ጾታ ዝተሞርኮሰ መጥቃዕቲ ዝነበት ሓደ 'ደቂ ኣነስትዮ ስቕታኽን ስበራ' ዝብል ስም ዝሃበቶ ማሕበር ብምምስራት፡ ንባህሊ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ንምጥፋእ ትቃለስ ኣላ።

ንሕና ልክዕ ከም ድኻታታትን ግዳያት ክሊማዊ ለውጥን ክንረአ ኣይንደልይን ኢና፡ ኣነ ከም ጓል ኣንስተይቲ ኩልና ደቂ ኣነስትዮ ስቕታና ብምስባር ንዓመጽ ንጥምየት፡ ንኽሊማዊ ለውጥን ተቃሊስና ለውጢ ከምእነምጽእ'የ ዝኣምን።

ማሪ ክሪስቲና ኮሎ

ኣርያና ኮንድሮቶቫ

ኣርያና ኮንድሮቶቫ, ዩክረይን

ሓኪም ቖንዑ

ዶክተር ኣይሪና ኮንድራቶቫን ጉጅለኣን ኣብ ዞባዊ ማእከል ሕርሲ ካርኪቭ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቶኽሲ እኳ እንተኣተዉ፡ ንነፍሰጾራት፡ ሓደስቲ ዝተወልዱ ዕሸላትን ኣዴታትን ከይተሓለሉ ምሕብሓብ ቀጺሎም። ዋላ’ውን ደወል ሓደጋ መጥቃዕቲ እናተደወለ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኣብ ትሕቲ መሬት ናይ’ቲ ሆስፒታል ክፍሊ መዋለዲ ብምድላው ምስቶም ክወጹ ዘይኽእሉ ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮም ዕሸላት ጸኒሖም’ዮም።

ዶክተር ኣይሪና ከም ሓላፊ ናይቲ ማእከል ምዃና መጠን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዴቪድ ቤክሃም ኢንስታግራም ተጠቒማ ነቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ኣጉሊሓ እያ። ጉጅለኣ ካብ 2014 ጀሚሩ ንልዕሊ 3000 ደቂ ኣንስትዮ ሉሃንስክን ዶኔትስክን ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ደገፍ ሂባ እያ።

ገዛውትና፡ ጽርግያታትና፡ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክና፡ ሆስፒታላትና ከምኡ’ውን ህይወትና ዓንዩ እዩ። ሕልምና፡ ተስፋናን እምነትናን ግን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህያውን ድልዱልን እዩ።

ኣርያና ኮንድሮቶቫ

ያና ዚንከቪች

ያና ዚንከቪች, ዩክረይን

ፖሎቲከኛን ኣብ ግንባር ወለንንተኛ ሓኪምን

‘ሆስፒታለርስ’ - ኣብ መስመር ግንባር ኰይኖም ህይወት ሰባት ዘድሓኑ ወለንተኛታት ዝዀኑ ኣባላት ማሕበር ረድኤት ሕክምና’ዮም። ብያና ዚንከቪች ተመሪሖም ንሰባት ካብ ዓውዲ ዂናት ንምውጻእ ይዓዩ። ዚንከቪች ትምህርታ ምስ ወድአት ከም ወለንተኛ ወሃቢት ኣገልግሎት ሕክምና ዀይና ብ2014 ከኣ ኣብ ዩክረይን ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ናታ ቦጦሎኒ መስረተት።

ንሳ ንባዕላ 200 ዝቘሰሉ ወተሃደራት ሒዛ ናብ ደሓን ቦታ ከተስግሮም ክኢላ’ያ። እታ ጕጅለኣ ንእተጐድኡ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ናይ ቀዳማይ ረድኤት ምሃብ፡ ሕክምናዊ ስልጠና ምሃብ፡ ከምኡ’ውን 6,000 ዝዀኑ ሰባት ካብ ዉግእ ብምድሓን ኣብ ድሓን ቦታ ኻብ ምግዓዝ ኣየቋረጸትን። እዛ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ’ዚኣ ሓንቲ ካብቶም ዝነኣሱ ኣባላት ባይቶ ዩክረይን ኢያ፣ ሓላፊት ኮሚተ ወተሃደራዊ ሕክምና ድማ ኢያ።

ወጋሕታ ገብረየውሃንስ ኣበራ

ወጋሕታ ገብረየውሃንስ ኣበራ, ኢትዮጵያ

ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት

ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾነት ወጋሕታ ገብረዮውሃንስ ኣበራ እውን መስራቲት ሕድሪና ዝተብሃለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል እያ። ዕላማ ሕድሪና፡ እቲ ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ዝተፈጠረ ሕፅረት ምግቢ ምጥፋእ ኮይኑ ብኲናት ዝተሃስያ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝሕግዙ ብርክት ዝበሉ ፕሮጀክትታት ኣለዎ። ገለ ካብዚኦም ኣብ መዓስከር ንውሽጣዊ ተመዛበልቲ (IDP) መደብ ህጹጽ ምምጋብን ፕሮጀክት ጀርዲን ከተማን ይርከብዎም።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ግዳያት ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾናን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ድኽነት ናብ ንግዳዊ ሰራሕ ጾታዊ ርክብ ንዝኣተዋን ደቂ ኣንስትዮ ሓይልን ሓላፍነት ክረኽባ ኣብ ምግባር ዝዓለመ ፕሮጀክት’ውን የካይድ እዩ።

ደሊክ ጉርሶይ

ደሊክ ጉርሶይ, ጀርመን

ክኢላ መጥባሕቲ ልቢ

ካብ ቱርካውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ዝተወለደት ዶክተር ደሊክ፡ ኣብ መጥባሕቲ ልብን ምግጥጣን ኣርተፊሻል ልብን ኣብ ቕድሚት ካብ ዝስርዑ ሰብ ሞያ ሕክምና'ያ። ማጽሄት ፎርብስ ንዛንትኣ ኣመልኪቱ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ፡ ዶክተር ደሊክ ኣብ ኣውሮጳ ናይ መጀመርታ ኣርቲፊሻል ልቢ ኣብ ምስግጋር ክትሰርሕ ዝኽኣለት ምዃና ጸብጺቡ።

ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ንኣርተፊሻል ልቢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቱ ሓንቲ ካብቶም ቀለስቲ ሰብ ሞያ'ያ። ኣብ ዓለም እቶም ምቕያር ልቢ ዘድልዮምን ካብ ሰብ ዝውፈ ልብን ስለዘይመጣጠን ኣርተፊሻል ልቢ ከም መተካእታ ንምግባሩ ኣብ ቕድመ ግንባር ኮይኖም ካብ ዝሰርሑ ዶኳትር ሓንቲ'ያ። ንታሪኽ ሂወታ ዝገልጽ መጽሓፍ ኣሕቲማ ኣላ፡ ሕጂ ኸኣ ናይ ግዛእ ርእሳ ናይ ልቢ ክሊኒክ ንምክፋት ትሰርሕ ኣለ።

ሳምራዊት ፍቕሩ

ሳምራዊት ፍቕሩ, ኢትዮጵያ

ብዓልቲ ዋኒን

ዋላ’ኳ ክሳብ ጓል 17 ዓመታ ኮምፒዩተር ተጠቂማ ዘይትፈልጥ እንተኾነት፡ ፕሮግራመር ሳምራዊት ፍቕሩ ግን መስራቲት ሃይብሪድ ዲዛይንስ እያ። ሃይብሪድ ዲዛይንስ ሓንቲ ካብተን ብድሕሪ እቲ ታክሲ ኣፕ RIDE ኢትዮጵያ ዝርከባ ኩባንያታት እያ።

ድሕሪ ስራሕ ብታክሲ ክትከይድ ውሕስነት ከምዘይብላ ምስ ተሰምዓን ምስ ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍልዋ ዝደለዩ መራሕቲ መካይን ክትዋገይ ምስ ተገደደትን ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመኩሮ ተበጊሳ፡ ነታ ኣፕ ክትፈጥር ገይርዋ። እዚ ድማ ብትሕቲ 2000 ዶላር እያ ጀሚራቶ። ሕጂ ትካላ ዘመሓድሮም ሰራሕተኛታት መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብ ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ስለዘለዋ ፍቕሩ ንቐፃሊ ወለዶ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሃፍቲ ከተነቓቕሕ ድልየት ኣለዋ።

ብደቂ ኣንስትዮ ዝውነን ንግዲ ብቑፅሪ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፤ ሕጂ ፈጠራዊ ሓሳባተን ንኽፍጸም ፋይናንስ ዝረኽባ ዝያዳ መንእሰያት ኣዋልድ የድልየና።

ሳምራዊት ፍቕሩ

ያሊ ፓይቮስካ

ያሊ ፓይቮስካ, ዩክረይን

ተሓጋጋዞት ሓኪም

ዩልያ ፐቭስካ ሓንቲ ብመንግስቲ ዩክሬን ንሻን ዝረኸበት (ተፈላጥነት ዝረኸበት) ሲቪላዊት ኰይና ‘ታይራስ ኤንጀልስ’ (‘መላእኽቲ ታይራ’) ዝበሃል ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዝቘሰሉ ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን ዘድሓነ ወለንተኛ ናይ ሕክምና ኣሃዱ ኢያ። እታ ብታይራ ተባሂላ እትፍለጥ ዩልያ ፐቭስካ ኣብ ግንቦት ደቂ ዓዳ ካብ ማርዩፐል ዝበሃል ከተማ ከተግዕዝ ብሰራዊት ሩስያ ተታሕዘት።

እታ ናይ ዩልያ ፐቭስካ ጕጅለ ኣብታ ብሩስያውያን ዝተኸበበት ከተማ - ማርዩፐል ምዃና’ዩ - ንዝገበረቶ ዕዮ ንምምዝጋብ ካሜራ ትጥቀም ነበረት። እቲ ዝቐድሓቶ ፊልም ድማ ብመራኸቢ ብዙሓን ትዝርግሖ ነበረት። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ምስ ተፈትሐት ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኰይና ዘጋጠማ ሕማቕ ኵነታትን ዘስካሕክሕ ግፍዕን ብምግላጽ ኣብ "ሲኦል" ከም ዝነበረት ገለጸት።

100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ

100 ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?

ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ቢቢሲ ዝዳሎ ኮይኑ ን100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሉእ ዓመት ጸለውትን ኣነቃቓሕትን ኮይነን ዝተረኸባ ይሰምየን። ብዛዕበአንንነ ብዛዕባ ህይወተንን ሰነዳዊ ጽሑፋት ነዳሉ፡ ዛንተአን ንጽሕፎን ቃለ መሕተት ንገብረለንን ።

ንቢቢቢሰ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢንሳታግራም፡ ፌስቡክን ትዊተርን ተኸታተሉ። ሓፈሻዊ ብዛዕባ እዘን 100 ደቂ ኣንስትዮ ንምፍላጥ #BBC100Women ተጠቐሙ።

እዘን 100 ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ'የን ተመሪጸን?

መጀመርታ ነዘን 100 ደቂ ኣንስትዮ ንኽትሓሪ ዝቖመት ጉጅለ ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣስማት ሮቊሓ ናብ ቢቢሲ ዎርለድ ሰርቪስ ብምክኣኽ ኩለን ኣብ ውሽጢ ቢቢሲ ዝርከባ ቋንቋታት ርእይቶአን ከምዝህባሉ ኮይኑ። ሕጹያት ክምረጻ እንከለዋ ኣብ ዝሃለፈ 12 ኣዋርሕ ዝፈጠረኡ ጸለዊ ነገርን ብቐንዱ ታሪኸንን ስርሓትንን ኣብ ሕብረተሰባተር ኣብ ምቕያር ዝፈጠሮ ጽልዋን’ዩ ተራእዮ። ብድሕሪ እዚ እቲ ኣስማት እናጎደለ ኣብቲ ናይዚ ዓመት ‘ኣብ ዝተፈለላየ ጽላታት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዝተመዝገበ ምዕባለታት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣትዮ ከምዝምመ’ዩ ተገይሩ።

ኣብዚ ዝተፈላለየ ኣንፍት ዝህብ ሓሳባት ዘምጽኣ’ውን ከምዝኣትዋ ገይርና ኣለና፡ ንኣብነት ብዛዕባ መሰል ወሊድ ዳኢ ኣንስትዮ ዝማጎታ ኣበንዚ ኣትየን ኣለዋ፡ እተን ምስዚ ኣርእስቲ እዚ ብዝተተሓሓዝ ዝተሓጸያ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ለውጢ’የን ኣተኣታትየን። ቅድሚ ናይ መወዳእታ 100 ምብጻሕና፡ እተን ዝተሓጸያ ደቂ ኣንስትዮ ንኹሉ ዞባታት እዚ ዓለም ከዝወከላ ክኾና ከምዘለወን’ውን ኣብ ግምት ኣትዮ’ዩ።

ኣብዚ ዝርዝር እዚ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንድሕነተንን ንድሕነት ስድርአንን ተባሂሉ ብብርዒ ስም ወይ’ውን ብዘይስም ኣቦ ዝኣተዋ ኣለዋ። እዚ ብናተን ድልየትን ቢቢሲ ንድሕነት ዝምልከት ዘለዎ ፖሊስን መምርሒታትን ምርኵስ ተገይሩ’ዩ ከምኡ ከምዝኸውን ኮይኑ።

...there we go.