newsspec-34610-100-women-2023 > app > tigrinya > embed

Test Embed Page made with 10.4.7 generator and 10.0.8 embed wrapper

Click here for a list of include paths

Click here for a test page with no right hand side

Lorem ipsum dolor sit amet, consectetur adipiscing elit. Integer a purus eu nisl porta aliquam. Morbi pharetra aliquet dolor a cursus. In auctor dolor a felis feugiat ultrices. Phasellus sagittis aliquet mattis. Etiam turpis neque, auctor a pulvinar a, vestibulum consequat ante. Morbi ut dui eget sapien vulputate viverra. Curabitur luctus malesuada nunc.

Nullam gravida erat ut porttitor sollicitudin. Aliquam feugiat odio rutrum arcu tincidunt vehicula. Donec nec dolor rhoncus, consectetur metus eget, consectetur enim. Duis euismod, arcu non efficitur porta, nibh eros viverra risus, ac gravida lorem ex in dui. Morbi pulvinar varius erat, quis facilisis ligula mollis vel. Nulla efficitur augue quam, ac aliquet mi ornare vitae. In ornare nisl eget tortor aliquam consectetur id nec lorem. Pellentesque massa dolor, placerat ac risus a, aliquam rhoncus nulla.

ቢቢሲ 100 ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ 2023፡ ኣብ ዝርዝር እዚ ዓመት በዓል መን ይህልዋ?

ኣሳእል ገለ ካብተን ኣብ ዓመተ 2023 ብቢቢሲ ጸለውቲ ተባሂለን ዝተሓርያ ደቂ ኣንስትዮ

ቢቢሲ፥ 100 ጸለውትን ኣነቓቓሕትን ደቂ ኣንስትዮ 2023 ካብ መላእ ዓለም ሓርዩ ዘርጊሑ'ሎ።

ገለ ካብዘን ተሓርየን ዘለዋ ጠበቓ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣማል ክሎኒ፡ ተዋሳኢት ሆሊዉድ ኣሜሪካዊት ፈረራ፡ 'ፈሚኒስት' ግሎርያ ስተይነም፡ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ሚቸል ኦባማ፡ ወናኒት ስነ ጽባቐ ሁዳ ካታን ከምኡ ኸኣ ተዓዋቲት ባሎንዲኦር ስጳኛዊት ኢታና ቦንማቲ ይርከባአን።

ኣብዛ ብርቱዕ ዋዒ፡ ሓያለ ባርዕ ጫካታት፡ ዕልቕልቕን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዝተረኣየላ ዓመት፡ ሓያለ ንሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝን ክሊማዊ ለውጢ ንምምካትን ጻዕሪ ዘካየዳን ኣብ ምክያድ ዝርከባን ኣብዚ ዝርዝር ጐሊሐን ሰፊረን ኣለዋ።

ካብዘን100 ደቂ ኣንስትዮ፡ 28 ጻዕረኛታት ክሊማ፡ ቅድሚ'ቲ ሕቡራት ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ዝዓለመ ኣኼባ ኮፕ28 ምክያዱ'ዩ ዝተረቝሓ እየን።

ዝርዝር ኣስማት ብመጠን ኣበርኩቶ ኣይኮነን ተሰሪዑ ዘሎ

ባህልን ትምህርትን

ማሪጀታ ሞጃሰቪክ

ማሪጀታ ሞጃሰቪክ, ሞንቴነግሮ

ተጣባቒት መሰላት ኣካለ ጉዱኣት

ማሪየታ ሞሃሰቪች፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ክልተ ግዜ ዘጋጠማ ወቕዒ ስዒቡ ህይወታ ኣዝዩ ተለዊጡ'ዩ።

ዘሕለፈቶም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጽልዋታት፡ ሕጂ'ውን ዘሳቕይዋ ማሪየታ ሞሃሰቪች፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ኣማኻሪት መንእሰያትን ተጣባቒት መሰላት ኣካለ ጉዱኣትን ትነጥፍ።

ኣብ ልዕሊ ስነ-መትኒኣዊ ምዝንባዕ ዘለዎም ሰባት ዝረኣዩ ባህሪታት ንምብዳህ ትቃለስ።

ላይፍ ዊዝ ዲስኤቢሊቲ' ዝተበሃለ ማእከል ቀሪጻ፡ ተመኩሮኣ መሰረት ገይራ ግጉይ ኣረኣእያታት ንምውጋድ እናጸዓረት ትርከብ።

ንሳ፡ ኣምባሳደር ናይቲ ስነ-መትኒኣዊ ምዝንባዕ ኣብ ዓለማዊ ጥዕና ህዝቢ ቀዳምነት ንክወሃቦ ዝዓለመ 'ዋንኒውሮሎጂ' ዝተበሃለ ተበግሶ'ያ።

ዳርያ ሰረንኮ

ዳርያ ሰረንኮ, ሩስያ

ገጣሚት

ጸሓፊትን ጎስጓሲት ፖለቲካን ዳርያ ሰረንኮ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዝቃወም ፈምኒስት መኸተ ኣንጻር ኲናት እያ።

ንዝሓለፉ ትሸዓተ ዓመታት ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታ መሰረት ዝገበረ በደል ክትጽሕፍ ዝጸንሐት ኮይና፡ ብዛዕባ ፈሚንስታትን ኣንጻር ኲናትን ክልተ መጻሕፍቲ ጽሒፋ።

ብተወሳኺ ሰረንኮ መስራቲት ናይቲ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ክዛተዩ ዘለዓዕል 'ኳይት ፒኬት ኣርት ኢንሸቲቭ' ዝተባህለ ማሕበር እያ።

ሩስያ ንዩክረይን ቅድሚ ምውራራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰረንኮ "ጥሩፍ" መልእኽቲ ብምውዛዕ ተኸሲሳ ብሰብመዚ ተኣሲራ ነይራ። ብድሕሪኡ ናብ ጎረቤት ሃገር ጆርጂያ ዝተሰደደት ኮይና፡ ኣብዚ እዋን ብሰብመዚ ሩስያ "ናይ ወጻኢ ሰላሊት' ተባሂላ ተበይና ኣላ።

ሻየርቡ ሳጊንባኤቫ

ሻየርቡ ሳጊንባኤቫ, ሪፐብሊክ ኪርጊዝ

ሓባራዊ መስረቲት ትካል ስፌት ፎር ላይፍ

ሻየርቡ ሳጊንባኤቫ ንሰለስተ ዓመታት ንራብዓይ ደረጃ መንሽሮ ጽዑቕ ሕክምና ድሕሪ ምግባራን ዋጋ መድሃኒታታ ክትከፍል ከቢድ ፀገም ድሕሪ ምስጋራን ሕጂ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ትርከብ።

ምስ ካልኦት ጥዕንአን ኣብ ምምሕያሽ ዝርከባ ኣርባዕተ ሕሙማት መንሽሮ ብምዃን፡ 'ፎር ላይፍ' ዝበሃል ትካል ስፌት ኣጣይሻ፤ ጌጽ ተጠቒመን ቦርሳታት ይሰርሓን ይሸጣን። ኩሉ ዝረኸብኦ መኽሰብ ድማ ንሕክምና መንሽሮ ንምድጋፍ የወፍያ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ፡ ንሕክምናዊ ወጻኢታተን ንምሽፋን ገንዘባዊ ደገፍ ንዘድልየን 34 ደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ልዕሊ 33 ሽሕ ዶላር (26,500 ፓውንድ) ኣዋህሊለን ኣለዋ።

ሳጊንባኤቫ ካብቲ ማእከል ሕክምና ርሒቐን ንዝነብራ ሕሙማት እውን ምድጋፍ ከምዘድሊ ስለዝተገንዘበት ኣብ ጥቕኡ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ መዕረፊ ኣብ ምቛም ሓጊዛ።

ኬራ ሼርዉድ-ኦሬጋን

ኬራ ሼርዉድ-ኦሬጋን, ኒው ዚላንድ

ተጣባቒ መሰላትን ኣካለ ጉድኣትን ደቀባት

ክኢላ ክሊማ ደቀባትን ኣካለ ጉድኣትን ካይ ዝዀነት ኬራ ሸርውድ-ኦሬጋን፡ ኣብ ደቡባዊት ደሴት ኒውዚላንድ ኣብ እትርከብ ቴ ዋይፑናሙ እያ ዓብያ።

ንሳ፡ ሓባራዊት መስራቲት ናይቲ 'ኣክቲቬት' ዝተበሃለ ኣብ ፍትሒ ክሊማን ማሕበራዊ ለውጥን ዝነጥፍ ማሕበራዊ ጽልዋ ዘለዎ ትካል እያ።

ንጥፈታ ኣብ ኣቀራርባ መሬትን ኣያታትን ማኦሪ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብኡ ክሳዕ ቀረባ እዋን ብቐንዲ ሚድያታት፡ ክሊማ ዕሽሽ ተባሂሉ ጸኒሑ'ዩ።

ሸርውድ-ኦሬጋን፡ ለውጢ ክሊማ ኣብ ማሕበረሰባታ ዘስዕቦ ጽልዋ ንምጉላሕ ምስ ሚኒስተራት፡ ሰበስልጣንን ሰፊሕ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝምድናታት ሃኒጻ'ያ። ኣብ ድርድር ክሊማ ድማ መሰላት ደቀባትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝያዳ ኣፍልጦ ክወሃቦም ትጣበቕ።

ነቲ ብውሑድ መስርሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፍላይ ንሰደድ ምእላይ ዝኽተል ሞዴል ንነጽጎ ኣለና፣ ምስ ማሕበረሰብ ንመርሕ ኣለና - ውጽኢታዊ ድማ ይኸውን ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ሕጂ ንልኡላውነት ደቀባት ኣፍልጦ ምሃብ መፍትሒ ቅልውላው ክሊማ ምዃኑ ዝተገንዘቡ ይመስለኒ።

ኬራ ሼርዉድ-ኦሬጋን

ሳጋሪካ ሽሪራም

ሳጋሪካ ሽሪራም, ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

መምህርን ኣማኻሪ ክሊማን

ጎርዞ ሳጋሪካ ስሪራም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ክሊማ ግዴታ ንክኸውን እናተቓለሰት ትርከብ።

ክእለት ኮዲንግ (ኮምፒዩተራት ዝትርጉምዎን ዝኽተልዎን መምርሒታት ናይ ምፍጣር መስርሕ) ተጠቒማ፡ 'Kids4abetterworld' ዝበሃለ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት ንምምሃርን ኣብ ማሕበረሰቦም ኣብ ዝካየዱ ፕሮጀክትታት ዘላቕነት ንምድጋፍን ዝዓለመ ናይ ኦንላይን መድረኽ ኣጣይሻ።

ነዚ ድማ ኣብ ኢንተርነትን ብዘይ ኢንተርነትን ብዝካየድ ከባቢያዊ ዓውደ መጽናዕቲ ትድግፎ፤ ብኸምዚ ድማ ህጻናት ኣብ ለውጢ ክሊማ ብኸመይ እወታዊ ጽልዋ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ትምህር።

ስሪራም ኣብ ዱባይ ኣብ ትከታተሎ ትምህርታ ብሉጽ ውጽኢታት ንምርካብ ካብ እትገብሮ ጻዕሪ ብተወሳኺ፡ ኣካል ጉጅለ ኣማኻሪ ህጻናት ኮሚተ መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኰይና ንኣከባብያዊ መሰላት ትጣበቕ።

ንምጥንቃቕ ዘይኰነስ ስጉምቲ ንምውሳድ ግዜኡ እዩ፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ብዘተኣማምን ንኽነብርን ኣብ ዓለምና ክንርእዮ ዝግባእ ስርዓታዊ ለውጢ ክድርኽን ይምሃር።

ሳጋሪካ ሽሪራም

ኩማሪ በርማን

ኩማሪ በርማን, ዓባይ ብሪጣንያ

ስነጥበባዊት

ከም ኣብ ምሕታም፡ ምስኣል፡ ስእሊ ቀለም፡ መስርሕ ተንቀሳቓሲ ምስሊን ፊልምን ኣብ ዝኣመሰሉ ብዙሕ መዳያት እትሰርሕ ቺላ ኩማሪ በርማን፡ ብስርሓ ኣቢላ ብዛዕባ ውክልና፡ ጾታ፡ ባህላዊ መንነትን ካልኦት ጉዳያት ትዝትይ።

ኣብዚ ዓመት፡ እታ ስነጥበባዊት ስርሓ ኣብቲ ካብ 1879 ኣትሒዙ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክካየድ ክካየድ ዝጸንሐ 'ብላክፑል ኢሉሚኔሽንስ' ዝተበሃለ ፌስቲቫል ብርሃን ቀሪቡ እዩ። እታ 'ሎሊስ ኢን ላቭ ዊዝ ላይት' ዝተበሃለት ስርሓ ቀንዲ ትኹረታ ናይ ጀላተ መኪና ዝገበረት መስርሕ ምድላው ሕብራዊ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኰይና ወለዳ ብዘመሓድርዎ ንግዲ ጀላተ ተነቓቒሓ እያ ሰሪሓታ።

በርማን ኣብ 2020 ጽውጽዋይ ህንዲ፡ ህዝባዊ ባህልን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ብምውካስ ንገጽ ቴት ብሪቴይን ዝተበሃለ ጋለርያ እተርእይ 'ሪመምበሪንግ ኣ ብሬቭ ኒው ዎርልድ' ዝተበሃለት ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሰሪሓ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ኤምቢኢ' (መምበር ኦቭ ዚ ኦርደር ኦቭ ዘ ብሪቲሽ ኢምፓየር' ተሸሊማ እያ።

ኤሲ ቡኦባሳ

ኤሲ ቡኦባሳ, ጋና

ሸያጢት ዓሳ

ጓል ኣባት ፉቨመ እትበሃል ብጨካን ባሕሪ ዝተጠፍአት ጋናዊት ቁሸት ዝዀነት ኤሲ ቡኦባሳ፡ ጽልዋ ለውጢ ክሊማ ብቐጥታ ርእያቶ እያ።

ጽፍሒ ባሕሪ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ መሬታ ክትነብረሉ ብዘይ ምኽኣላ ምስ በዓል ቤታን ሓሙሽተ ደቃን ክትስደድ ተገዲዳ።

ኣብ ቁሸታ ፍልጥቲ ሸያጢት ዓሳ እያ፤ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ገፈፍቲ ዓሳ ብሰንኪ ፍግረ-መሬት ምንጪ ኣታዊአን ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ፡ ኤሲ ቡኦባሳን መሳርሕታን ነተን ገፈፍቲ ዓሳ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ማሕበር መስሪቶም።

እቲ ሕጂ ኣስታት 100 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር፡ ሰሙናዊ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ነተን ኣብቲ ንግዲ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ጉዳያት ብዝምልከት ይዝቲ፡ ንዝተጸገማ ስድራቤታት ንምድጋፍ ድማ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ይገብር።

ማዕበል ኣብ ዝብርትዓሉ ኵሉ ግዜ ኢና ንጭነቕ፡ ሞት ናባናን ናብ ዝቅጽል ወለዶናን'ዩ ዝመጽእ ዘሎ

ኤሲ ቡኦባሳ

ፖውሊና ቺዝያን

ፖውሊና ቺዝያን, ሞዛምቢክ

ጸሓፊት

ፖውሊና ቺዚያኒ ብ1990 በታ " ፍቕሪ ኣብ ንፋስ!" ዘርእስታ ግጥማዊት ልቢ ወለዳዊት ጽሕፍታ ብምሕታም ናብ ህዝቢ ቀሪባ።

እታ ካብ ርእሰ ከተማ ማፑቶ ውጽእ ኣብ ዝበለ ወሰናስን ሞዛምቢክ ዝዓበየት ቺዝያን፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ እያ ቋንቋ ፖርቹጋል ተማሂራ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤድዋርዶ ሞንድላነ ከኣ ካልእ ቋንቋታት ተማህረት፡ ይኹን እምበር ኣይተመረቐትን ።

ስራሓታ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብጀርመንኛን ብስጳኛን ተተርጒሙ እዩ። እታ ቀዳመይቲ ሰበይተይ (ሔማይ) ብዘርእስታ ዘሕተመታ ንፖሊጋሚ፡ [ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው] እትገልጽ መጽሓፋ ኣብቲ ከባቢ ዝወሃብ ሆሴ ክራቨሪነሃ ዝተሰምየ ሽልማት ተሸሊማ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብፖርቱጋልኛ ኣዝዩ ብሉጽ ሽልማት ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ካምሞስ ሽልማት ተጎናጺፋ እያ።

ክላራ ኢሊዛቤት ፍራጎሶ ኡጋርተ

ክላራ ኢሊዛቤት ፍራጎሶ ኡጋርተ, መክሲኮ

መራሒት ዓባይ መኪና

ክላራ ኢሊዛቤት ፍራጎሶ ኡጋርተ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዮም ዝሰርሕዎ ተባሂሉ ዝእመን ምምራሕ ዓበይቲ መካይን ሰሪሓ፤ ኣብዚ ዓመታት ስርሓ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መንገድታት ተባሂሉ ዝእመነሉ ከባቢታት መክሲኮ ብዙሕ ግዜ ተመላሊሳቶ።

ክላራ ኢሊዛቤት ፍራጎሶ ኡጋርተ መበቈላ ካብ ዱራንጎ ዝበሃል ክፋል መክሲኮ አዩ፤ ጓል 17 ዓመት ምስ ኣኸለት ተመርዕያ፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑን ሸውዓተ ደቂ ደቅን ዝርኣየት ኰይና ኣላ።

ክላራ ኢሊዛቤት ፍራጎሶ ኡጋርተ፡ ዝበዝሓ ግዜ ካብ ኣሜሪካ ናብ መክሲኮ ንብረት ኣብ ምምልላስ'ያ ትሰርሕ ነይራ።

ክላራ ኢሊዛቤት ፍራጎሶ ኡጋርተ፡ ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከምኣ ነቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ተባሂሉ ዝእመን ስራሕ ምምራሕ ዓበይቲ መካይን ንኽመልክኦ ትምህርን ተተባብዕን።

ናታልያ ኢድሪሶቫ

ናታልያ ኢድሪሶቫ, ታጂኪስታን

ኣማኻሪት ሓምላይ ጸዓት

ኣብ ገጠር ከባቢታት ታጂኪስታን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኤሌክትሪክ ወይ ዕንጨይቲ ዝኣመሰሉ ምንጪ ጸዓት ንምርካብ ይጽገማ'የን። ኣተሓባባሪት ፕሮጀክት ግብረ ሰናይ ከባቢ ዝዀነት ናታልያ ኢድሪሶቫ ነዚ ቅልውላው ጸዓት ግብራዊ ከባብያዊ ፍታሕ ክትህብ ትጽዕር። ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ጸዓት ዘይውድኡ ቴክኖሎጂታትን ንዋትን ትምህር።

ትካላ ብዘይካ ስልጠና፡ ጸዓት ዝቑጥቡ መሳርሒታት፡ ብሓይሊ ጸሓይ ዝሰርሑ ክሽነታትን መብሰሊታትን ብምቕራብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነጻ ግዜ ክረኽባ ትሕግዝ፤ እዚ ድማ ኣብ ገዛ ንዘሎ ጾታዊ ማዕርነት ንክሊማ ብዝምችእ መንገዲ ዝድግፍ'ዩ።

ሕጂ ኢድሪሶቫ፡ ለውጢ ክሊማ ብፍላይ ንጉዱኣት ኣካላት ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ንማሕበረሰባት ተሰልጥን፡ እዞም ድምጽታት ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ክስምዑ ዝሕግዙ መንገድታት ክትረክብ'ውን ትጽዕር።

ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጥሙ ሓደገኛ ፍጻመታት፡ ሰባት ካብ ተፈጥሮ ተፈልዮም ክነብሩ ከም ዘይኽእሉ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ዝህቡና እዮም። ብዘይ ከቢድ ሳዕቤን ተፈጥሮ ብሸለልትነት ክንምዝምዛ ኣይንኽእልን ኢና።

ናታልያ ኢድሪሶቫ

ሆሳይ ኣሕማደዛይ

ሆሳይ ኣሕማደዛይ, ኣፍጋኒስታን

ኣቕረራቢት መደብ ተለቪዥን

ኣብ ነሓሰ 2021 ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝቆጻጸረሉ እዋን፡ ሆሳይ ኣሕመድዛይ ሓንቲ ካብተን ኣብታ ሃገር ፈነወ ዝቐጸላ ኣዝየን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣቕረብቲ ዜና እያ ነይራ።

ስክፍታታት ድሕነትን ኣብ ልዕሊ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰባዊ ተቓውሞን'ኳ እንተሃለወ፡ ንሳ ግን ኣብ ቴሌቪዥን ሻምሻድ ስርሓ እናቐጸለት ትርከብ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ ንብዙሓት ሰበስልጣን ጣሊባን ቃለ መሕትት ገይራ'ያ፤ እንተዀነ ብዛዕባ እንታይ ክትሓቶም ከም እትኽእል ደረት ስለዝግበረላ፡ ኣካይዳኦም ኣብ ሕቶ ከተእቱ ኣይትኽእልን።

ኣሕመድዛይ ብሕግን ፖለቲካዊ ሳይንስን ድሕረ ባይታ ዘለዋ ኰይና፡ ን7 ዓመታት ኣብ ሚድያታት ክትሰርሕ ጸኒሓ'ያ። ኣብ ትምህርቲ ኣዋልድ ኣተኲራ እያ ትሰርሕ። ትምህርቲ ኣዋልድ ድማ ብጣሊባን ኣዝዩ ዝተገደበ እዩ።

ኣፍሮዝ-ኑማ

ኣፍሮዝ-ኑማ, ፓኪስታን

ጓሳ

ሓንቲ ካብተን ናይ መወዳእታ ጓሶት ዋኪ (ተወለድቲ ማእከላይን ደቡብን ኤስያ ዝዀኑ ኢራናዊ ብሄር) ዝዀነት ኣፍሮዝ-ኑማ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣጣል፡ ያክን ኣባጊዕን ክትጓስይ ጸኒሓ እያ።

ንሳ፡ ነቲ ሞያ ካብ ኣደኣን ዓባያታን እያ ተማሂራ። ኣካል ናይቲ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝርከብ ጐልጎል ሽምሻል ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ እያ፤ እዚ ልምዲ ሕጂ እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ።

ከምኣ ዝኣመሰላ ጓሶት ዓመት መጸ ንመጓሰአን ናብ 4800 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከባ መጓሰዪታት ወሲደን እንስሳታተን ይምገባ፡ ፍርያት ጸባ ኣዳልየን ድማ ብኻልእ ኣቝሑ ይለዋወጣ።

ኣታዊአን ኣብ ቁሸተን ራህዋ ኣምጺኡ፡ ደቀን'ውን ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ኣኽኢሉ'ዩ። ኣፍሮዝ-ኑማ ኣብቲ ጐልጎል እታ ናይ መጀመርታ ጫማ ዝወነነት ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ክሳዕ ሕጂ ብሓጎስ ትዝክር።

ሱዛን ኤቲ

ሱዛን ኤቲ, ኣውስትራልያ

ክኢላ ዘላቒ ቱሪዝም

ሓንቲ ካብተን እንኮ ሳይንቲስት ክሊማ ኢንዱስትሪ ጉዕዞን ቱሪዝምን ዝዀነት ሱዛን ኤቲ፡ ነቲ ኢንዱስትሪ ናብ ዝያዳ ዘላቒ መጻኢ ንምምራሕ ንኒሕታ እናሰርሐት ትርከብ።

ኣብ ናይ ንእሽቶ ጉጅለ ዘስደምም ጉዕዞ ዝነጥፍ ኢንትረፒድ ትራቨል ዝተበሃለ ንግዳዊ ትካል ከም ዓለምለኻዊ ኣካያዲት ጽልዋ ከባቢ ኰይና እትሰርሖ ስራሕ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ዝተረጋገጸ ሸቶታት ምንካይ ካርቦን ዘለዎ ናይ መጀመርታ ትካል ጉዕዞ ክኸውን ኣኽኢሉ'ዩ።

ንሳ፡ ካርቦን ንምቕናስ ንዝደልዩ ንግዳዊ ትካላት ጉዕዞ ክፉት ምንጪ መምርሒ ዝጸሓፈት ኰይና፡ ቁልፊ ኣካል ናይቶም ህጹጽ ኩነታት ክሊማ ዝኣወጁ 400 ናይ ጉዕዞ ትካላት፡ ኩባንያታትን ሰብ ሞያን ዝሓቖፈ ወለንታዊ ማሕበረሰብ ቱሪዝም ዲክላርስ እያ።

ሎሚ ዝያዳ ትካላት ንግዲ፡ ጽልዋ ከባቢ ንምንካይ ዓቢ ዕላማታት ብምውሳን፡ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ወፍሪ ብምግባርን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሸቶታት ምንካይ ልቀት ቃል ብምእታውን ኣገዳስነት ስጉምቲ ክሊማ ክግንዘቡ ንርኢ ኣለና።

ሱዛን ኤቲ

ሳራ ኦት

ሳራ ኦት, ኣመሪካ

መምህር

ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ ኣመሪካ ዝዓበየት መምህር ማእከላይ ቤት ትምህርቲ ሳራ ኦት፡ ንጌጋ ሓበሬታ ተቓላዒት ምንባራ ትዛረብ።

ሳይንስ ተማሂራ'ኳ እንተነበረት፡ ለውጢ ክሊማ ብሓቂ የጋጥም ከም ዘሎ ንእተወሰነ እዋን ትጠራጠር ነይራ።

ከም ዝተጋገየት ምእማን፡ ነቲ ሓቂ ንምርዳእ ዝወሰደቶ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እዩ ነይሩ። ጉዕዞኣ ኣብ ሃገራዊ ማእከል ትምህርቲ ሳይንስ ኣምባሳደር ለውጢ ክሊማ ክትከውን ምኽንያት ኮይኑዋ እዩ።

ሕጂ ኣብ ጆርጅያ ትነብር ዘላ ሳራ፡ ለውጢ ክሊማ ተጠቒማ ንተምሃሮኣ ኣምር ፊዚካዊ ሳይንስን ኣብ ማሕበረሰባ ንቕሓት ከባብያዊ ጉዳያት ተዕቢን ኣላ።

ዋላ እኳ ለውጢ ክሊማ 'ንኹሉ ዝጽውዕ' ኵነታት እንተዀነ፡ ኩሉ ግን ባዕልና ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ጎስጓስ ከም ጀርዲን እዩ። ወቕታዊ እዩ። ይዓርፍ። ነቲ ዘለኹምሉ ወቕቲ ኣኽብርዎ።

ሳራ ኦት

ኣራቲ ኩማር-ራኦ

ኣራቲ ኩማር-ራኦ, ህንዲ

ሰኣሊት

ከም ናጻ ሰኣሊት፡ ጸሓፊትን ዳህሳሲት ናሽናል ጂኦግራፊክን ኣብ መላእ ደቡብ ኤስያ እትሰርሕ ኣራቲ ኩማር-ራኦ፡ ነቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝቕየር ዘሎ መልክዓ ምድሪ ትስነድ።

ንሳ፡ ብሓያል መልክዑ ዝንክይ ዘሎ ማይ ትሕቲ ምድሪ፡ ምዕናው መነባብሮን ንኢንዱስትሪ ዝኸውን መሬት ምጥራይን ንብዙሕነት ህይወት ከም ዘዕንዎን ሓባራዊ መሬታት ብምንካይ ሚልዮናት ክመዛበሉን ዓሌታት ክጽንትቱን ከም ዝድርኽ ትገልጽ።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ንኡስ ኣህጉር ህንዲ ዝተመላለሰት ኰይና፡ ኣዝዮም ዘሕምሙ ዛንታታታ ድማ ዕንወት ከባቢ ንመነባብሮን ንብዙሕነት ህይወትን ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ይገልጹ።

ማርጂንላንድስ፡ ኢንዲያስ ላንድስኬፕስ ኦን ዘ ብሪንክ' ዘርእስታ መጽሓፋ፡ ተመኩሮ ናይቶም ኣብቲ ኣዝዩ ተጻባኢ ከባቢታት ህንዲ ዝነብሩ ሰባት ዝሓቖፈት እያ።

ሱር ቅልውላው ክሊማ፡ ምስ መሬት፡ ማይን ኣየርን ዘለና ባእታዊ ምትእስሳር ምጥፋኡ እዩ። ነዚ ምትእስሳር ዳግማይ ክንመልሶ ግድን እዩ።

ኣራቲ ኩማር-ራኦ

ሶፍያ ኪያኒ

ሶፍያ ኪያኒ, ኣመሪካ

ተምሃሪትን ወናኒት ንግዳዊ ትካልን

ምስ ኢራን ንዝርከቡ ኣዝማዳ ድሕሪ ምዝርራባ፡ ወናኒት ንግዳዊ ትካል ሶፍያ ኪያኒ፡ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ብቋንቋ ፋርስ ዝተዳለወ ዘተኣማምን ሓበሬታ ውሑድ ምዃኑ ስለዝተረድአት፡ መወክስታት ናብ ቋንቋ ፋርሲ ክትትርጉም ጀሚራ።

እዚ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ 'ክላይሜት ካርዲናልስ' ዝተበሃለ ፕሮጀክት ምስ መስረተት እናሰፍሐ ከይዱ። እቲ ፕሮጀክት፡ ብመንእሰያት ዝምራሕ ዓለምለኻዊ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኰይኑ ሓበሬታ ክሊማ ናብ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ብምትርጓም ናብቶም እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ዝያዳ ተበጻሒ ንምግባርን ዝዓለመ እዩ።

ሕጂ ኣብ መላእ 80 ሃገራት ዝርከብ 10 ሽሕ ወለንተኛታት ተመሃሮ ኣለዉዎ። መወክሲታት ክሊማ ዝዀኑ ሓደ ሚልዮን ቃላት ናብ ልዕሊ 100 ቋንቋታት ተርጒሞም እዮም።

ዕላማ ኪያኒ፡ ንዓለምለኻዊ ዝርገሐ ሳይንሳዊ ፍልጠት ዝድርቱ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታት ምፍታሕ እዩ።

መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ዓለማዊ መርበባት ስጉምቲ ክሊማ ሃኒጾምን ኣዕብዮምን፡ ሚልዮናት ንተቓውሞ ወዲቦም፡ ኣንጻር ልምዓት ነዳዲ ቅሪተ-ኣካላት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጥርዓናት ኣካይዶም፡ ከምኡ'ውን ንተበግሶታት ክሊማ ንምምዋል ሚልዮናት ዶላር ኣዋህሊሎም። ብድሆታት ዓለምና ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝዀኑ ብዕድመ ወይ ተመኩሮ መሰረት ንነብስና ቆፎ ክንገብራ የብልናን።

ሶፍያ ኪያኒ

ቪ ካቲቩ

ቪ ካቲቩ, ዚምባብወ/ ዓባይ ብሪጣንያ

ኣፍራይት ቪድዮን ዩትዩበርን

ብትርፊ ጊዜ ኣብ ማክዶናልድስ እናሰርሐት ካብ ኦክስፎርድን ኣርቫርድን ዲግሪ ዝረኸበት ቪ (ቫረይድዞ) ካቲቩ፡ ጉዕዞ ትምህርታ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣሻሓት ሰባት ምልዕዓል ፈጢሩ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናሃለወት ከም ሓንቲ ካብ ትሑት ማሕበረ-ቊጠባዊ ድሕረ ባይታ ዝመጽአት ሰብ፡ ዘለዋ ተመኩሮ ንምክፋልን ንከምኣ ዝበሉ ሰባት ናይ ኣጸናንዓ መንገዲታትን ፍልፍላትን እተካፍላሉን ናይ ዩትዩብ ቻነል ከፊታ።

ቪ ካብቲ እዋን ጀሚራ 'ኢምፓወርድ ባይ ቪ' ዝተባህለ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሓገዝ ዘይረኽቡን ብእኹል ብርኪ ዘይተወከሉን ሰባት ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ተበጻሒ ክኸውን ዝሰርሕን መርበብ መስሪታ።

መንእሰያት ንባዕሎም ክምህርሉ ዘኽእል መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኮይና፡ ኣብዚ እዋን ብዓውዲ ኣመራርሓ ትምህርቲ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርታ ትከታተል ኣላ።

ሁዳ ካታን

ሁዳ ካታን, ኣሜሪካ

መስራቲት ቢዝነስ ስነጽባቐ

ሁዳ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዒራቓውያን ስደተኛታት ዝተወለደት'ያ፡ ሁዳ ኣብ ኢክላሃማ'ያ ዓብያ፡ ንዝጸንሓ ዝንበለ ተጠቒማ ከኣ ኣዝዩ ጸላዊ ትካል ስነጽባቐ መስሪታ ትርከብ።

ኣብ ሓደ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃረት ሁዳ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እንዳ ስነጽባቐ ብምምሰራት፡ ኣብ ማእከላይ ምበራቕ ንዝርከቡ ፍሉጣት ሰባትን ንጉሳውያን ቤተሰብን ዓማዊላ ገይራ ትሰርሕ ኣላ።

ኣብ ኢንስታግራም ልዕሊ 50 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ፤ እዚ ኸኣ ንትካላ ካብ ዓለም ዝበዝሑ ተኸተልቲ ዘለዉዋ ናይ ኢንስታግራም ሕሳብ ዘለዎ ትካል ገይርዎ ይርከብ።

ሁዳ፡ 'ሁዳ ቢዩቲ' እዩ ዝበሃል እዚ ኣብ 2013 ዝመስረተቶ ትካል። ሕጂ ዋጋኡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝትመን ኰይኑ ልዕሊ 140 ዓይነታት ፍርያት ስነጽባቐ የፍሪ፤ ኣብ ዓለም ከኣ ልዕሊ 1500 ጨናፍራትን መከፋፈልን ኣለዎ።

ኦክሳና ዛቡሽኮ

ኦክሳና ዛቡሽኮ, ዩክረይን

ጽሓፊት

ከም ልቢ ወለድ፡ ግጥምን ኢ- ልበ ወለዳዊ ዝኣመሰለ ልዕሊ 20 ዕዮታት ዘፍረየት ኦክሳና ዛቡሽኮ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ዓበይቲ ጸሓፍትን ምሁራትን እያ ትቝጸር ።

ብዓለም ደረጃ እውን ኣብ ዩክረይን ብዛዕባ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብን ምስጢራት ዝተረስዑ ኣብያተ መዘክር ኣብ ብዝኣመሰለ ስርሓታ እያ ትፍለጥ።

እዛ ካብ ክፍሊ ፊሎዚፊ ናይ ኪየቭ ሸቭቸንኮ ዩኒቨርሲቲ እተመረቐት፡ ኣብ ፊሎዚፊሻል ኢኮኖሚ ድማ ናይ መዓርግ ዶክትሬት ዘለዋ ሰብ ብስርሓታ ኣብ ሃገራን ወጻእን ውርይቲ እያ።

ናብ 20 ቋንቋታት ብዝተተርጒመ መጻሕፍታ፡ ሓያሎ ሃገራውን ኣህጉራውን ሽልማታ ተዓዊታ ኣላ። ገለ ካብኡ ድማ ሽልማት ኣንጀለስ ናይ ማእከላይ ኤውሮጳ ናይ ስነ ጽሑፍ ሽልማት፡ ናይ ዩክረይን ናይ ሼቭቸንኮ ሃገራዊ ሽልማት ከምኡ ናይ ሃገራዊ ስርዓት ፈረንሳ ክቡር ሽልማት ተዓዊታ።

ሊችያ ፈርትዝ

ሊችያ ፈርትዝ, ጣልያን

ሞዴልን ጸላዊት ሰብን

ጓል 93 ዓመት ኮይና ዘላ ሊችያ፡ ኣብ ኢንስታግራም ልዕሊ 235 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዋ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ከኣ ብዕድመ ዝዓበየት ሞዴልን ጸላዊት ሰብን'ያ።

ሊችያ ንኻልኣይ ኵናት ዓለም ብዓይና ርእያቶ'ያ፡ ጓል 28 ዓመት ጓላን ብዓል ቤታን'ውን ብሞት ተፈልዮማ'ዮም።

ወዲ ጓላ ናይ ኢንሳታግራም ሒሳብ ምስ ከፈተላ፡ እቲ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ገጻ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝያ ተፈላጢት ንኽትከውን ሓጊዝዋ'ዩ።

ጓል 89 ዓመት እንከላ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወታ ዝዝንቱ መጽሓፍ ኣሕቲማ፡ ኣብ መነጋዚን ስቶን ከኣ ኣብ ቀዳማይ ገበር ከም ሞዴል ኮይና ወጺኣ ኣላ።

ሊችያ ፈርትዝ በዛዕባ ሕደ ጾታውያን እትጣበቕ ኮይና ሰባት ብገዛእ ርእሶም ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ክህልዎም ከምዘለዎም ትመክር።

ጃናቱል ፈርዶስ

ጃናቱል ፈርዶስ, ባንግላዲሽ

ውጻእ መዓት ባርዕ ሓዊ

ንኣስታት 60% ኣካላታ ብሓዊ ዝሓረረት ጃናቱል ፈርዶስ ዝደሓነት ፡ ሰራሒት ፊልም፡ ጸሓፊትን ኣንጻር ኣካላዊ ስንክልና እትጉስጉስን ክኢላ እያ።

ንሳ መስራቲት ናይቲ ድምጽን ርእይቶን ዝተሰምየ ንሰብኣዊ መሰል ናይተን ካብ ቃጸሎ ሓዊ ዝደሓና ደቀንስትዮ ዝጣበቕ ትካል እያ ።

ንሳ ብፈተውታን ስድራ ቤታን ከም ድምቅቲ ብርሃን እትግለጽ ጃናቱል ፈርዶስ፡ ኣብ ታሪኻ እተሞርኮሰ ሓሙሽተ ሓጸርቲ ፊልምታት ሰሪሓ ፡ ሰለስተ ልቢ ወለዳት ብምሕታም፡ ዛንታኣ፡ ንቕሓት ናይቶም ስንክልና ዘጋጠሞም ሰባት ንምዕባይ ትጥቀመሉ ኣላ ።

ፈርዶስ፡ ላዕለዋይ ትምህርታ ብምቕጻል ብስነ ጽሑፍ ኢንግሊዝን ናይ ድሕረ ምረቓ ማስተርስ ዲግሪ፡ ብልምዓታዊ መጽናዕቲ ከኣ ቀዳማይ ዲግሪ ኣለዋ።

ማቻ ፎርን-ኢን

ማቻ ፎርን-ኢን, ታይላንድ

ጎስጓስ መሰላት ደቀባትን ኤልጂቢቲኪው+ን

ኣብ ታይላንድ ኣብቲ ሳዕቤናት ለውጢ ክሊማን ግጭትን ዘጋጠሞ ከባቢ ዶብ ሚያንማር እትነብር ማቻ ፎርን-ኢን፡ ኣብ መሰላት ውሑዳት ኣተኲራ እያ ትሰርሕ።

ንሳ ንፕሮጀክት ልምዓት ሳንግሳን ኣናኮት ያዋቾን መስሪታ'ያ፤ እዚ ትካል እዚ ንኣሽሓት ሃገርን መሬትን ዘይብለንን ደቀባት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዋልድን መንእሰያት ኣባላት ማሕበረሰብ ኤልጂቢቲኪዩ+ን ንምምሃርን ንምሕያልን ዝዓለመ እዩ።

ማቻ ፎርን-ኢን፡ ኣባል ውሑዳን ብሄር/ደቀባትን ከም ሕደጾታዊት ተጣባቒት ደቂ ኣንስትዮን ከም ምዃና መጠን፡ ኣብቲ ዞባ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ደው ንኽብል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መሪሕ ተራ ኣለዋ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዝተመዛበሉን መሰሎም ዝተነፍጉን ሰባት መሰላል መሬትን ፍትሒ ክሊማን ክረኽቡ ትጣበቕ።

ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎን ድምጽን ደቀባት ማሕበረሰባት፡ ኤልጂቢቲኪው+፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዘላቒ ፍታሕ ክሊማ ክህሉ ኣይክእልን እዩ።

ማቻ ፎርን-ኢን

ካሮሊና ድያዝ ፒመንተል

ካሮሊና ድያዝ ፒመንተል, ፔሩ

ጋዜጠና

ኣብ 20ታት ዕድመ እንከላ ብሕማም ኦቲዝም ተጠቒዓ፡ ካሮሊና ድያዝ ፒመንተልኣብዚ እዋን ክኢላስነ መትኒ ኮይና ምስተመረቐት ንገዛእ ርእሳ ሓጎሳ ንምጽናባል ኬክ ሰሪሓ።

ሕጂ ኣብ30ታት እትርከብ ካሪሊና፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ስነ መትኒ ስርሓ፡ ንሓም ኦሪዝም ብምብዳሕ ከም ጋዜጠኛ ኮይና እናሰርሓት ሰባት ብዛዕባ ስነ መትንን ካልኦት ተዛመድቲ ጥዕናዊ ጉዳያት ኣፍልጦ ንኽህልዎም ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ።

ካሮሊና ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ዘጋጥሞም ተነጽሎ ብኸመይ ክብድህዎ ከምዘለዎምን ሰባት ክንጽልዎም ከምዘይብሎምን'ውን ጎስጓሳት ተካይድ። ካሪሊና ብዙሓት መኽሰብ ዘይብለን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ክትምስርት ክኢላ'ኣ።

ኣብ ማእከል ፑልቲዘርን ሮሳሌእን ካርተልን'ውን ትምህር።

ጀትሱንማ ተንዚን ፓልሞ

ጀትሱንማ ተንዚን ፓልሞ, ህንዲ

ቢክሱኒ፡ መነኮስ ቡድሃ

ኣብ 1940ታት ኣብ እንግሊዝ ዝተወልደት ጀትሱንማ ተንዚን ፓልሞ ኣብ ዕድመ ንእስነታ እያ ንእምነት ቡድሂዝም ተቐቢላ።

ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኣ ናብ ህንዲ ተጓዒዛ፤ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ምዕራባውያን ገዳማዊት ቡድሃ ቲቤት ብምዃን ክትቕባእ በቒዓ።

ተንዚን ፓልሞ ደረጃ ደቂ ኣንስትዮ ሞያውያን ንምዕባይ ብምሕሳብ ኣብ ህንዲ ከተማ ሂማቻል ፕራደሽ ዝርከብን ልዕሊ 120 መነኮሳት ዝነብራሉን ዶንግዩ ጋትሳል ሊንግ ዝበሃል ማእኸል መነኮሳት መስሪታ።

ንሳ ዝያዳ እትፍለጥ ኣብ ሂማላያ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ን12 ዓመታት ክትነብር ብምኽኣላ እያ። ካብቶም ዓመታት ነቶም ሰለስተ ኣብ ጽኑዕ ናይ ተመስጦ (ኣስተንትኖ) ኩነታት ኣሕሊፋቶም። ኣብ 2008 ድማ ክቡር ዝኾነ 'ጀትሱንማ' ዝብል መዓርግ ተዋሂብዋ፤ እዚ ማለት ድማ ክብርቲ መምህር ማለት እዩ።

ላላ ፓስኲነሊ

ላላ ፓስኲነሊ, ኣርጀንቲና

ስነጥበበኛ

ኣብ ቅድሚት ገፅ (መጽሔት) ዘይረአያ ደቂ ኣንስትዮ' ዝብል ሓሳብ ናይ ስነጥበባዊት ላላ ፓስኲነሊ ኮይኑ፡ ኣብ 2015 ንጽባቐ ዝምልከቱ ድሑራት ኣረኣእያታትን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ህዝባዊ ባህልን ዝሰኣላሉ ስሑት መገዲ ንምብዳህ ዝፅዕር እዩ።

እቲ መደብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ኣካላተን ንዘሎ ኣመለኻኽታ ክቕር ሓያሎ ጎስጓሳት ዝገብር ኮይኑ፡ ከም እርጋንን ኣመጋግባን ዝኣመሰሉ ጉዳያትየልዕል። ኣብዚ ቀረባ እዋን #HermanaSoltaLaPanza (ሓፍተይ ኣብ ከብድኺ ምቕላዕ ኣቋርፂ) ብዝብል ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ኩሉ ዓይነት ቅርጽን ተኽለ-ሰብነት ዘለዎን ደቂ ኣንስትዮ ሓቀዊ ዛንታታት ኣጉሊሑ።

ጠበቓ፣ ገጣሚት፣ ሌዝቢያንን ተሓላቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮን [ፌሚኒሰት] ዝኾነት ፓስኲነሊ፡ ነቲ "ደርባዊ፣ ፆታውን ዓሌታውን"፡ ከምኡ'ውን፡ ጾታዊ ኣፈላላይ ዝያዳ ዘስፍሕ እትብሎ ሱር ዝሰደደ ሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታ 'ኣንስታዊ ጽባቐ' ንምፍራስ ትሰርሕ።

ጀስ ፔፐር

ጀስ ፔፐር, ዓባይ ብሪጣንያ

መስራቲት 'ካፈ ክላይመት'

ካፈ ክላይመት'፡ ሰባት ተኣኪቦም ዝሰትዩሉ፡ ዘዕልልሉን ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ስጉምቲ ዝወስድሉን ብማሕበረሰብ ዝምራሕ ቦታ እዩ። እታ ፈላመይቲ 'ካፈ ክላይመት' ኣብ 2015 ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ስኮትላንድ ብጀስ ፔፐር'ያ ተመስሪታ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ማሕበረሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም መራኸቢ ቦታታት ክምስርቱን ኣብ ዓለማዊ መርበብ ምትእስሳር ክፈጥሩን እናሓገዘት ትርከብ።

ኣብቶም ቦታታት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ብዛዕባ ቅልውላው ክሊማ ዘለዎም ስግኣታትን ስክፍታታትን ከካፍሉሉ ዝኽእልሎም ውሑስ ቦታታት ምዃኖም ይዛረቡ።

ፐፐር ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ክሊማ ብርክት ዝበሉ ናይ መሪሕነት ተራታት ዝተጻወተት ኰይና፡ ኣብ ሮያል ስኮትላንዳዊ ጂኦግራፊካዊ ማሕበርን ኣብ ሮያል ማሕበር ስነጥበብን ናይ ክብሪ ኣባል እያ።

ስጉምት ክሊማን እወታዊ ለውጥን ኣብ ማሕበረሰባት ይፍጸም ኣሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝምራሕ እዩ። ምትእስሳራት ንለውጢ ከመይ ከምዘነቓቕሑን ሓበሬታ ከም ዝህቡን፡ ንዝያዳ ለውጢ ዕድልን ፖለቲካዊ ቦታን እናፈጠሩ ጽንዓት ይሃንጹ ከምዘለዉ ምርኣይ ተስፋ ይህበኒ።

ጀስ ፔፐር

ልዊዝ ማቡሎ

ልዊዝ ማቡሎ, ፊሊፒኒስ

ሓረስታይን ወናኒት ንግዳዊ ትካልን

ኣብ 2016፡ ኣብ ገለ ክፋል ካማሪንስ ሱር ፊሊፒንስ ዘጋጠመ ህቦብላ ኖክ-ቴን 80 ሚእታዊት ናይ ሕርሻ መሬት ኣጥፊኡ'ዩ።

ሉዊዝ ማቡሎ ነቲ ዕንወት ንምብዳህ ፕሮጀክት ዘ ካካኦ መስሪታ። እቲ ትካል ብዘላቒ ኣግሮፎረስትሪ ኣብ ስርዓታት መግቢ ውሽጢ ዓዲ ሰውራ ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ።

ማቡሎ፡ ሓረስቶት ንምሕያል ትሰር፡ ኣዕናዊ ስርዓታት መግቢ ተወግድ፡ ከምኡ'ውን ብገጠር ኣብ ዝምራሕ ሓምለዋይ ቁጠባ ትቃለስ፡ እቶም ነቲ መሬት ዝሓርሱ ሰባት ዳግማይ ተቖጻጸርቲ ክዀኑ ድማ ትሕግዝ።

ንሳ፡ ዛንታታትን ፍልጠትን ገጠር ብምጉላሕ ዓለምለኻዊ ፖሊሲ ክሊማ ተማኽር። ብፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ከም መንእሰይ ሻምፕዮን መሬት ኣፍልጦ ረኺባ'ያ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ልክዕ ከማይ ብዝኣመሰሉ ብመጻኢ ሓምለዋይ መልክዓ ምድሪ ዝመሓደሩ፡ ንማሕበረሰባት ዘራኽቡ፡ መግቢና ዘላቒን ተበጻሒን ዝዀነሉ፡ ቁጠባና ዓለማዊ ዝዀነሉ፡ ብፍትሓዊን ማዓርነታውን መትከላት ዝምርሑ ሰባት ዝካየዱ ምዃኖም ተስፋ ይህበኒ።

ልዊዝ ማቡሎ

ምዝንጋዕን ስፖርትን

ጆርጂያ ሃሪሰን

ጆርጂያ ሃሪሰን, ዓባይ ብሪጣንያ

በዓልቲ ሞያ መደባት ቴሌቪዥን

ጆርጂያ ሃሪሰን ግዳይ ናይ ምስሊ መሰረት ዝገበረ ጾታዊ መጥቃዕቲ (image-based sexual abuse) ምስኮነት፡ ታሪኻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ በደል ንምቅላስን ኣብ ዩኬ ዘሎ ናይ ፍቓድ ኣመለኻኽታ ንምቕያርን ክትጥቀመሉ ወሲና።

እታ ኣብ ከም 'ላቭ ኣይላንድ' ን 'ዘ ኦንሊ ወይ ኢዝ ኢሰክስ' ን ዝኣመሰሉ ምድላዋት እትፍለጥ በዓልቲ ሞያ ቴሌቪዥን ብዘይ ፍቓድ ጾታውን ናይ ዕርቃን ምስሊታትን ምልጣፍ ወይ ንብቀላ ምልጣፍን ኣብ ዩኬ ገበን ኮይኑ ክምዝገብ ዝገብር ምትዕርራይ ሕጊ ኦንላይን ክግበር ጎስጓስ መሪሓ።

ሃሪሰን ኣብዚ እዋን ብዘይፍቓድ ምስሊ ኣብ ዝልጥፉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከቢድ ቅጽዓት ክውሰደሎም ትጽውዕ ኣላ።

ዳዮን ሊ

ዳዮን ሊ, ደቡብ ኮርያ

መስራቲ ትካል 'Kpop4Planet'

ዳይዮን ሊ ብመንገዲ 'Kpop4Planet' ኣቢላ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣድነቕቲ ኬ-ፖፕ ብምእካብ ነቲ ቅልውላው ክሊማ እናመከተት ትርከብ።

እቲ ናይ ጎስጓስ ጉጅለ ኣብ 2021 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ዓበይቲ መዘናግዒ ትካላትን ኣገልግሎታት ስትሪሚንግን ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት፡ ስጉምቲ ክሊማ ክወስዱን፡ ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ክሰጋገሩን ይሓትት።

እቲ ጉጅለ፡ ብኽነት ንዋታዊ ኣልበም ኣብ ከባቢ ዘስዕቦ ሳዕቤን ኣጉሊሑ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ኬ-ፖፕ ፍሉጣት ሰባት ናብ ዲጂታላዊ ኣልበማት ክሰግሩ ደሪኽዎም እዩ።

ዳይዮን ሊ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንፍሉጣት ሰባት ኬ-ፖፕ ከም ህዝባዊ ምልክቶም ዝጥቀሙ ትካላት ምቾት ዘለዎም ፋሽናት ብዛዕባ ክሊማ ንምብዳህ፡ ሕጂ ኪኖ ሙዚቃ ትሰጋገር ኣላ።

ንማሕበራዊ ፍትሒ ደው ክንብል ከለና ለውጢ ክሳብ እነምጽእ ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። ነዚ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጽናዮ ኢና፡ ኣንጻር ቅልውላው ክሊማ እናተቓለስና ድማ ክንቅጽሎ ኢና።

ዳዮን ሊ

ድያዝ ሚረዛ

ድያዝ ሚረዛ, ህንዲ

ተዋሳኢት

ድያዝ ካታ ተዋሳኢት ጥራይ ዘይኮነት ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ሰብኣዊ መሰላትን ስነከባብያዊ ዕቓበታትን'ውን ትሳተፍ እያ፡ኣብ ሲነማ ህንዲ ብዘርኣየቶ ድንቒ ኣወሳስኣ ኸኣ ክትሽለም ክኢላ'ያ።

ድያዝ ኣምበሳደር ሕቡራት ሃገራት ኣብ መደባት ዕቓበ ስነከባቢ'ውን ኰይና ትሰርሕ'ያ። ድያዝ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ፤ ጽሩይ ኣየርን ዕቓበ እንስሳታት ዘገዳምን'ውን ትሰርሕ'ያ።

ንሳ መስራቲት 'One Indian stories' እያ፡ እዚ መደብ እዚ ባዕላ እተቕርቦ ኮይኑ ኣዝዩ ጸላዊ ዛንታታት ዝሓዘ'ዩ። ደው ኢልካ ንኽትሓስብ ዘገድድ ዛንታታት ድማ'ያ እተቕርብ።

ብዘይካ እዚ ኣምባሳደር 'save the Childern' ' International Fund for Animale Welfare' እያ።

ጀስቲና ማይልስ

ጀስቲና ማይልስ, ኣመሪካ

ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዋ ምርኢት ኣቕራቢት

ጃስቲና ማይልስ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሱፐር ባውል ታሪኽ ሰሪሓ። ሱፐር ባውል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ተዓዘብቲ ዘለዎም ስፖርታዊ ውድድራት እዩ።

እታ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዋ ምርኢት ኣቕራቢት፡ ገለ ካብ ግጥሚ ደርፊ ሪሃና፡ ብቋንቋ ምልክት ሓይሊ ብዝተመልአን ማራኺን ኣቀራርባ ክተቕርብ ከላ ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ ተዓዘብቲ ዝረኸበ ፍጻመ ኰይኑ።

እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ሱፐር ቦውል ዝተኻየደ ውሩይ ናይ ዕረፍቲ ምርኢት፡ ብቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ምርኢት ዘቕረበት ፈላመይቲ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ኣኽኢልዋ'ዩ። ኣቐዲማ ብቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ዘቕረበታ ናይ ጸለምቲ ሃገራዊ መዝሙር ተባሂላ እትፍለጥ 'ሊፍት ኤቨሪ ቮይስ ኤንድ ሲንግ' እትብል ደርፊ እውን ኣብቲ መደብ ፈላሚት እያ ነይራ።

ማይልስ፡ ዓለምና ዝያዳ ሓቀኛ ውክልና ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክትርዳእ እያ ትደሊ፤ ናይ ገዛእ ርእሳ ትካል ብምኽፋት ዝያዳ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ነርስታት ክተሰልጥን ተስፉ ኣለዋ።

ዓዚዛ ሳባቲ

ዓዚዛ ሳባቲ, ሊባኖስ

ጎያይት

ዓዚዛ ሰባቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ምዕራብ ኤስያን ዓረብን ኣብ እተገብረ ውድድር ንሃገራ ወኪላ ወርቂ መዳልያ ዝዓተረት ፈላሚት ጸላም ኣትሌት እያ። ንሳ ነቲ ኣብ ሃገራ እተመዝገበ ናይ 100 ሜትሮ ርሕቀት ክብረ ወሰን ድሕሪ ምስባራ፡ ኣብ ታሪኽ "እታ ዝቐልጠፈት ሊባኖሳዊት" ተባሂላ ተሰይማ።

እዛ ካብ ላይበርያዊት ኣደን ሊባኖሳዊት ኣቦን እተወለደት፡ ጓል 11 ዓመት ኣብ ናብ ሊባኖስ ምስ ከደት ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበታ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣጋጢሙዋ'ዩ።

ኣትሌቲክስ፡ ርግኣትን ሩፍታን ስለዝፈጠረላ ውሽጣዊ ሓይሊ ከም እትድልበሉን መኣዲ ህይወት ተቐቢላቶን ሰሪሓትሉን።

ንሳ ከኣ ኣብ እስፖርት ዘለዋ ስምን ተሰማዕነትን ተጠቒማ ምስ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨሪሲታትን ሊባኖስ ብምትሕብባር ብዛዕባ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ዓሌትነት፡ ብዛዕባ ማዕርነትን ምድግጋፍን ክትጕስጉስ ጀሚራ።

ኣንቲኒስካ ሴንሲ

ኣንቲኒስካ ሴንሲ, ኢጣልያ

ጂምናስቲክን ሳዕሳዒትን ኣብ ሕቘ ፈረስ

ኣንቲኒስካ ሴንሲ ኣብ 30ታት ዕድመኣ ኣብ ሕቘ ፈረስ ጂምናስቲክን ሳዕስዒትን ክትከውን ከላ፡ ድሕሪ 10 ዓመት ምስ ጂምናስቲክ ኣብ ፈረስ እተካይድ ጋንታ ዑደት ክትገብር ኣይተጸበየትን።

ኣብ ላ ፌኒስ፡ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዝተወልደት ኣንቲኒስካ ሴንሲ፡ ህይወታ ቀሊል ኣይነበረን። ኣደኣ ኣብ እዋን ሕርሲ ጸገማት ምስ ኣጋጠማ "ካብ ፈላመይቲ ሰዓላ ከም ዘይትድሕን" ተነጊርዋ ነይሩ።

ሴንሲ፡ ኣካል ናይቲ ናይቲ ከባቢ ማእከል ሃገራዊ ማሕበር ስድራቤታትን ጉድኣት ኣካልን ኢጣልያን ላ ፈኒስን ዘበገስዎ መደብ ኰይና እያ ናይ ፈረስ ጂምናስቲክን ሳዕስዒትን ጀሚራ።

ሕጂ ብሻምፕዮን ዓለም ኣና ካቫላሮን ኣሰልጣኒ ኔልሰን ቪዶኒን እናሰልጠነት ትርከብ።

ኣይታና ቦንማቲ

ኣይታና ቦንማቲ, ስጳኛ

ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ

ኣብ ካታሎንያ ዝተወልደት ኣከፋፈሊት ኣይታና ቦንማቲ፡ ኣብዚ ዓመት ምስ ክለባ ባርሴሎና ኣብ ክልቲኡ ሊግ ስጳኛን ሻምፕዮንስ ሊግን ተዓዊታ።

እንተዀነ፡ ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም እያ ሻምፕዮን ኮይና። ካብ ዓወት ክለብ ስጳኛ ነጺልካ ኣይትረአን፤ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ብልጽቲ ተጻዋቲት እቲ ውድድር ኰይና። ንሳ ጓል 25 ዓመት ኮይና፡ ክቡር ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ተዓዊታ፡ ብልፅቲ ተጻዋቲት ዩኤፋ ዝብል ዘውዲ'ውን ደፊኣ።

ኣብ ሜዳን ካብ ሜዳ ወጻእን ዓው ኢላ ድምፃ ክተስምዕ ዘይትፈርሕ ቦንማቲ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ትቃለስ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ ልዊስ ሩብያለስ ንሓንቲ ተጻዋቲት ጀኒ ሄርሞሶ ኣብ ከንፈራ ብምስዓሙ ምኽንያት፡ ዓወት ዋንጫ ዓለም ሃገራ ትኹረት ኣብ ዝሰኣነለሉ እዋን፡ ቦንማቲ ነቲ ኣብ ዩኤፋ ዘስመዐቶ መደረ ንወዲ ጋንትኣን ንኻልኦት ተመሳሳሊ ብድሆታት ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮን ደገፍ ንምርኣይ ተጠቒማትሉ።

ዛንዳይል ንድሎቩ

ዛንዳይል ንድሎቩ, ደቡብ ኣፍሪቃ

መምህር ምሕባስ

ዛንዳይል ንድሎቩ፡ ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ መምህር ምሕባስ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ምዃና መጠን፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ተበጻሕነት ውቅያኖስ ክህልዎም ክገብር ድሌት ኣለዋ።

ንሳ፡ መስራቲት 'ዘ ብላክ መርመይድ ፋውንዴሽን' እያ። እዚ መስሪታ። እቲ ፋውንዴሽን፡ መንእሰያትን ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ናብቲ ውቅያኖስ ንኽበጽሑ ዘተባብዕ ኰይኑ ሓደስቲ ሰባት ነቶም ቦታታት ከም መዘናግዒን ከምኡ'ውን ንሞያን ንስፖርትን ንኽጥቀሙሎም ንምሕጋዝ ዝዓለመ'ዩ።

ንድህሎቩ ዳህሳሲት ውቅያኖስ፡ ተራኺት ዛንታን ኣፍራይት ፊልምን እያ። ነዚ ክእለት እዚ ተጠቒማ ሓደስቲ ወለዶ ሓለውቲ ውቅያኖስ ኣብ ምቕራጽ ትሕግዝ። እቶም ሓለውቲ ውቅያኖስ፡ ብዛዕባ ብከላ ውቅያኖሳትን ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕርን ዝርድኡን ኣብ ምክልኻል ከባቢኦም ዝሳተፉን እዮም።

ብዛዕባ ብዝሒ ድምጽታት መንእሰያት ምሕሳብ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ንምፍጣር ምብጋስ፡ ብዛዕባ ቅልውላው ክሊማ ክሐስብ ከለኹ ተስፋ ዝህበኒ ነገርዩ።

ዛንዳይል ንድሎቩ

አሊስ ኦስማን

አሊስ ኦስማን, ዓዲ እንግሊዝ

ጽሓፊት ፊልም

ናይ ምዝንጋዕ እስፖርታዊት፡ ጸሓፊት እስክሪን፡ ዝተሸለመት ደራሲት፡ ገላጺት - ኢላስትረይተር፡ ከምኡውን ጸሓፊት ፊልም ኣሊስ ኦስማን፡ ንቘልዑ ብሉጽ ስእላዊ መግለጺ ዘለዎ ልቢ ወለድ ዘቕረበት ሰብ እያ። ብዘይካዚ፡ ንኤልጂቢቲኪው+ (ንግብረሰዶማውያን ደቀንስትዮን ተባዕትዮን፡ ንጭደል (ኣይጓል ኣይወዲ) ካልእን ጾታዊ ምርጫን ድሌትን ዝሓቁፍ)፡ ኣብ ኔትፍሊክስ ናብ ኤሚ ተሸላሚ ዘብቀዐት፡ ናይ ተለቪዥን መደብ ዝቐየረት እያ።

ንሳ ኣብ ኩሉ መድረኽ እቲ ፊልም፡ ንነብሲ ወከፍ ክፋል ምርኢት ብምጽሓፍ ኣብ ድርሰትን ሙዚቃን ከይተረፈ ተሳቲፋ እያ።

ንሳ ገና ጓል 19 ዓመት እንከላ ንመንእሰያት ዘተኮረ፡ ስቕታ ሬድዮ፡ ፍቕሪ ኣልቦን ሶሊቴርን እተሰምየ ዝተፈላለየ ልቢ ወለድ ጽሑፋት ብምፍራይ ልዑል ተፈላጥነት ረኺባ።

ብመጻሕፍታ ናይ ዋይኤ፡ ኢንኪ፡ ከምኡ እውን ናይ ካርኔጊ መዳልያን ጉድ ሪድስ ዝተፈላለየ ሽልማት ረኺባ።

ሃርማንፕረት ካውር

ሃርማንፕረት ካውር, ህንዲ

ተጻዊቲት ክሪኬት ስፖርት

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ሃርማንፕረት ካውር፡ ሓንቲ ካብተን ዊስደን ኣብ እተባህለ ሓሙሽተ ናይ ክሪኬትስ ጸወታት ጸብለል ዝበለት ናይ መጀመርታ ህንዳዊት ጓለንስተይቲ ኮይና ኣላ።

እዛ ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ክሪኬት ህንዲ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝግበር ግጥማት ዝለዓለት ኣመዝጋቢት ጎል እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ጸወታታት ክሪኬት ኮመን ወልዝ [ 56 ወለንታዊ ማሕበር ሃገራት ግዝኣት እንግሊዝ ነበር ] ኣብ ዝተገበረ ጸወታ እታ ንሳ እትመርሓ ጋንታ ብሩር መዳልያ ንኽትዓትር ልዑል ኣበርክቶ ገይራ።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተገብረ ናይ ደቀንስትዮ ናይ መመረቕታ ውድድር ፕሪመር ሊግ ንህንዳውያን - ሙምባይ መሪሓ ተዓዊታ።

ኣብ 2017፡ ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ህንዲ ምስ ኣውስትራልያ ዘካይዳኦ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ካብ 115 ኮዓሳሱ 171 ነጥብታት ብምምዝጋብ ንጋንታኣ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ንኽትበጽሕ ስለዝሓገዘት ስማ ጸብለል ኢሉ።

ቢያንካ ዊልያምስ

ቢያንካ ዊልያምስ, ዩናይትድ ኪንግደም

ኣትሌት

ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ 4x100 ሜትሮ (ቅብብል በትሪ) ኤውሮጳን ኮመንዌልዝን ዝኾነት ቢያንካ ዊልያምስ ኣብ ሻምፕዮን ጋንታታት ኤውሮጳ 2023 ሓለቓ ጋንታ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን እያ ነይራ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ናይ 200 ሜትሮ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ምስ ጋንታ ብሪጣንያ ክትስለፍ ቦታኣ ኣውሒሳ

ንሳን መጻምድታ ኣትሌት ሪካርዶ ዶስ ሳንቶስን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ኣብ ለንደን ብኣባላት ፖሊስ ተታሒዞም ተፈቲሾም።

ዊልያምስን ዶስ ሳንቶስን ንፖሊስ ብዓሌታውነት ብምኽሳስ ወግዓዊ ጥርዓን ኣቕሪቦም። ክልተ መኮንናት ከኣ ብኸቢድ ጉድለት ስነ-ምግባር ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ ስራሕ ተባሪሮም።

ክሂነ ሀኒን ዋይ

ክሂነ ሀኒን ዋይ, ምያንማር

ተዋሳኢት

ቅድሚ ኣስታት 25 ዓመታት ኣብ ሚያንማር ከም ተዋሳኢት ዝጀመረት ካይን ህኒን ዋይ፡ ኣብ 'ሳን የ' እትብል ፊልም ከም መሪሕ ተዋሳኢት ዘርኣየቶ ብቕዓት ስዒቡ ተፈታዊት ክትከውን ክኢላ'ያ። ቀጺላ ድማ ኣብ ሲነማ በርማ ሓንቲ ካብተን ዕዉታት ተዋሳእቲ ኰይና።

ይኹን'ምበር፡ ሕጂ ብ ግብረ-ሰናያዊ ንጥፈታታ እያ ዝያዳ ትፍለጥ። ኣብ 2014 ዘኽታማትን ዝተገደፉ ህጻናትን ምሕብሓብ ዝርከብዎ ዝተፈላለዩ ዕላማታት ዝድግፍ 'ካይን ህኒን ዋይ ፋውንዴሽን' ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ መስሪታ።

ብስርሓ ኣቢላ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወለዶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክድግፍዎም ዘይክእሉ ኣስታት 100 ህጻናት ትኣልይ ኣላ።

ህኒን ዋይ ከም ኣምባሳደር ምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት እውን እናገልገለት ትርከብ።

ኣንድሬዛ ደልጋዶ

ኣንድሬዛ ደልጋዶ, ብራዚል

ሓላፊት ሙዚቃን ባህልን

ኣብ ናይ ዋዛ መጽሓፍ መድረኻት ዝረኸበቶ ተሞክሮኣ፡ ኣብ ወሰናሰን ሳኦ ፓውሎ ንዝርከቡ ድኻታት ንምክፋል ዝዓለመ ኣንድሬዛ ደልጋዶ፡ መደብ 'ፔሪፋኮን' ንምጅማር ዓብዪ እጃም ተፃዊታ።

እዚ ነጻ መደብ፡ ኣብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ከም ባህላውያን ተገይሮም ዕሽሽ ዝበሃሉ ዋዛ ጸሓፍቲ፣ ስነጥበባውያንን ካልኦት ደረስትን ብራዚላውያን ዘተኮረ እዩ።

ዋዛ መጻሕፍቲ፣ ቪድዮ ጸወታታት፣ ኮንሰርታትን ካልእ "ባህላዊ ፀዋታትን"ንዘካተተ ሳልሳይ መድረኽ ፐሪፋኮን ኣብ 2023 ዝተኻየደ ዀይኑ፡ ኣብቲ መደብ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ተረኺቦም።

ደልጋዶ ከም ሓንቲ ዩቱበርን ፖድካስተርን፡ እዞም መድረካት ማሕበራዊ ሚድያታት ብምጥቃም፡ ብፍላይ ኣብ ስራሕ ጸለምቲ ስነጥበባውያን ኣተኲራ፡ ኣብ ብራዚል ተበጻሕነት ባህሊ፡ ዲሞክራስያዊ ንምግባር ድምጺ ዀይና እያ።

ደሳክ ሜድ ሪታ ኩሱማ ደዊ

ደሳክ ሜድ ሪታ ኩሱማ ደዊ, ኢንዶንዥያ

ሓኳሪት እምባታት

ኣብ ባሊ ተማሂርት ቤት ትምህርቲ መባእታ ኣብ ዝነበረትሉ ደሳክ ሜድ ሪታ ኩሱማ ደዊ ናብ ሓደ ምሕኳር ናብ መንደቕ ዝካየደሉ መደብ ተዓደመት፡ ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዛ ከኣ ፍቕሪ ምሕኳር ክሓድራ ክኣለ።

ኣብ ናይ መጀመርታ ዘካየደቶ ውድድር ዓወት ክትጎናጸፍ ክኣለት፤ እዛ ኣብ ኢንዶንዥያ 'ንግስቲ ምሕኳር እምባታት' እናተበሃለት እትጽዋዕ ደሳክ ሜድ ሪታ ኩሱማ ደዊ ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ምሕኳር ንውድድራ ብ6 ደቆቕን 49 ካልኢትን ብምዝዛም ክብረ ወሰን ዓዳን ዓለም ክትሕዝ ክኢላ ኣላ።

በዚ ሎሚ ዓመት ዘመዝገበቶ ዓወት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2024 ዘሳትፋ ዕድል ረኺባ ኣላ፡ ናብ ሓደ ብራኸ ብዝቐልጠፈ ምሕኳር ንምጀመርታ ግዜ እዩ ኣብ ኦሎምፒክ ክካየድ።

እዛ ሓኳሪት ነታ ኣብ ባዲመን፡ ምልዓል ክብደትን ምውርዋር ቀስትን ጥራይ ኣብ ኦሎምፒክ ዓወተ ዘመዝገበት ኢንዶንዥያ ታሪኻዊ ዓወት ከተምጽኣላ ዓቢ ትጽቢት ተነቢርዋ ኣሎ።

ኣን ግራል

ኣን ግራል, ፈረንሳ

ኮሜድያን

ክለብ ኮሜዲ ግሪንዋሺንግ ንጉዳያት ከባቢ ከምኡ'ውን ንኣንስታዊ ጥብቅና ወይ ፌሚኒዝም፡ ድኽነት፡ ጉድኣት ኣካልን መሰላት ኤልጂቢቲኪዩ+ን ዝምልከት እኽብካብ ኮመድያን እዩ።

ብስታንድ-ኣፕ ኮሜድያን ኣን ግራል ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ንሳ ኮሜዲ ኣቢሉ ለውጢ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ምዝራእን ዋላ ንልምዶም ምጽላውን ከም ዝከኣል ትኣምን።

ኣብዚ ብመዘናግዒ ዝድረኽ፡ ጽፉፍ ኣምርን ሓጸርቲ መልእኽትታትን ዝዓብለሉ ሕብረተሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምግናንን ዝምርኮስ ዋዛ፡ ኣብ ዙርያ ለውጢ ክሊማ ሓሳባት ንምክፋል ብሉጽ መሳርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣን ግራል ትኣምን።

ዓወት ክለብ ኮሜዲ ግሪንዋሺንግ ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ ምኽንያቱ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ከም ዝጭነቑን፡ ተኣኪቦም ክስሕቑን ነቲ ቃልሲ ንምቕጻል ድሉዋት ኰይኖም ካብቲ ምርኢት ክወጹን ከም ዝደልዩ ዘመልክት እዩ!

ኣን ግራል

ኣመሪካ ፌሬራ

ኣመሪካ ፌሬራ, ኣመሪካ

ተዋሳኢት

ኣብ ዓለም መዘናግዒ ብቕጽበት ዝልለይ ገጽ ዘለዋ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ተዋሳኢት፡ ዳይረክተርን ኣፍራዪትን ኣመሪካ ፌሬራ፡ ብዝተፈላለየ ስሙይ ተራታት ትፍለጥ - ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ክብረወሰን ዝሰበረት 'ባርቢ፡ ሪል ወመን ሃቭ ከርቭስ' እትብል ፊልምን ውርይቲ ተኸታታሊት ፊልም 'ኣግሊ ቤቲ'ን ተሳቲፋ እያ።

ኣብ 'ኣግሊ ቤቲ' ብዝተጻወተቶ ተራ፡ መሪሕ ተዋሳኢት ሽልማት ኤሚ ዝዓተረት ዝነኣሰት ሰብን ፈላመይቲ ላቲናን ክትከውን ክኢላ'ያ። ንነዊሕ እዋን ተጣባቒት ዝዀነት ፌሬራ፡ ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ፊልም ዝያዳ ውክልና ክህልወን ኣድላዪ ምዃኑን ድምጻ ተስምዕ።

ጓል ስደተኛታት ሆንዱራሳውያን ኰይና፡ 'ፖደርስታስ' ብዝተበሃለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኣቢላ ህይወት ላቲናውያን ኣብ ኣመሪካ ንክመሓየሽ ጎስጓስ ትገብር።

ካሚላ ፒረሊ

ካሚላ ፒረሊ, ፓራጓይ

ኣትሌት ኦሎምፒክ

ፍሉይ ክእለታ ኣብ ውድድር ሄፕታትሎን እኳ እንተዀነ፡ ካሚላ ፒረሊ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዘሳተፈት 100 ሜትሮ መሰናኽል ምውድዳር እዩ።

ብጓራኒ ፓንተር ዝብል ሳጓ እትፍለጥ እዛ ኣትሌት፡ ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ክብረወሰናት ኣትሌቲክስ ዝሓዘት ኰይና፡ ኣሰልጣኒት ስፖርትን መምህር እንግሊዝኛን እያ።

ፒረሊ ኣብ ፓራጓይ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ንከባቢ ኣብ እትግደስ ስድራቤት እያ ዓብያ፣ ኣብኡ ድማ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ብቐረባ ርእያቶ እያ።

ሕጂ ሻምፕዮን ኢኮኣትሌት ኰይና ኣላ፡ እዚ ማለት ድማ ሰባት ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ክዛረቡን ልቀት ካርቦን ንምንካይ ስጉምቲ ክወስዱን ንምትብባዕ ስፖርታዊ መድረኽ ክትጥቀም ቃል ኣትያ እያ።

እንስሳ ዘገዳም ምርኣይ ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ከተማ እየ ዓብየ። እቶም እንስሳታት ሕጂ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ምፍላጠይ የሻቕለኒ፤ ክሕግዝ ድማ ይድርኸኒ።

ካሚላ ፒረሊ

ፓራሚዳ

ፓራሚዳ, ጀርመን

ዲጀይን ኣፍራይት ሙዚቃን

ኣብ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቓውሞታት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ፓራሚዳ ባህሊ ኢራን ንደቂ ኣንስትዮ ኢራን ጸቓጢ'ዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ትቃወሞ ነይራ'ያ።

ኣብ በርሊን [ጀርመን] ትነብር ዘላ ፓራሚዳ፣ ኣብ ፍረንክፈርትን ኣብ ቴህራንን እናነበረት እንከላ'ያ ኣብ ኵትትናኣ ኣብ ሙዚቃ ዘለዋ ዝንባለ ከተላሊ ክኢላ።

ፓራሚዳ እቲ ተፍርዮ ሙዚቃ ብሳዕስዒት ዝተፈላለየ ዛንታታት'ያ ትጸዊ።

ፓራሚዳ ኣብ በርሊን ኣብ ዝረከብ ፓኖራማ ዝበሃል ዓቢ መዘናግዒ ከም ዲጀይ ኮይና ትሰርሕያ፤ ነዚ ከም ዕድል ተጠቒማ ንጾታዊ ኣድልዎን ዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ምብዳህ ትሰርሕ ኣላ።

ፖለቲካ

ሬኒታ ሆልምስ

ሬኒታ ሆልምስ, ኣመሪካ

ጐስጓሲት ኣባይቲ

ኣብ ሚያሚ ከባቢ ሊትል ሃይቲ እትነብር ማዳም ረኒታ ሆልምስ ናይ ኦ.ዩ.ኣር. (O.U.R.) ዝተበሃለ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝርከብ ንግድን ንብረትን ዝምልከት ምኽሪ ዝህብ ትካል መስራቲት ዳይረክተር እያ።

ንሳ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቘም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ብሰንኪ ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ዋጋታት ንብረት ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ ሃብታማት ነቶም ናብቲ ከባቢ ብምግዓዙም ዝተሃስዩን ካልኦት ዝተገለሉን ማሕበረሰባት መሰል መንበሪ ኣባይቲ ንክረኽቡ ትጉስጉስ።

ንበይና 11 ቈልዑ ምስ ተዕቢ ኣደኣ ዝዓበየት ሆልምስ፡ ምስ ጉድኣት ኣካል እትነብር ኣረጋዊት እያ።

ንሳ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ክሊዮ፡ ኣባል ናይቲ ኣብ ሳይንስ ብዝተመርኮሰ ትምህርቲ ስጉምቲ ክሊማ ንምልዕዓል ዝዓለመ ፕሮግራም ምሕያል ተጻዋርነት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እያ። ጉዳያት ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያንን ኣብ ጸገማት ዘለዎም ከባቢታት ዝነብራን ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ትካላት ኣባይቲ ትሕግዝ።

ከም ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣደ መሬት ዘለና ምትእስሳር ኣፍልጦ ንምሃብ ተስፋ ኣሎ። ንሕና ተጻወርቲ፡ ሓያላት፡ ሓብሓብቲ ኢና፤ ስጕምቲ ንወስድን ንከናኸንን።

ሬኒታ ሆልምስ

ናጅላ መሓመድ-ላሚ

ናጅላ መሓመድ-ላሚ, ምዕራብ ሰሃራ

ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮን ክሊማን

ናጅላ መሓመድ-ላሚ፡ መስራቲት ማእከል ቤተ-መጻሕፍቲ ኣልማሳር እያ። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣልጀርያ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ሰሃራውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብዛዕባ ጥዕናን ኣከባብን ክትምህር'ያ ትደሊ።

መበቆላ ኣብታ ካብ 1975 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሞሮኮ ዝነበረት መግዛእቲ ስጳኛ ነበር ምዕራባ ሰሃራ እያ፤ ስድራኣ፡ ካብ ዓመጽ ሃዲሞም ናብ ስደት ክኸዱ ተገዲዶም'ዮም።

ኣብተን መዓስከራት ተወሊዳ ዝዓበየት ናጅላ መሓመድ-ላሚ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነታ እንግሊዝኛ ተማሂራ፡ ንልኡኻት ወጻኢ ሃገራት ትሩጅማን ኰይና ሰሪሓ፤ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ገንዘብ ብምውህላል ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክትመሃር ክኢላ።

ብዘላቒ ልምዓትን መጽናዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ምስ ተመረቐት፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰሃራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ እናገደደ ዝመጸ ሕጽረት ማይን መግብን ንኽምክቱ ክትሕግዝ ናብተን መዓስከራት ተመሊሳ።

ኣባይትና ብቐጻሊ ብውሕጅን ሑጻን ክዓኑ፡ ህዝብና ድማ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ሙቐት ክሳቐ ኣብ ዝረኣየሉ በረኻዊ ዞባ፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ለውጢ ክሊማ ክንምክት ይግባእ። እዚ ኩሉ ዝዀን ዘሎ፡ ህዝብና ኣብ ቅልውላው ክሊማ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኣበርክቶ ኣብ ዘይገበረሉ እዋን'ዩ።

ናጅላ መሓመድ-ላሚ

ታማር ሙሰርዲዘ

ታማር ሙሰርዲዘ, ጆርጅያ

ጋዜጠኛ

ታማር ሙሰርዲዘ ጓል 18 ዓመት እንከላ'ያ ኣብ ተለቪዥን መደባት ተቕርብ ነይራ። እንተዀነ ጓል 31 ዓመት ምስ ኣኸለት ኵሉ ነገራ ተቐይሩ፡ እቲ እዋን እቶም ዘዕብይዋ ዝነበሩ ስድራ ወለዳ ከምዘይኮኑ ዝፈለጠትሉ'ዩ ነይሩ።

ነቶም ቀንዲ ወለዳ ንምርካብ ከኣ ዘይፈንቀለቶ እምኒ ኣይነበረን። ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ተፍትሽ ከኣ ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣብ ጆርጅያ ብዙሓት ብጸሊም ዕዳጋ ከምዝመጽኡ ክትርዳእ ክኢላ።

ኣብ ፌስቡክ 'I'm seraching' ዝብል ዓምዲ ብምድላው ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ቈልዑ ንምዕባይ ዝግበር ዝነበረ ሽርሒን ቈልዑ ካብ እንዳ መወለዳን ተሰሪቘም ይውሰዱ ምንባሮምን ዘቃልዕ መዳባት ከተቕርብ ጀሚራ።

ታማር ሙሰርዲዘ ዘበገሰቶ ሓሳባትን ዝደኸመትሉን ኣማኢት ህጻናት ስድራኦም ከምዝረኽቡ ገይራ ንሳ ግን ዕድል ኣይገበረትን ክሳብ ሕጂ ስድራኣ ኣብ ምድላይ'ያ ዘላ።

ሞኒካ ማክዊልያምስ

ሞኒካ ማክዊልያምስ, ዩናይትድ ኪንግደም

ፖለቲከኛን ተደራዳሪ ሰላምን ነበር

ሎሚ ዓመት ናይቲ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝተፈረመ ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት መበል 25 ዓመት እዩ። ሞኒካ ማክዊልያምስ እቶም ብዙሓት ውድባት ናብቲ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ከም መሪሕ ተደራዳሪት ወሳኒ ተራ ተጻዊታ'ያ።

ንሳ ነቲ ጉጅላዊ ምፍልላይ ሰጊሩ ወሳኒ ድንጋገታት እቲ ነቲ ውዕል ሰላም ዘተኣታተወ ልፍንቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣየርላንድ ዝተበሃለ ፖለቲካዊ ውድብ ብሓባር መስሪታ።

ኣብ ቀዳማይ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል ሰሜን ኣየርላንድ ተመሪጻ፤ ከም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኣየርላንድ ድማ ምኽሪ እማመ መሰላት ሰሜን ኣየርላንድ ነዲፋ።

ማክዊልያምስ ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ኮሚሽነር ምብታን ዕጡቓት ጉጅለታት ኰይና እናገልገለት ትርከብ። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዓመጻት'ውን ብዙሕ ጽሑፋት ኣሕቲማ'ያ።

ኡላንዳ ምታምባ

ኡላንዳ ምታምባ, ማላዊ

ጐስጓሲት ኣንጻር መርዓ ትሕቲ-ዕድም

ኡላንዳ ኣብ ማላዊ ኣብ ዝርከብ ሊሎንግወ ዝብሃል ሕብረተሰብ'ያ ዓብያ፤ እዚ ሕብረተሰብ እዚ ኸኣ ንደቂ ኣንስትዮ ንምምሃር ተገዳስነት ዘየርኢ ሕብረተሰብ'ዩ። ከም መርኣያኡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዕድመአን 18 ከይኣኸላ'የን ትምህርቲ ዘቋርጻ።

ኡላንዳ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሕብረተሰብ በዲሃ ዩኒቨርስቲ ወደኣ ኣብኡ ከይትሓጽት ከኣ ብማስተርስ ክትምረቕ ክኢላ'ያ።

ኡላንዳ ንዘለዋ ተሰማዕነትን ትምህርትን ተጠቒማ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽልክል ሕጂ ከምዝተኣታቶ ብምግባርን እተን ትሕቲ ዕድመ እንከለዋ ዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ሕርሲ ከጋጥምን ዝኽእል ጥሕናዊ ጸገማት ንምፍታሕ ከኣ ተወሳኺ ወፍሪ ንኽግበር ኣበርቲዓ ጽዒራ፡ ተዓዊታትሉ ድማ!

ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገራ ማላዊ ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምምሃር ዕድል ንኽረኽባ ዝሰርሕ ትካል AGE Africa ዳይረክተር ኰይና ትሰርሕ ኣላ።

ሰፒደህ ራሽኑ

ሰፒደህ ራሽኑ, ኢራን

ጸሓፊትን ስነጥበባዊትን

ሰፒደህ ራሽኑ ኣብ ኢራን፡ ነቲ ግዴታዊ ሕግታት ሂጃብ ብምቅዋም እያ ትፍለጥ።

ኣብ ኣውቶቡስ ምስ ሓንቲ መሸፈኒ ርእሲ ክትጥቀም ክተገድዳ ዝፈተነት ሰበይቲ ድሕሪ ምብኣሳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ገጻ ምስ ዝነበረ ስንብራት ኣብ መንግስታዊ ቲቪ ቀሪባ ንባህርያታ 'ይቕሬታ ክትሓትት' ተራእያ። እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 እዩ - ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኢራን ቅድሚ ምሟታ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ራሽኑ፡ ብዘይ መሸፈኒ ርእሲ ዝተሳእለቶም ስእልታት ኣብ ኢንተርነት ድሕሪ ምክፋላ ተኸሲሳ። ብዘካየደቶ ጎስጓስ ካብ ዩኒቨርስቲ ተኣጊዳ ከም ዘላ ትገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ'ያ፤ ነቲ ግዴታዊ ሕጊ ሂጃብ ምብዳህ ድማ እናቐጸለት ትርከብ።

በርናደት ስሚዝ

በርናደት ስሚዝ, ደሴታት ተርትል/ካናዳ

ተጣባቒት ስድራቤትን ዝጠፍኡ ሰባተን

ሓፍታ ኣብ 2018 ምስ ጠፍኣት፡ በርናደት ንምጥፋእ ሓፍታ ከም መበገሲ ብምውሳድ ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት ክትሓትት ጀሚራ።

ነቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለዎም ስድራቤታት ብምውካልን ነተን ኣብ ካናዳ ዝተቐተላ ደቀባትን ብምውካል ንኹሉ እናኣወሃሃደት ሕቶኣን ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ስድራቤታትን ድምጾም ከምዝስማዕ ገይራ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝሰርሕ 'Drag the Red' ዝተብሃል ትካል ብምምስራት ከኣ ኣብ ከባቢ ፈለግ ዊኒፔግ ሬሳታት ወይ መርትዖ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ምድላይ ተዋፊራ ትሰርሕ ኣላ።

በርናደት ኣብ ሓደ ኣውራጃ ናይ ካናዳ ከም ካቢነት ሴክረታሪ ኮይና ተሓርያ፡ እዚ ኸኣ ቀዳመይቲ ተወላዲት ደሴት ተርትል ናብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሐት ይገብር፡ በርናደት ሕጂ ከም ሚኒስተር ኣብይቲ፡ወልፍን ቤትኣልቦን ኮይና ትሰርሕ ኣላ።

ግሎርያ ስተይነም

ግሎርያ ስተይነም, ኣሜሪካ

ፈሚኒስት'

ግሎርያ ካብ 1970 ጀሚራ መራሒት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ 'ፈሚኒዝም' እያ።

ግሎርያ ኣብ ጉዳያት ማዕርነት ከም ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊት፡ መምህርን ውሃቢት ቃልን ብምዃን ሰሪሓ'ያ።

ግሎርያ ኣብ 1971 ምስ ካልኦት ብምዃን ዝመስረተቶ መጋዚን ክሳብ ሕጂ ይሕተም ኣሎ። ብመንገዲ እዚ መጽሔት ኣቢላ ድማ'ያ ብዛዕባ ምንቅስቓስ 'ፈሚኒዝም' ኣዕሚቋ ክትማጐትን ንዓለም ከተፍልጥን ክኢላ።

ሕጂ ጓል 89 ዓመት ኮይና ዘላ ግሎርያ፡ ሕጂ'ውን እንተዀነ ንብዙሓት ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ንዝቃለሳ ማሕበራት ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ።

ኢርያና ስታቭቹክ

ኢርያና ስታቭቹክ, ዩክረይን

ኣማኻሪት ፖሊሲ ክሊማ

ፍልጥቲ ክኢላ ፖሊሲታት ክሊማ ዝዀነት ኢርያና ስታቭቹክ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ኣካያዲት መደብ ዩክረይን ኰይና ናብ ኤውሮጳዊ ክሊማ ፋውንዴሽን ተጸንቢራ ኣላ፤ ቀንዲ ዕላማኣ ድማ ንሃገራ ድሕሪ ኲናት ንዝህሉ ምሕዋይ ሓምለዋይን ክሊማ ዝጻወሩን መፍትሒታት ምሕንጻጽ እዩ።

ነዚ ተራ ቅድሚ ምውሳዳ፡ ካብ 2019 ክሳዕ 2022 ኣብ መንግስቲ ዩክረይን ምክትል ሚኒስተር ኣከባቢ ኰይና ሓላፍነት ፖሊሲታት ለውጢ ክሊማ፡ ውህደት ኤውሮጳ፡ ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ብዙሕነት ህይወትን ሒዛ ኣገልጊላ እያ።

ብተወሳኺ ሓባራዊ መስራቲት ናይ ኢኮኣክሽንን ማሕበር ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኪየቭን ዝተበሃሉ ክልተ ፍሉጣት ዘይመንግስታውያን ትካላት ከባቢ እያ፤ ኣብ ጉዳያት ለውጢ ክሊማ ዝሰርሑ ጉጅለታት ሲቪላዊ ማሕበራት ዞባዊ መርበባት እውን ኣወሃሂዳ እያ።

ዕማምና ኣብዚ ዘለናዮ ቦታን ኵነታትን ዝከኣለና ምግባር እዩ። ንቃል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እኽተሎ እየ፡ "ኣድላዪ ብምግባር ጀምር፤ ድሕሪኡ ዝከኣለካ ፈጽም፤ ሃንደበት ድማ ነቲ ዘይከኣል ትፍጽም ኣለኻ።"

ኢርያና ስታቭቹክ

ያስሚን በንሰሊማነ

ያስሚን በንሰሊማነ, ሞሮኮ

መስራቲት Politics4Her

ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ምስጓም ዝተወፈየት ያስሚና ቤንስሊማን፡ ኣብ ፖለቲካን መስርሕ ውሳነን ተሳትፎ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዘተባብዕ ፖለቲክስ4ሄር (Politics4Her) ዝመስረተት እያ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሃገራ ሞሮኮ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ቤንስሊማነንን ትካላን ኣብ ጾታ መሰረት ዝገበረ ረድኤት ክወሃብ ጸዊዖም ነይሮም።

ንሳ፡ እቲ ሓደጋ ከጋድዶም ዝኽእሉ ከም ኣብ ድኽነት ፍርያት ወርሓዊ ጽግያት ንምርካብ ዝግበር ቃልሲን ግዱድ መርዓን ዝኣመሰሉ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዘጋጥሙ ብድሆታት ዘለለይ ማኒፌስቶ ኣሕቲማ።

መምህር፡ ኣማኻሪትን ኣባል ቦርድን ሓያሎ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ከም ምዃና መጠን፡ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኣመራርሓ ክእለተን ንኸማዕብላ ትሕግዝ። ስርሓ ድማ ካብ ትካል ደቂ ኣንስትዮ ሕቡራት ሃገራት ሃናጺ ሰላም ዝብል ሽልማት ክትረክብ ኣኽኢልዋ ኣሎ።

ዩኤል ብሩዶ ባሃት

ዩኤል ብሩዶ ባሃት, እስራኤል

ጠበቓ

ዩኤል ብሩዶ ባሃት ተሓጋጋዚት ዳይረክተር Women Wage Peace (WWP) ኮይና፡ ነቲ ልዕሊ 50 ሽሕ ኣባለት ዘለውዎ ምስራታ ሰለማዊ ምንቅስቓስ እስራኤል ነቲ ዝነበራ ድሕረ ባይታ ከም መበገሲ ብምውሳድ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣብ ምርካት ትርከብ።

ዩኤል ብሩዶ ባሃት ነቲ ኣብ 2014 ዝተመስረተ Women Wage Peace ኣብ ሞንጎ እስረኤል ፍሊስጤምን ንዘሎ ዘይምቅዳው ንፖሎቲካዊ ዘተ ንኽውዳእ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ሰላም ዘለወን ኣበርክቶ ክብ ንምባል ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ማሕበር'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት Women Wage Peace ምስቲ ብፍሊስጤማውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተመስረተ Women of the Sun ዝተብሃለ ማሕበር ብሓባር ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ዩኤል ብሩዶ ባሃት መስራቲት Women Wage Peace ቪቭያን ሲልቨር ቀንዲ ኣርአያ ከምዝኾነታ'ያ እትገልጽ።ቪቭያን ሲልቨር ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሞንጎ እስራኤላውያንን ፍሊስቴማውያንን ማዕርነት ንኽህሉ ዝሰርሐትን 7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተቐተለትን እያ።

ሹ ታውዞ

ሹ ታውዞ, ቻይና

ጎስጓሲት ምኽዛን እንቋቑሖ

ኣብ 2018 ኣብ በይዢንግ ኣብ ዝርከብ ሓደ መንግስታዊ ሆስፒታል እንቋቑሖኣ ክትኽዝን ደልያ ነይራ። እንተኾነ እታ ሹ ታውዞ ዝተብሃለት ባሕተለይቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ እዚ ከይዲ ኣብ ቻይና ንዝርከቡ ዝተመርዓዉ መፃምዲ ጥራሕ ከም ዝፍቀድ ተነጊርዋ።

ኣብ ቻይና ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ እንቋቑሐአን ናይ ምኽዛን መሰል ከም ዘለወን ብሕጊ ንምምጓት፡ ነቲ ሆስፒታል ኣብ ቤት-ፍርዲ ከሲሳቶ።

እዚ ኣብ 2019 ዝጀመረ ፈላማይ ግጥም ሕጊ፡ ኣብ ጉዳይ ትሑት መጠን ወሊድ እታ ሃገር ዘሎ ስክፍታታት ኣርእስተ ዜና ኰይኑ።

እቲ ናይ መወዳእታ ብይን ሕዚ'ውን ገና ኣብ ውንዝፍ'ዩ ዘሎ። ጉዳይ ሹ ግና፡ ብምሁራት ሕጊ፣ ሕክምናን ስነ-ምግባርን ተፀኒዑ እዩ። ሎሚ፡ ስምይቲ ተሓላቒት መሰል ምፍራይን ኣካላዊ ርእሰ ምሕደራን ባሕተሎት ደቂ ኣንስትዮ ኰይና ኣላ።

ሱሚያ ቶራ

ሱሚያ ቶራ, ኣፍጋኒስታን

ተጣባቒት መሰል ስደተኛታት

ኔትዎርክ ዶስቲ፡ ጣሊባን ኣብ 2021 ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸሩዋ፡ኣብ ኣፍጋኒስታንን ስደትን ንዝርከቡን ኣፍጋናውያን ዝተፈላለየ ጸጋታትን ኣገዳሲ ሓበሬታን ኣብ ምቕራብ ዝሰርሕ ትካል እዩ ።

መስራቲት እቲ ትካል፡ ሱምያ ቶራ፡ ከም ኣፍጋናዊት ስደተኛ ነቶም ካብ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ዘጋጥሞም ብድሆታት ኣጸቢቓ ትርድኦ እያ።

እቲ ቀንዲ ኣትኩሮኣ ከኣ ካብ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ቖልዑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽብሉ ዕድላት ምጥጣሕ እዩ።

ኣገዳስነት ናይ ትምህርቲ አዐርዩ ዝርዳእን ዝሰርሓሉን ተራ፡ ምስ ከም ው.ሕ.ሃ.ን ዓለማዊ ባንክን: ትካል ማላላ ፋንድን ምስ ሽሚት ፊዩቸርን ዝኣመሰሉ ውድባት ይዓዩ። በዚ ሽርክናታት ኣቢላ ድማ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ደቀንስትዮን ኣብ ትምህርቲ ዘተኮረ ፍሉይ ጠመተ ተካይድ።

ነዒማ ናማዳሙ

ነዒማ ናማዳሙ, ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ

ተሓላቒ መሰል ጉድኣት ኣካል

መርበብ 'ሂሮ ዉሜን ራይዚንግ' ወይ 'ማማ ሹጃ' መነባብሮ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ።

ተሓላቒት መሰል ጉድኣት ኣካል ነዒማ ናማዳሙ፡ ነቲ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ተጠቒሙ ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ዘቃልሕን ንመሰለን ክጉስጉሳ ዝምህርን ትካል መስሪታ።

ኣብ ገጠር ምብራቓዊ ኮንጎ ዝተወለደት ናማዳሙ፡ ጓል ክልተ ዓመት እንከላ'ያ ብሕማም ፖልዮ ተታሒዛ። ካብ ዓሌታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐት ፈላመይቲ ጉድእቲ ኣካል ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ኣባል ባይቶን ኣማኻሪት ሚኒስትር ስርዓተ-ፆታን ስድራቤትን እታ ሃገር ድማ ኰይና።

ማርያም ኣል-ኻዋጃ

ማርያም ኣል-ኻዋጃ, ባሕረይን/ዴንማርክ

ጐስጓሲት ሰብኣዊ መሰላት

ዴንማርካዊት-ባሕረይናዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ማርያም ኣል-ኻዋጃ ኣብ ባሕረይንን ሃገራት ወሽመጥን ፖለቲካዊ ዕረያ ንክግበር እትጽውዕ ፍልጥቲ ነጣፊት እያ።

ስርሓ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምቅላዕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣቦኣ ዓብዱልሓዲ ኣል-ኻዋጃ ንክፍታሕ ብመገዲ #FreeAlKhawaja ትጕስጉስ። ንሱ ፍሉጥ ነጣፍን ናይ ሕልና እሱርን ኮይኑ ኣብ 2011 ንደሞክራሲ ብምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብምስታፉ ንሕልፈት ተኣሲሩ ይርከብ።

ኣል-ኻዋጃ፡ ሲቪከስን ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ንሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ቦርድታት ከምኡ'ውን ንመሰላት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝጣበቕ ትካል ፍሪዳን ከምኡ'ውን ኣብ ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላትን ኣገልጊላ እያ።

ሻምሳ ኣራወሎ

ሻምሳ ኣራወሎ, ሶማልያ/ብሪጣንያ

ጎስጓሲት ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ

ሻምሳ ኣራዊሎ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንምውጋድ ብዝነበራ ተዋፍይነት፡ ብረዘንትን ቀጥታውን ናይ ኢንተርነት ቪድዮታታ ኣቢላ ትምህርን ንቕሓት ትዕብን።

ኣብ ሶማልያ ተወሊዳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ዘላ ኣራወሎ፡ ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ዕድሚኣ ተኸንሺባ። እዚ ኣገባብ እዚ ብዘይ ሕክምናዊ ምኽንያት ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ዝእለ እዩ።

ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 70 ሚልዮን ተዓዘብቲ ብምርካባ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ሓበሬታ ዘይብሉ ኮይኑ ከይተርፍ ከተረጋግጽ ትደሊ።

ሕጂ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዓጽዮም መጥቃዕቲ ዘጋጥሞም ዘለዉ ዜጋታት እንግሊዝ ትሕግዝ። ብተወሳኺ ንፖሊስ ለንደን ብዛዕባ ምግራዝ ደቂ ኣንስትዮ ምኽሪ ትህብን 'ዘ ጋርደን ፒስ' ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ክትጅምርን ቀሪባ ኣላ።

ሚቸል ኦባማ

ሚቸል ኦባማ, ኣሜሪካ

ጠበቓ፡ ደራሲትን ጐስጓሲትን

ሚቸል ኦባማ መስራቲትን ናይቲ 'Girls Opportunity Alliance' [ሕብረት ዕድላት ደቂ ኣንስትዮ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽባ ዝሰርሕ ማሕበር'ያ።

እዚ ደቂኣንስትዮ ነምህር! ብዝብል፣ ሚቸል ኦባማ ቀዳመይቲ እመቤት ኣሜሪካ ኰይና ዝመስረተቶ ማሕበር ምሉእ ደገፍ መንግስቲ ስለዝረኸበ ብደረጃ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዕድላት ትምህርቲ ንኽረኽባ ሓጊዙ አዩ።

ሚቸል ኦባማ ጐድኒ ጐድኒ እዚ ካልኦት ሰለስተ ፕሮጀክታት'ውን ተካይድ ነይራ'ያ እያ። ሓደ ካብኡ ወለዲ ጥዕና ዘለዎም ህጻናት ንኸዕብዩ ዝሕግዝ ማሕበር መስሪታ፡ ንገዳይም ወተሃደራት ኣሜሪካ ስድራኦም ኣብ ምሕብሓብ ዝነጥፍ ማሕበር'ውን መስሪታ።

ኣሊሻ ካሁያ

ኣሊሻ ካሁያ, ኤኳዶር

ተጣባቒ መሰላት ደቀባት

ኣብቲ ንጫካታት ኣማዞን ኢኳዶር ንምዕቃብ ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ተሳታፊት ዝዀነት ኣሊሻ ካሁ፡ ኣብዚ ዓመት ዓቢ ዓወት ኣመዝጊባ'ያ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ረፈረንደም፡ ኤኳዶራውያን ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ያሱኒ ኩሎም ሓደስቲ መፍረ ነዳዲ ደው ክብሉ ድምጺ ሂቦም - እዚ ውሳነ እዚ፡ እቲ መንግስታዊ ኩባንያ ነዳዲ ኣብቲ ምስ ግዳማውያን ርክብ ካብ ምግባር ዝረሓቑ ደቀባት ዝነብሩሉ ዞባ ነዳዲ ምፍራይ ደው የብል ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ዞባ ሓደ ካብቶም ኣብዛ ፕላኔት ብዙሕነት ህይወት ዘለዎም ዞባታት'ዩ።

ኣብ ያሱኒ ዝተወልደትን መራሒት ብሄር ዋኦራኒን ዝዀነት ኣሊሻ ካሁያ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ረፈረንደም ክካየድ ጎስጓስ ክትገብር ጸኒሓ'ያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኮንፈደረሽን ደቀባት ኤኳዶር ከም ሓላፊት ክፍሊ ደቂ ኣንስትዮ እናሰርሐት ትርከብ።

ለውጢ ክሊማ፡ ነገራት ኣዝዮም ዝተፈልዩ ክኾኑ ይገብር ኣሎ፣ ኣእካልና ዘጥፍእ ውሕጅ የስዕብ ኣሎ። ጸሓይ ኣዝያ ትውዕይን ድርቂ ምስ ዝፍጠርን፡ ዓቢ ክፋል መግቢና ይጠፍእ፡ እዚ ድማ ኩሉ እቲ ኣብ ዝራእቲ ዝግበር ጻዕሪ ብኹን ስለዝገብሮ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ።

ኣሊሻ ካሁያ

ናታሻ ካንዲች

ናታሻ ካንዲች, ሰርቢያ

ጠበቓን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን

ናታሻ ካንዲች፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዛ፡ ኣብ እዋን ኲናት ዓመጽ፡ ስቅያት፡ ቅትለትን ግዱድ ምጥፋእን ዝኣመሰሉ ግፍዕታት ሰኒዳ እያ።

ኣብ ቤልግሬድ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት ንስድራቤት ግዳያት ዝተፈላለዩ ብሄራት ወኪላ፡ ኣካል ንመንግስቲ ሰርብያዊ ስሎቦዳን ሚሎሰቪች ኣብ ልዕሊ ኮሶቮ ዝነበሮ ፖሊሲ ብዘይ ምሕረት ዝመርመረ ጉጅለ እያ ነይራ።

ካንዲች መስራቲት ማእከል ሰብኣዊ ሕጊ ኰይና፡ እቲ ትካል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገበናት ኲናት ዘይሻራዊ መርመራታት ብምክያድ ይንኣድ።

ንሳ ኣብ ምውዳብ መርበብ ዕርቂ ሪኮም (RECOM Reconciliation Network) ሓጊዛ እያ፤ እቲ መርበብ፡ ብዛዕባ እቶም ብገምጋም 130 ሽሕ ሰባት ዝሞቱሎም ውግኣት ባልካን ሓቅታት ንምፍታሽ ዝዓለመ እዩ።

ሩክሻና ካፓሊ

ሩክሻና ካፓሊ, ኔፓል

ጐስጓሲት መሰል ገዛውቲ

ኣብ ሃገር ኔፓል ኣባል ደቀባት ኔዋ ዝኰነት ፆታኣ ዝቐየረት [ትራንስጀንደር] ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሩክሻና ካፓሊ፡ ኣብ እዋን ቁልዕነታ ኣብ ዙርያ መንነታ ብዝነበረ ሕጽረት ሓበሬታ፡ ብዙሕ መከራ ርእያ እያ ዓብያ።

ኣብ ዙርያ ብዙሕነት ጾታን ጾታዊ ርክብን ብናይ ገዛእ ርእሳ መገዲ ባዕላዊ- ትምህርቲ ጀሚራ። ካብ ዕድመ ንእስነታ ጀሚራ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዙርያ መሰላት ኲየር ድምጺ ኰይና ጸኒሓ እያ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ተማሃሪት ሳልሳይ ዓመት ትምህርቲ ክፍሊ-ሕጊ ዀይና፡ ኣብ ኔፓል ኣብ ዙርያ ሕጋውን ቅዋማውን መሰላት LGBTQ+ ግንዛበ ንምዕባይ ብንጥፈት ትሰርሕ ኣላ።

ካፓሊ ተወላዲት ኣብ ታሪኽ ዝተገለለ ኣካል ብሄር ነዋ ዝኾነ ዓሌት ጁጊ ኰይና፡ ንህዝቢ ጁጊ ካብ ባህላዊ ገዛውቶም ብግዴታ ምስጓጐም ተቓዊማ ትቃለስ።

ኣማለ ክሎኒ

ኣማለ ክሎኒ, እንግሊዛዊት-ሊባኖሳዊት

ጠበቓ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት

ኣማል ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ሕጊ ንዝተነፍጎምን ንዝተበደሉን ጠበቓ ኰይና ብምስራሓ ዓቢ ሽልማት ክትረክብ ክኢላ'ያ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ዝሰርሓቶ ስራሕ ኣብ ኣርመንያን ዩክረይንን ንዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን፡ ኣብ ኬንያን ማላውን ንዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰታት ከምኡ ከኣ ኣብ ዩክረይን ዝተፈጸመ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ጠበቓ ኮይና ብምምጓት ፍትሒ ከተረጋግጽ ክኢላ'ያ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ምስ ኣይሲስን ኣብ ዳርፉርን ዝርከቡ ዕጡቓት ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብምውካል ኣብ ቤት ፍርዲ ደው ኢላ ብምምጓት ክትዕወት ክኢላ'ያ። ብዘይካ'ዚ ናጽነት ጋዜጠኛታት ኣብ ምሕላውን ፖለቲከኛታት እሱራት ፍትሒ ንኽረኽቡን ብሕጊ ተኻቲዓ ክትረትዕ ክኢላ'ያ።

ኣማል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኮይና ብሽማ ዝጽዋዕ 'Colloney Foundation for Justice' ዝተሰመየ ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራተ ሰብኣዊ መሰሎም ንዝተጋህሰ ሰባት ብነጻ ናይ ሕጊ ጥብቕና ዝህብ ገባሪ ሰናይ መስሪታ ትርከብ።

ሶፊያ ኮሳቸቫ

ሶፊያ ኮሳቸቫ, ሩስያ

ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ

ኣብ ፈለማ ናይ ኦፔራ መምህር ዝነበረት ሶፍያ ኮሳቸቫ ብ2010 ምስ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ተራኸበት ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ብምዃን፡ ኣብ ሩስያ ንዘጋጠመ ባርዕ መሮር ንምክልኻል ዝሕግዙ ናይ ወለንተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ማሕበረሰብ መልሚላ።

ብሳላ ጻዕራ ከኣ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 25 ወለንታውያን ጕጅለታት መጥፋእቲ ሓዊ ተመስሪተን።

እቲ ዘይመንግስታዊ ማሕበር "ዘይድለ ትካል" ተባሂሉ ብወግዒ ክሳዕ ዝዕጾ፡ ምስ ግሪንፒስ "ሓምለዋይ ሰላም!" ምስ ዝበሃል ትካል ብምትሕብባር ኣብ መላእ ሩስያ ንዘጋጥም ዝነበረ ብኣማኢት ዝቑጸር ሓደጋታት ባርዕ መሮር ኣብ ምጥፋእ ተሓባቢራ እያ ።

ኮሳቸቫ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ኣብ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ባርዕ መሮር ዘተኰረ፡ ብቛንቋ ሩስያ ዝተዳለወ፡ ናይ ወለንተኛታት መርበብ ሓበሬታ ፈጢራ እያ።

ክሊማዊ ቅልውላው ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ይብጻሕ ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ዓወት ብንእሽቶ ስጒሚ'ዩ ዝጅምር። ኣብ ብዘላ ዓለም ንሓደ ነገር ክንቅይሮ ዘይንኽእል ኰይኑ ኽስምዓና ይኽእል እዩ፤ ይኹን እምበር ኩሉ ነገር በቲ ኣብ ከባቢና እንገብሮ ለውጢ እዩ ዝጅምር።

ሶፊያ ኮሳቸቫ

ደሀና ዳቪሰን

ደሀና ዳቪሰን, ዓዲ እንግሊዝ

ኣባል ፓርላማ

ደሀና ዳቪሰን ብ2019 ፈላሚት ኣባል ፓርላማ ዓቃናዊ ሰልፊ ናይቲ ብ1885 ዝቖመ ቢሾፕ ኦክላንድ ኰነት። ብ2022 ምኒስተር ዳግመ-ምጥያስን ማሕበራዊ ምዕረያን ኬይና ሰሪሓ።

ኣብ መስከረም 2023 ሕዱር መርዘን ከም ዘለዋ ብጋህዲ ብምንጋር ብፍቓዳ ካብ ስርሓ ተሰናበተት ።

ዳቪሰን ጓል 13 ዓመት እንከላ፡ ኣቦኣ ብሓንቲ ጉስጢ ምስ ተቐትለ እያ ናብ ፖለቲካ ዓለም ተጸንቢራ። ኣንጻር ዓመጽን ጉስጥን ዝምጉትን ገበነኛታት ግቡእ መቕጻዕቲ ንኽረኽቡ ዝጉስጉስ ኦል ፓርቲይ ራርላሜንታዊ ጉጅለ ኣቚማ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንሕዱር ሕማም መርዘንን መንሽሮ ጡብን ዝፍውስን ጠንቅታቱ ዝምርምርን ኣብ ምምሕያሽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘተኮረ ጎስጓስ ጀሚራ።

ቤላ ጋልሆስ

ቤላ ጋልሆስ, ቲሞር-ለስተ (ምብራቕ ቲሞር)

ጎስጓሲት ፖለቲካ

ደፋር ጎስጓሲት ቤላ ጋልሆስ፡ ሃገራ ቲሞር-ለስት ቅድምን ድሕሪ ኣብ 2002 ካብ ኢንዶኔዥያ ናጽነታ ምርካባን ኣብ ዝገበረቶ ስግግር ወሳኒ ግደ ነይሩዋ።

ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረትሎም ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም እናተዘዋወረት ህዝባ መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ክኽበረሉ ጎስጕሳ። ቲሞር-ለስት ነጻ ምስ ወጽአት ድማ ናብታ ብሰንኪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ልዕሊ ፍርቂ ዜጋታታ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነበሩ ሃገራ ተመሊሳ ኣብ ዳግመ ህንጸት ተሳቲፋ።

ኣብ 2015 ሊውብሎራ ግሪን ዝተባህለ ዘላቒ ዕብየት ዘላልይን ቆልዑ ሃዋርያት ለውጢ ክኾኑ ዘበረታትዕን ቤት ትምህርቲ ከፊታ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መዳይ ቁጠባዊ ዕብየት ደቂ ኣንስትዮ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ቲሞር-ለስት ኮይና እተገልግል ዘላ ጋልሆስ ፍልጥቲ ድምጺ ማሕበረሰብ ኤልጂቢቲኪው+ እውን እያ።

ሪና ጎኚ

ሪና ጎኚ, ጃፓን

ወተሃደር ነበር

ኣብ 2011 ድሕሪ ዘጋጠመ ቀዛፊ ምንቅጥቓጥ መሬትን ሱናሚን ኣብ ዝነበረ ምግዓዝ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት ነታ ጓል 11 ዓመት ሪና ጎኚ ሓጊዘንኣ። ካብታ ፃት ጀሚራ ድማ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ጃፓን ክተግልግል ሓሊና።

መኰነን ኰይና፡ "መዓልታዊ" ብዘጋጠማ ፆታዊ ትንኰያ ግና፡ ናይ ቁልዕነት ሕልማ ተሓምሺሹ።

ጎኚ፡ ኣብ 2022 ካብ ሰራዊት ብምውፃእ ንተሓታትነት ዝፅውዕ ህዝባዊ ጎስጓስ ጀሚራ። እዚ፡ ኣብዚ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ማሕበረሰብ ዝኸበደ ዕማም'ዩ። ውፃእ መዓት ፆታዊ መጥቃዕቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመን እንተድኣ ተዛሪበን፡ ጨካን ግብረ መልሲ እዩ ዘጋጥመን።

ናታ ጉዳይ፡ እቲ ሰራዊት ውሽጣዊ ምርመራ ከካይድ ዝደረኸ እንትኾን፡ እዚ ድማ ካልኦት ልዕሊ 100 ጥርዓናት ምግፋዕ ኣስዒቡ። ድሒሩ፡ ሚኒስትር ምክልኻል ንጎኚ ይቕረታ ሓቲቱ'ዩ።

ሶንያ ጓጃጃራ

ሶንያ ጓጃጃራ, ብራዚል

ሚኒስተር መንግስቲ

ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ መሰላት ደቀባት ብራዚል ፍልጥቲ ዝዀነት ሶንያ ጓጃጃራ፡ ኣብ 2023 ንፈለማ እዋን ሚኒስተር ደቀባት ኰይና፤ ብሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሉላ ዳ ሲልቫ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ሽመት ብዝብል ናእዳ ረኺባ'ያ።

ሓደ ካብቲ ብቀዳምነት ክትገብሮም ቃል ዝኣተወትሎም ድማ ኣንጻር ከባብያዊ ገበናት ዝግበር ቃልሲ እዩ።

ጓጃጃራ ኣብ ዞባ ኣማዞን ኣራሪቦያ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ካብ ዘይተማሃሩ ወለዲ እያ ተወሊዳ። ኣብቲ ከባቢ ድማ ለውጢ ክሊማ ኣብ ልዕሊ ስነ-ህይወት ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ብዝምልከት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።

ስነ-ጽሑፍ ክትማሃር፡ ከም ነርስን መምህርን ኰይና ክትሰርሕን ተጣባቒት ክትከውን ድማ ተበጊሳ። ኣብ 2022 ንፈለማ እዋን ኣባል ኮንግረስ ደቀባት ክፍለ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ኰይና።

ፍትሒ ክሊማ ከመይ ጌርና ከም እነወዓውዕን ከባብያዊ ዓሌትነት ክንቃለስን ከም እንኽእል ክንሓስብ ኣለና፣ ምኽንያቱ እቶም ንኣከባቢ ብዝበለጸ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ሰባት ቀዳሞትን ብዕንወትኡ ዝያዳ ዝጽለዉን እዮም። ንሕና ደቀባት ሓቀኛታት ሓለውቲ ብዙሕነትን ህይወትን ኢና።

ሶንያ ጓጃጃራ

ክሪስትያና ፊጉረስ

ክሪስትያና ፊጉረስ, ኮስታ ሪካ

ዲፕሎማሰኛን ተዛታዪት ክሊማዊ ፖሊሲን

ኣብ 2009 ኣብ ዋዕላ ክሊማ ከፐንሃገን ናብ ስምምዕ ምብጻሕ ምስ ተስኣነ፡ ክሪስትያና ፊጉረስ መፍትሒ ክተናዲ ተጸዊዓ።

ፊጉረስ፡ ዋና ጸሓፊት መቓን-ስራሕ ስምምዕ ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምስ ተመረጸት፡ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ስትራተጂ ክሊማ ንኽበጽሓ ንሽዱሽተ ዓመታት ውጥን ኣብ ምምዕባል ሰሪሓ።

እቲ ስርሓ፡ ዳርጋ 200 ወገናት ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስምምዕ ፓሪስ ክኽትማ ኣብ ምግባር ኣበርክቶኡ ልዑል እዩ ኔሩ። እዚ ወሰኽ ማእከላይ ዓለማዊ ሙቐት ልዕሊ እቲ ቅድሚ ኢንዱስትሪ ዝነበረ ደረጃ "ኣዝዩ ትሕቲ" 2.0 ሰልሽየስ ክኸውን ቃል ዝተኣተወሉ ዓለምለኻዊ ውዕል እዩ።

ፊጉረስ ሓባራዊ መስራቲት ናይቲ ምስ ትካላት ንግዲ ብምዃን ግብራዊ ፍታሕ ክሊማ ንምትእትታው ዝሰርሕ 'ግሎባል ኦፕቲሚዝም' እያ።

ሓድሓደ ግዜ ልዑል ሓዘን ይስምዓኒ እሞ ብስምዒታተይ ይለምስ፣ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን። ካልእ ግዜ ድማ ሕርቃን ይስምዓኒ፡ ብስምዒታተይ ተጨውየ ናብ ግብራዊ መልሲ ዝህበሉ ኵነታት ክኣቱ እደሊ። ኣብቲ ዝበለጸ መዓልታት ግን፡ ቃንዛይን ሕርቃነይን ተጠቒመ ኣብ ሱር ስምዒታተይ መልሕቕ እገብር፤ ኩላትና እንደልያ ዝሓሸት ዓለም ብሓባር ንምፍጣር ብሓይሊ፡ ፍቕሪን ትጽቢት ብዝግበረሉ ሓጐስን ስጉምቲ ንክወስድ ናብ ዓሚቝ ተወፋይነት ይቕይሮ።

ክሪስትያና ፊጉረስ

ሳይንስ፡ ጥዕናን ቴክኖሎጅን

ኣሚና ኣል ቢሽ

ኣሚና ኣል ቢሽ , ሶርያ

ወለንታዊት ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን

ኣብ ሶርያ ኣብ 2017 ዅናት ሓድሕድ ምስ ተለዓለ፡ ኣሚና ኣል ቢሽ ብወለንታኣ ኣብ ስራሓት ህይወት ኣድሕን ክትሰርሕ ተበጊሳ፡ ምስቶም 'ዋይት ሀልመት' ተባሂሎም ዝጽውዑ ጉጅለ ብምጽንባር ከኣ በቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ።

ኣሚና ኣል ቢሽ ቱርክን ሶርያን ኣብ ለካቲት 2023 ብኸቢድ ምንቕጥቓጥ መሬት ምስ ተጠቓዓ፡ ኣብኡ'ውን ብመለንታኣ ኣብ ምውጻእ ብፍርስራስ ዝተደበዩ፡ ጎረባብታ፡ ስድራኣን ካልኦትን ተዋፊራ ብተወፋይነት ሰሪሓ።

ኣሚና ሕጂ ኣብቲ ንሳ ትነብረሉ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ሰሜን ሶርያ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ፕሮጀክትታት መስሪታ ኣላ፡ እዛ ብምሕደራ ዋኒን ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዋ ኣሚና ሕልማ ሰላም ዝሰፋና ሶርያ ምርኣይን ኣብኡ ምስራሕን ምዃኑ ትዛረብ።

ኣና ሃቱነን

ኣና ሃቱነን, ፊንላንድ

ክኢላ ቴክ ጽልዋ ካርቦን

ኣና ሃቱነን፡ ኣፍቃሪት ዘላቒ ምንቅስቓስ ከም ምዃና መጠን፡ ኣብታ 2021 ሓምላይ ርእሰ ከተማ ኤውሮጳ ዝተሸለመት ከተማ ላህቲ፡ ሓምለዋይ፡ ዝጸረየ፡ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምንቅስቓስ ክህሉ ትደፍእ።

ንሳ ነቲ ኣብታ ከተማ መሬት ሓዱሽ ዝዀነ ሞዴል ንግዲ ካርቦን ትመርሕ - እዚ ዜጋታት ከም ብሽክለታ ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኣመሰሉ ንከባቢ ዝምችኡ መጓዓዝያ ብምጥቃም ረብሓ ክረኽቡ ዘኽእል ኣብ ዓለምና ናይ መጀመርታ መተገብሪ ሞባይል እዩ።

ንሳ ኣብ 'ኔትዚሮሲቲስ' ኣማኻሪት ሚዛናዊ ልቀት ዘለወን ከተማታት ኰይና ትሰርሕ፡ እዚ ትካል እዚ ከተማታት ኤውሮጳ ክሳዕ 2030 ሚዛናዊ ልቀት ንክህልወን ንኽፍትና ዝሕግዝ ትካል እዩ።

ሃቱነን፡ ኻልኦት ብዛዕባ ዘላቒ ምንቅስቓስ ተገዳስነት ክህልዎም ዝዓለመት ኰይና፡ ከም ናይ መጻኢ መጓዓዝያ ከተማታት ንእትቖጽሮ ብሽክለታ ብንቕሓት ትጣበቕ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ምምሕዳር ከተማታት፡ ዜጋታተን ዝያዳ ዘላቒ ህይወት ንኽህልዎም ብዝሰርሑ ዘደንቑ ሰባት ዝመልኣ እየን። እጃምኩም ፈጽሙ፡ ተሳተፉ፡ ኣካል ናይቲ ለውጢ ኩኑ!

ኣና ሃቱነን

ኣስትሪድ ሊንደር

ኣስትሪድ ሊንደር, ሽወደን

ፕሮፌሰር ድሕነት ትራፊክ

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ መካይን ኣብ ማእከላይ ወዲ ተባዕታይ ብዝተመርኮሰ ፈተነ-ግጭት ተጠቒመን እየን ዝስራሓ ነይረን - ዋላ'ኳ ኣሃዛት፡ ደቂ ኣንስትዮ መኪናአን ብቅድሚት እንተተጋጭያ ዝያዳ ናይ መጉዳእቲ ወይ ሞት ሓደጋ ከም ዘለወን እንተሓበሩ።

መሃንድስ ኣስትሪድ ሊንደር ነዚ ንምቕያር ሰሪሓ፤ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ማእከላይ ስፍሓት ዘለዎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሓደጋ መርመራ መሳርሒ ንምፍጣር ዝዓለመ ፕሮጀክት መሪሓ፡ እዚ ድማ ንስነ-መዋቅር ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

ኣብ ሃገራዊ ትካል ምርምር ጽርግያን መጓዓዝያን ሽወደን ፕሮፌሰር ድሕነት ትራፊክን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻልመርስ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ዝዀነት ሊንደር፡ ክኢላ ባዮሜካኒክስን ምክልኻል መጉዳእቲ ጽርግያን እያ።

ኢዛቤል ፋሪያስ መየር

ኢዛቤል ፋሪያስ መየር, ቺለ

ኣጓሳጓሲት ኣፍልጦ ዘይንቡር ንጽፈ-ጽግያት

ኢዛቤል ፋርያስ መየር፡ እቲ ዘይስሩዕ ጽግያታ ምልክት ቅድመ ንጽፈት ምዃኑ ፈጺማ ኣይጠርጠረትን፤ ይኹን እምበር ኣብ 18 ዓመት ዕድሚኣ ቅድመ ንጽፈ ጽግያት ከምዘለዋ ፈሊጣ። ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዝረአ፡ ማህደረ-እንቋቑሖ ደቀንስትዮ ብግቡእ ምስ ዘይሰርሕን ቅድሚ ዝኣገረ መፍረ ምስ ዘቋርጽን ኮይኑ፡ ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ-ኣንስትዮ ብገምጋም 1% በዚ ጸገም'ዚ ይትንከፋ።

እተን ቅድመ ንጽፈ ጽግያት ዝረኣየን ደቀንስትዮ፡ ምስተን ኣብ ስሩዕ ዕድመ ጽግያተን ዝውድኣ ደቀንስትዮ ተመሳሳሊ ስምዒትን ምልክታት እዩ ዘጋጥመን። ፋሪያስ፡ እቲ ዘጋጠማ ቅድመ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ህይወታ ብኸመይ ከም ዝጸልዋን ኦስተዮፖሮሲስ ከምዘኸተለላ ብግልጺ ተዛሪባትሉ ኣላ።

እቲ ጓል 30 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ቅድመ ንጽፈተ ጽግያት ዝዝረቡ ጽውጽዋያት ንምግታእን እቲ ጸገም እቲ ንዘጋጠመን ደቀንስትዮ ጭቡጥ ሳይንሳዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ፈላሚ ዞባዊ መርበብ ኣበጊሳ ኣላ ።

ዋንጂራ ማታይ

ዋንጂራ ማታይ, ኬንያ

ኣማኻሪት ኣከባቢ

ንመላእ ኣህጉር ኣነቓቓሒት መራሒት ዝዀነት ዋንጂራ ማታይ፡ ንማሕበራውን ከባብያውን ለውጢ ኣብ ምጉስጓስ ልዕሊ 20 ዓመታት ተመኩሮ ኣለዋ።

ንሳ ንምንቅስቓስ ሓምላይ ቀበቶ መሪሓ'ያ፤ እዚ ምንቅስቓስ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2004ን ዝዀነት ኣዲኣ ዋንጋሪ ማታይ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ኣብ ኬንያ ኣግራብ ብምትካል ደቂ ኣንስትዮ ወሰንቲ ንምግባር ዝዓለመ መበቆላዊ ትካል እዩ።

ማታይ ሕጂ ኣብ ትካል ጸጋታት ዓለም ኣካያዲ ዳይረክተር ኣፍሪቃን ዓለማዊ ምሕዝነትን ከምኡ'ውን ኣደመንበር ፋውንዴሽን ዋንጋሪ ማታይ እያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤዞስ አርዝ ፈንድ፡ ክሊን ኩኪንግ ኣሊያንስን ዩሮፒያን ክላይሜት ፋውንዴሽንን ኣማኻሪት ኣፍሪቃ ኰይና እናገልገለት ትርከብ።

ተግባር "ከባብያዊ" እዩ። ከም ኣብ ገረብ መሰረት ዝገበሩ ኣውፈርቲን ከምኡ'ውን ከም ኣብ ዙርያ ምሕዋይ፡ ተሓዳሲ ፀዓትን ዓንኬላዊ ቁጠባን ዝኣመሰሉ ዝነጥፉ ብማሕበረሰብ ዝምራሑ ስራሕቲን ክንድግፍ ኣለና። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝግበሩ ጻዕሪታት፡ እንታይ ክስራሕ ከም ዝከኣል ስለ ዘርእዩና ተስፋ ይህቡኒ።

ዋንጂራ ማታይ

ኔሃ ማንካኒ

ኔሃ ማንካኒ, ፓኪስታን

መሕረሲት

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፓኪስታን ኣዕናዊ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ መሕረሲት ኔሃ ማንካኒ ክእለታ ተጠቒማ ንምሕጋዝ ናብቶም ዝተሃሰዩ ከባቢታት ተጓዒዛ ነይራ።

ማማ ቤቢ ፋንድ' ብዘብል ናይ ግብረ ሰናይ ትካላ፡ ብውሕጅ ንዝተሃስዩ ልዕሊ 15 ሽሕ ስድራቤታት ህይወት ዘድሕኑ ናይ ሕርሲ ናውቲን ናይ መሕረሲ ክንክንን ኣቕሪባ'ያ።

ንጥፈታታት ኔሃ ማንካኒ፡ ኣብ ትሑት ጸጋታት ዘለዎም ቦታታት፡ ህጹጽ ምላሽ ኣብ ምሃብን ከምኡ'ውን ብክሊማ ኣብ ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ዘተኮሩ እዮም።

ማማ ቤቢ ፋንድ ሕጂ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብራ ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ ንህጹጽ ሕክምና ናብ ኣብ ጥቓአን ዝርከባ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን እተመላልስ ኣምቡላንስ ጃልባ ንምጅማር ዘኽእል እኹል ገንዘብ ኣዋህሊሉ እዩ።

ምስ ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ኣብ ዘጋጥሞም ማሕበረሰባት፡ መሕረስቲ ዝሰርሕኦ ስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቀዳሞት ምላሽ ወሃብቲን ተቓለስቲ ክሊማን ኢና፤ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ'ውን ኣብ ከባቢአን ዘሎ ኵነታት እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ዘድልየን ናይ መፍረይ፣ ጥንሲን ክንክን ድሕረ ሕርስን ምርካብ ክቕጽላ ከምዝኽእላ ነረጋግጽ።

ኔሃ ማንካኒ

ሩማይታ ኣል ቡሳይዲ

ሩማይታ ኣል ቡሳይዲ, ኦማን

ሳይንቲስት

ኦማናዊት ሳይንቲስት ሩማይታ ኣል ቡሳይዲ፡ ኣብ 2021 'ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣካል ፍታሕ ክሊማ ኢኽን' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቴድ ቶክ ዘቕረበቶ ጎስጓስ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ግዜ ዝተረኣየን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዓረብ ዘለዋ ተጣባቕነት ዘንጸባርቕን እዩ።

ክእለታ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ መንእሰያት ዓረብ ንለውጢ ክሊማን ማሕበር ኣከባቢ ዖማንን ተራ ንኽትጻወት ኣኽኢልዋ'ዩ።

ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ ክሊማ ዝተሓበረ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ንክህብብ ንመንግስቲ ግሪንላንድ ድማ ብዛዕባ ዘላቒ ቱሪዝም ኣማኺራ'ያ።

ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ዝበጽሐት ዝነኣሰት ዖማናዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝዀነት ሩማይታ ኣል ቡሳይዲ፡ መስራቲት 'ዎመክስ' እያ። እዚ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮ ዓረብ ክእለት ድርድር ዋጋ ዕዳጋ ንግዲ ንኸማዕብላ ይሕግዝ።

ለውጢ ክሊማ ንምብዳህ ቁጽሪ ሓደ መፍትሒ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምሕያል እዩ። ኣብ መላእ ማሕበረሰበን ዘለወን ናይ ኣርባሒነት ጽልዋ ንኣረኣእያታትን ተግባራትን ክቕይርን ነዛ ገዛና እንብላ መሬት ክከላኸልን እዩ።

ሩማይታ ኣል ቡሳይዲ

ኦሌና ሮዝቫዶቭስካ

ኦሌና ሮዝቫዶቭስካ, ክረይን

ተሓላቒ መሰል ህፃናት

ኣብ ስምባደ ኵናት ንዝርከቡ ዩክሬናውያን ህፃናት ምሕጋዝ ልኡኽ ኦሌና ሮዝቫዶቭስካ እዩ። ንሳ፡ ካብ መንጐ መስረትቲ እቲ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ዝህብ ትካል ግብረ ሰናይ 'ቮይስ ኦፍ ችልድረን' እያ።

እቲ ትካል ኣብ 2019፡ ብሩስያ ዝድገፉ ተገንፀልቲ ኣንፃር ዩክረይን ምውጋእ ኣብ ዝጀመርሉን ሮዝቫዶቭስካ ኣብ ዶንባስ ኣብ ቅድመ ግንባር ወለንታዊት ኣብ ዝኾነትሉን እዋን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ነይሩ ሰረት ዘንበረ።

እዚ ፋውንዴሽን ሕዚ፡ ኣብ 14 ማእኸላት ዝሰርሑ ልዕሊ 100 ሰብሞያ ስነ-ልቦናን ነፃ መስመራት ስልክን ኣለዎ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቑፀሩ ህፃናትን ወለድን ሓጊዙ እዩ።

ሮዝቫዶቭስካ ኣብቲ ንሽልማት ኦስካር ዝተሓፀየ ሰነዳዊ ምድላው 'ኤ ሃውስ ሜድ ኦፍ ስፕሊንተርስ' ዝተሳተፈት እንትትኾን፡ ምስ ደቂ ጋንትኣ ድማ፡ 'ዋር ስሩ ዘ ቮይስስ ኦፍ ችልድረን' ዝብል መፅሓፍ ኣሐቲማ።

ሱሚኒ

ሱሚኒ, ኢንዶነዥያ

ኣመሓዳሪት ጫካ

ኣብታ ዓቃባዊት ኣውራጃ ኣቸ ኢንዶነዥያ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ክዀና ዘይተለምደ እዩ።

ሱሚኒ ኣብ ቁሸታ ቀንዲ ጠንቂ ውሕጅ ምብራስ ኣግራብ ምዃኑን እዚ ድማ ንለውጢ ክሊማ እውን ኣበርክቶ ከምዘለዎ ምስ ተረድአት፡ ስጉምቲ ክትወስድን ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሕብረተሰብ ክትሰርሕን ወሲና።

ጉጅለኣ ካብ ሚኒስትሪ ኣከባብን ኣግራብን ፍቓድ ረኺባ፡ እዚ ድማ ማሕበረሰብ ቁሸት ዳማራን ባሩ ነቲ 251 ሄክታር ዝስፍሓቱ ጫካ ን35 ዓመታት ከተመሓድር ዘኽእል እዩ።

ሕጂ ኣሃዱ ምሕደራ ኣግራብ ቁሸት ትመርሕ ኣላ፣ እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ምቑራጽ ገረብን ዘይሕጋዊ ሃደንቲ ነብሪ ሱማትራን፣ ፓንጎሊንን ካልኦት ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳምን ንምምካት ይሕግዝ።

ኣብዚ ምብራስ ኣግራብን ሃድን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ቅልውላው ክሊማ ብሓባር ብኸመይ ከም እንምክቶ ብዝምልከት፡ ኣግራብ ዝያዳ ኣቓልቦ ክረኽቡ ይግባእ። ጫካ ዓቅቡ፡ ህይወት ዓቅቡ።

ሱሚኒ

ባያንግ

ባያንግ, ቻይና

ጸሓፊት መዝገበ-ዕለትን ተጣባቒት ዘላቕነትን

ባያንግ ካብ 2018 ጀሚራ ኣብ ስርዓተ-ማሕድሮ መዝገበ-ዕለት ክትጽሕፍን፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከቡ ዓሌታትን ለውጥታት ምንጪ ማይን ክትከታተል፡ ኵነታት ኣየር ክትምዝግብን ተኽልታት ክትዕዘብን ጸኒሓ እያ።

ኣብ ቺንግሃይ ዝተበሃለት ግዝኣት ቻይና እትነብር ባያንግ፡ ድሮ ከም ልዑል ሙቐት፡ ምምካኽ በረድን ምድረበዳነትን ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ የጋጥማ ኣሎ።

ባያንግ ኣካል መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኣከባቢ ሳንጂያንግዩዋን ኰይና፡ ኣብ ማሕበረሰባ ንጥዕናን ዘላቕነትን ትጣበቕ።

ንፍልፍላት ማያት ናይቲ ከባቢ ንምዕቃብን ካልኦት ኣብዚ ዕላማ ንክጽንበሩ ንምልዕዓልን ክትብል ድማ ከም ንከንፈር ዝኸውን ቅብኣት፡ ሳሙናን ቦርሳታትን ዝኣመሰሉ ንከባቢ ዝምችኡ ፍርያት ኣብ ምስራሕ ክእለት ኣጥሪያ'ያ።

ኣናማርያ ፎንት ቪላሮል

ኣናማርያ ፎንት ቪላሮል, ቬኑዙዌላ

ክኢላ ፊዚክስ

ኣብ ዓውዲ ፊዚክስ ንጥረ ነገራት እትመራመር ፕሮፌሰር ኣናማርያ ፎንት ቪላሮል፡ ኣብ ክልስ ሓሳብ 'ሱፐርስትሪንግ' ኣድሂባ እትሰርሕ ኮይና፡ንኹሎም ኣብ ተፈጥሮ ዝርከቡ ንጥረ ነገራትን መሰረታዊ ሓይልታትን ከም ደቀቕትን ዝንቀጥቀጡን ሰንሰለታት ጸዓት ሞዴል ብምግባር ንምግላጽ'ያ ጽዒራ።

ፎንት ዝገበረቶ መጽናዕቲ፡ ብመንጽር ኣቃውማ ንጥረ ነገርን ኳንተም ስሕበትን ክርአ እንከሎ ሳዕቤናት ናይቲ ክልሰ-ሓሳብ ኣዕሚቑዎ እዩ፡ እዚ ድማ ምስ መግለጺ ጸሊም ነዃላትን ድሕሪ እቲ ክልስ ሓሳባዊ 'ቢግ ባንግ' ንዝነበረ ቀዳሞት ህሞታትን'ውን ዝዛመድ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቬንዙዌላ ሽልማት ፋውንዴሽን ፖላር ዝተቐበለት ኮይና፡ ሎሚ ዓመት ድማ ንሽልማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሳይንስ ዩኔስኮ ተመሪጻ።

ፋቢዮላ ትረጆ

ፋቢዮላ ትረጆ, ሜክሲኮ

ስነ-ፍልጠት ጥዕና ከምኡ እውን ናይ ማሕበራዊ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ

ፋቢዮላ ትረጆ፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ብዛዕባ ማሕበራዊ ስነ አእምሮ ዝምልከት ኣካዳምያዊ ትምህርታ ክትጅምር እንከላ፡ ኣብ ሜክሲኮ ብዛዕባ ጾታዊ ባህታን ደቀንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝገልጽ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መጽናዕታዊ ምርምር ኣይተኻየደን ነይሩ።

ትረጆ ብመጽናዕታዊ ምርምራ፡ እቲ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ተድላን ክግታእን፡ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ጾታዊ ፍትሒ ንክረኽባን መንቋሕቋሕታ ኣብ ምፍጣር ጽዒራ እያ።

ንሳ፡ ገሊኡ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብዝያዳ ንጾታዊ ርክብን [ጾታዊ ኣድልዎን] ከምዘቃልዐን ትማጐት። ኣብቲ እትህቦ ሳይንሳዊ ኣስተምህሮን ዓውደ መጽናዕትታትን ምጉትን ብዛዕባ ኣቀራርጻ ቃላት: ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታትን ግብራዊ መጽናዕትታትን፡ ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ተድላን ትፍስህትን: ወይ ብዛዕባ ግብረ-ሕቡእን ብኸመይ ብእሩም ቃላት ንኽዛረቡን ከምዘለዎም ትሕግዞም ።

ስራሓታ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ጥዕናን ጾታዊ ርክብን ደቂ ኣንስትዮን ብዙሕ ዘይዝረበሉ ማሕበረ ሰብ ላቲን ኣመሪካን እተመርኰሰ እዩ ።

ሱዛን ቾምባ

ሱዛን ቾምባ, ኬንያ

ሳይንቲስት

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትካል ጸጋታት ዓለም ዳይረክተር ዝዀነት ሱዛን ቾምባ፡ ኣብ ማእከላይ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ኪሪንያጋ ዘጋጠማ ተመኩሮ ድኽነት ህጻናት፡ ህይወት ካልኦት ሰባት ንምምሕያሽ ክትሕግዝ ከም ዝድርኻ ትዛረብ።

ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ኣግራብ፡ ምሕዳስ መልክዓ ምድርን ምቕያር ስርዓተ መግቢ ኣፍሪቃን'ያ ትግደስ።

ካብ ትሮፒካዊ ኣግራብ ተፋሰስ ኮንጎ ክሳብ ደረቕ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ምብራቓዊ ኣፍሪቃ፡ ቾምባ ምስ ንኣሽቱ ሓረስቶት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብምስራሕ መሬቶም ብዝበለጸ ንኽጥቀሙሉ ትሕግዝ።

ኣብቲ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ለውጢ ክሊማ ዝያዳ ተጻዋርነት ዘለዎም ማሕበረሰባት ንምህናጽ ክእለታ ንመንግስታትን ተመራመርትን ተካፍል።

ዝያዳ ዝጸልወኒ መራሕቲ ዓለም ስጉምቲ ዘይምውሳዶም'ዩ - ብፍላይ መራሕቲ ናይተን ዝያዳ ብዙሕ ልቀት ካርቦን ዘለወን ሃገራት ነቲ ኵነታት ንምቕያር ቁጠባዊ ሓይሊ'ኳ እንተሃለዎም ንገንዘብ፡ ስልጣንን ፖለቲካን ክብሉ ድሩታት'ዮም። ነዞም ስምዒታት ንምምካት፡ ንገዛእ ርእሰይ ኣብ መሬት ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ይቐብር፡ ምስ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ምክልኻልን ምሕዳስን ተፈጥሮ ይስራሕን ስርዓታት መግቢናን ፖሊሲታትን ኣብ ምቕያር ይነጥፍ።

ሱዛን ቾምባ

ጄኒፈር ኡቼንዱ

ጄኒፈር ኡቼንዱ, ናይጀርያ

ተጣባቒ ጥዕና ኣእምሮ

ብጀኒፈር ኡቼንዱ ዝተመስረተ 'ሰስቲቫይብስ' ዝተበሃለ ብመንእሰያት ዝምራሕ ትካል፡ ዕላምኡ ዘላቕነት፡ ተዛማዲ፡ ተግባራዊን ተፈታውን ክኸውን ምግባር እዩ።

ኡቼንዱ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሰርሓቶ ስራሕ፡ ቅልውላው ክሊማ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ዘስዕቦ ጽልዋታት ኣብ ምድህሳስ ዘተኮረ እዩ።

ኣብ 2022፡ ብመጽናዕቲ፡ ጎስጓስን ንቕሓተ-ክሊማ ዘለዎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳን ኣቢላ ኣብ ኣፍሪቃውያን ስምዒታት ክሊማ ኣብ ምሕዳርን ምሕላውን ዘተኮረ 'ዘ ኢኮ-ኣንዛይቲ ኣፍሪቃ' ዝተበሃለ ፕሮጀክት ኣጣይሻ።

ምስቶም ቅኒተ-ሕሊና ንምቕያርን ነቲ ከቢድን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምቹእን ዝዀነ ንቕሓተ ክሊማ ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክነጥፉ ተጋድሰነት ዘለዎም ሰባትን ትካላትን ክትሰርሕ'ዩ ዕላምኣ።

ኣብ ቅልውላው ክሊማ ክመጽእ ከሎ ዝተፈላለየ ስምዒታት የጋጥመኒ። ዝኣክል ኣይክሰርሕን'የ፡ ግን ከኣ ኣብ ክንድኡ ዝከኣለኒ ክገብር ይኽእል'የ ዝብል ሓቂ ቀስ ብቐስ ይቕበሎ ኣለኹ። ንምትግባር፡ ምዕርፍን ንገዛእ ርእስኻ ንምዃናን ምስ ካልኦት ምትሕብባር፡ ነቶም ክሊማ ዘስዕቦም ስምዒታተይ ከዕቁብ ይሕግዘኒ።

ጄኒፈር ኡቼንዱ

ሳራ ኣል-ሳቓ

ሳራ ኣል-ሳቓ, ፍሊስጤማዊት

ክኢላ መጥባሕቲ

ዶክተር ሳራ ኣል-ሳቓ ኣብ ቓዛ እታ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ዝተመስከረላ ክኢላ መጥባሕቲ እያ፡ ኣብ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣል ሺፋ ከኣ ትሰርሕ።

ኣብ ማእከል ኵናት ኮንካ ህሩማትን ሕሙማትን ምሕካም ዝፈጥሮ ነገራት ንኹሉ ኣብ ኣብቲ ናታ ኢንስታግራም ትስንዲ ኣላ። ሳራ ኣል-ሳቓ እትሰርሓሉ ሆስፒታል ኣልሺፋ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራልን ዝካየድ ዘሎ ኵናት እዝዩ ዝተሃሰየን ሞት ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ብፍላይ ከኣ ህጻናትን ዝሰነደ ሆስፒታል'ዩ።

ሳራ ኣል-ሳቓ ኣብቲ ሆስፒታል ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ኤለትሪክ፡ ነዳዲ፡ ማይን መግብን እቲ ሆስፒታል ሕኡሙማትን ህሩማትን ክሕክም ከምዘይክኣለ ኣብ ኢንስታግራም ደጋጊማ ትሕብር ኣላ፡ ሰራዊት እስራኤል ነተ ሆስፒታል ክቆጻጸርዎ ቁሩብ ምስ ተረፎም ሳራ ካብቲ ሂስፒታል ጠቕሊላ ወጺኣ።

ሳራ ኣል-ሳቓ ኣብ ስዑድ ዓረብ ተወሊዳን ኣብኡ ዓብያን ኣብ 2010 ግን ናብ ቓዛ ከይዳ። ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ 'ኢስላሚክ ዩኒቨርስቲ' ብመዲሰን ተመሪቓ ካብ ዩኒቨርስቲ 'ሎንዶን ኵን ሜሪ' ከኣ ብጥፋሕቲ ንሞያኣ ኣማዕቢላቶ፡ ሕጂ ኣብ ቓዛ እታ እንኮ ክኢላ መጥባሕቲ ዝኾነት ጓል ኣንስትይቲ ኣይኮነትን፡ ብዙሓት ንኣሰራ ብምስዓብ ክኢላታት መጥባዕቲ ዝኾና ኣለዋ።

ሊኣን ካለን-ኣንስዎርዝ

ሊኣን ካለን-ኣንስዎርዝ, ዓባይ ብሪጣንያ

ሳይንቲስት ባሕሪ

ሳዕሪ ባሕሪ ካርቦን ናይ ምኽዛንን መዋእለ ንዓሳታት ዝዀን ፈልሲታትን ኣብ ምቕራብን ዓቕሚ ከም ዘለዎ'ኳ ዝፍለጥ እንተዀነ፡ ገለ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝርከቡ መነባብሮታት ግን ዓንዮም እዮም።

ሊኣን ካለን-ኣንስዎርዝ ሓንቲ ካብ መስረትትን እዋናዊ ዋና ኣካያዲት ስራሕን ፕሮጀክት ሲግራስ እያ፤ እዚ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንፈለማ እዋን ትርጕም ብዘለዎ ደረጃ ኣብ ሕውየት ሳዕሪ ባሕሪ ዝነጥፍ ፕሮጀክት'ዩ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ዘርኢ ንምትካል ብርሑቕ ቍጽጽር ዝግበረሉ ሮቦት ስለዝጥቀም ነቲ መስርሕ ክቐልል ይገብር፤ ካልኦት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ማይ ዝርከብ መነባብሮ ንምምላስ ዝሕግዝ ፕላን ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ኣብ ምርምር ባሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ተመኵሮ ዘለዋ ኣብ መንጐ ሞያታት እትሰርሕ ሳይንቲስት ካለን-ኣንስዎርዝ፡ ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ዕቃበን ምሕዳስን ውፉይቲ እያ።

ዝዀነ ሰብ በይኑ ክፍጽሞም ዘይከኣሎም ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፤ ሰባት ግን ብሓባር ይሰርሑን ፍልጠት ይካፈሉን ኣለዉ። ብወገነይ፡ ንሓደ ኣገዳሲ መነባብሮ ዳግማይ ክምለስ፡ ክንከላኸልን ንዅሉ እቲ ንፕላነትናን ሕብረተሰብናን ዝህቦ ረብሓታት ክንመልሶ ከም እንኽእል እፈልጥ እየ።

ሊኣን ካለን-ኣንስዎርዝ

ግላዲስ ካሌማ-ዚኩሶካ

ግላዲስ ካሌማ-ዚኩሶካ, ዩጋንዳ

ሓኪም እንስሳ

ግላዲስ ካሌማ-ዚኩሶካ ከም ተዓዋቲት ሽልማት ዩጋንዳዊት ሓኪም እንስሳታትን ዓቃቢትን፡ ነቶም ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ መነባብሮኦም ዝዓንው ዘሎን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ጎሪላታት ከረን ንምዕቃብ እናነጠፈት ትርከብ።

መስራቲትን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ዕቃበ ብህዝባዊ ጥዕና ሰባት ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል እያ። ጎሪላታትን ካልኦት እንስሳ ዘገዳምን ብሓባር ክነብሩ ብምኽኣል፡ ጥዕንኦምን መነባብሮኦምን ብምምሕያሽ ንዕቃበ ብዙሕነት ህይወት ዘተባብዕ ትካል እዩ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቁጽሪ ጎሪላታት ከረን ካብ 300 ናብ ኣስታት 500 ክብ ክብል ሓጊዛ እያ፤ እዚ ድማ ካብ ኣዝዮም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ናብ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክወርዱ እኹል እዩ ነይሩ።

ካሌማ-ዚኩሶካ ኣብ 2021 ብፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ሻምፕዮን መሬት ተባሂላ ተሸሊማ'ያ።

ኣብ ቅልውላው ክሊማ ተስፋ ዝህበኒ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣፍልጦ ኣድላይነት ህጹጽ ፍታሕ እዩ። ነዚ ቅልውላው ንምምካትን ዝሕግዙ ፈጠራዊ ኣገባባት ኣለዉ።

ግላዲስ ካሌማ-ዚኩሶካ

ሶንያ ካስትነር

ሶንያ ካስትነር, ኣመሪካ

ኣማዕባሊት ቴክኖሎጂ መመርመሪ ባርዕ ጫካ

ሎሚ ዓመት ባርዕ ጫካ፡ ንገለ ካብ ዓበይቲ ጫካታት ዓለም ዓዕንዩ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መጥፋእቲ ሓዊ ምስቲ መጠንን ዝርገሐን ናይቲ ባርዕ ንምስጓም ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሶንያ ካስትነር ኣቐዲሙ ባርዕ ጫካ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ትካል መስሪታ።

እቲ ፓኖ ኤኣይ ብዝብል ዝጽዋዕ መመርመሪ፡ ሰባት መጠንቀቕታ ክሳብ ዝህቡ ኣብ ክንዲ ምጽባይ፡ ቅድሚ ባርዕ ምልባዑ ቴክኖሎጂ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብምጥቃም ቅልጡፍ ምላሽ ንምድላው ይሕግዝ።

ካስትነር ቅድሚ ሕጂ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቴክኖሎጂ ጀመርቲ ትካላት ሰሪሓ እያ።

እቲ ተስፋ ዝህበኒ ንምእማኑ ዘጸግም ሓይሊ ምህዞ ደቂ ሰባት እዩ። ነቶም ዝኸፍኡ ጽልዋታት ቅልውላው ክሊማ ንምፍታሕ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂን ብመረድኢታት ዝምርሑ መፍትሒታትን ዘለዎም ዓቕሚ መስኪረ እየ።

ሶንያ ካስትነር

ቺዩን ዉ

ቺዩን ዉ, ሲንጋፖር

ተራኺት ዛንታ

ቺዩን ዉ፡ ከም ተጣባቒት ከባቢን ፈጣሪት ትሕዝቶን መጠን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ዘለዋ ሓሳባት ተካፍል።

ዘ ዌርድ ኤንድ ዘ ዋይልድ' ዝተበሃለ ናይ ኢንተርነት መድረኻ፡ ሳይንስ ክሊማ ዝያዳ ተበጻሒን ዘየፍርሕን ንክኸውን ዝዓለመ እዩ። ማሕበረሰባት ኣብ ለውጢ ክሊማ ስጉምቲ ንክወስዱ ንምጉስጓስ፣ ንምምሃርን ንምውፋርን ዒላማ ኣብ ዝገበሩ ትሕዝቶ የተኩር።

ንሳ፡ ዝተሓላለኹ ኣርእስታት ክሊማ ዝያዳ ቀላል ናብ ዝዀኑ ኣርእስትታት ከፋፊሉ ናይ ዘቕርብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዘተኮረ 'ክላይመት ቺዝኬክ' ዝተበሃለ ከባብያዊ ፖድካስት ሓባራዊት ኣአንጋዲት እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ናሽናል ጂኦግራፊክ መንእሰይ ዳህሳሲት እያ።

ቅልውላው ክሊማ ዝተሓላለኸን ኣዝዩ ዘፍርሕን እዩ። ንዓለም ክንከናኸን ልብና ልስሉስ ክንገብራ፡ ነቲ ዘይሰርሕ ንምፍራስን ዝሰርሕ ንምህናጽን መሳርሒታትና እናሰሓልና፡ ኣብ ክንዲ ብፍርሒ ብሓይሊ ግን ከኣ ብልኡም ናይ ምፍላጥ ድሌት ክንቀርቦ ይከኣለና።

ቺዩን ዉ

ባሲማ ዓብዱልራሕማን

ባሲማ ዓብዱልራሕማን, ዒራቕ

ወናኒት ንግዲ ሓምለዋይ ህንጻ

ኣብ 2014 ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንሰፊሕ ክፋላት ዒራቕ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ ባሲማ ዓብደልራሕማን ኣብ ኣመሪካ ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ነይራ።

ብሰንኪ ውግእ ብዙሓት ከተማታት ዓንየን እኳ እንተነበራ፡ ንሳ ግን ብስትራክቸራል ኢንጅነሪንግ ማስተርስ ዲግሪ ምስተመልሰት ግን፡ ሓገዝ እተበርክተሉ መንገዲ ረኺባ።

ንሳ፡ ኣብ ዒራቕ ንሓምለዋይ ህንጻ ዝውፈ ናይ መጀመርታ ተበግሶ ዝኾነ KESK መስሪታ። ሓምለዋይ መዋቕራት ምፍጣር ማለት፡ እቶም ሓደስቲ ጸዓት ዝይውድኡ ቴክኖሎጂታትን ንዋትን ምስ ባህላዊ ኣገባብ ህንጻ ዒራቕ ምውህሃድ ማለት ምዃኑ ተረዲኣ።

ናይ ሎሚ ኣሰራርሓ ህንጸት ንጽቡቕ ሂወት መጻኢ ወለዶታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይኣቱ ንምርግጋጽ ቆሪጻ ተላዒላ ኣላ።

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ቅልውላው ክሊማ እየ ዝጭነቕ። ዝዀነ ሰብ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ከይኰነ ከመይ ጌሩ ሰላም ክረክብ ከም ዝኽእል ካብ ምሕሳብ ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን።

ባሲማ ዓብዱልራሕማን

ኤልሃም ዮሴፊያን

ኤልሃም ዮሴፊያን, ኣመሪካ/ኢራን

ኣማኻሪት ክሊማን ጉድኣት ኣካልን

ምርኣይ ዝተሰኣና ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነት ኤልሃም ዩሴፊያን፡ ንለውጢ ክሊማ ብዝምልከት፡ ብፍላይ ንፍጻመታት ክሊማ ህጹጽ ምላሽ ኣብ ምሃብ፡ ተሳትፎ ኣካለ ጉዱኣት ንምሕዋስ ውዕዉዕ ተጣባቒት እያ።

ኣብ ኢራን ተወሊዳ ዝዓበየት ዩሴፊያን ኣብ 2016 ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዳ። ሎሚ ኣብቲ ንኣካለ ጉዱኣት ዝውክሉ ልዕሊ 1100 ትካላት ዝሓቖፈ ዓለማዊ መርበብ ዓለምለኻዊ ኪዳን ኣካለ ጉዱኣት ዓቢ ተራ እናተጻወተት ትርከብ።

ተልእኾኣ፡ ለውጢ ክሊማ ኣብ ልዕሊ ኣካለ ጉዱኣት ዘስዕቦ ጽልዋ ኣብ ዝምልከት፡ ወሃብቲ ውሳነ ብዛዕባ ግዴታታቶም ምምሃር እዩ። ብተወሳኺ ኣካለ ጉዱኣት ውልቀሰባት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ቅልውላው ክሊማ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ትጣበቕ።

ንሕና ከም ኣካለ ጉዱኣት ውልቀሰባት፡ ዋላ'ውን ኣብ ዘይመስለሉ እዋን፡ ንዝተሓላለኹ ብድሆታት ክንሰግርን ፍታሕ ክንረክብን ዘለና ዓቕሚ ብተደጋጋሚ ኣመስኪርና ኢና። ኣካለ ጉዱኣት ኣብቲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ዝካየድ ቃልሲ ኣብ ቅድሚት ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም፤ ይግባኦም'ውን እዩ።

ኤልሃም ዮሴፊያን

ካናን ዳግደቨሪን

ካናን ዳግደቨሪን, ቱርኪ

ተመራማሪትን መሃዚትን

ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ማሳቹሰትስ ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ (MIT) ሓጋዚት ፕሮፌሰር ካናን ዳግደቪረን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን መንሽሮ ጡብ ብኣግኡ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ክለበስ ዝኽእል ኣልትራሳውንድ ምሂዛ።

ንሳ፡ ካብታ ኣብ 49 ዓመት ዕድሚኣ መርመራ ዝገበረትን ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሐ መንሽሮ ጡብ ከምዘለዋ ዝተረጋገጸን ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ድማ ብሞት ዝተፈለየታን ኣሞኣ ተበጊሳ'ያ ናብዚ ምርምር ኣትያ።

ዳግደቪረን ኣብ ጐድኒ ዓራት ኣሞኣ ኮይና፡ ንመንሽሮ ጡብ ኣመና ተቓላዕቲ ዝኾና ውልቀሰባት ብተደጋጋሚ መርመራ ክግበረለን ዝኽእልን መመርመሪ መሳርሒ ዝምልከት ረቂቕ ውጥን ኣውጺኣ። እቲ ቴክኖሎጂ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ከድሕን ይኽእል እዩ።

ኢዛቤላ ድሉዚክ

ኢዛቤላ ድሉዚክ, ፖላንድ

በዓልቲ ሞያ ቀረጻ ድምፂ

ኢዛቤላ ድሉዚክ መቕድሒ ድምጺ ቴፕ ኣብ ኢዳ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ሓደ ካብቶም ነዊሕ ዕድመ ዝጸንሑን ብጽቡቕ ዝተዓቀቡን ኣግራብ ኤውሮጳ ዝኾነ ቢያሎዌይዛ ዘሎ ዘይልሙድ ድምጽታት ንምቕራጽ ትብገስ።

እታ ቀዳሒት ድምጺ ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ሞያ ዝወፈረት ጓልኣስተይቲ መንእሰይ ስለ ዝኾነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ዓይነ ስውር ምዃና እውን ፍለይቲ ይገብራ።

ድሉዚክ ስድራኣ ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኣ መቕረጺ ድምጺ ቴፕ ካብ ዝህብዋ ኣትሒዛ ንዝማረ ኣዕዋፍ ፍሉይ ቆላሕታ ኣማዕቢላ፡ ብእዝና ድማ ዓሌታት ናይ ኣዕዋፍ ምሉእ ብምሉእ ከተለሊ ትኽእል።

ንሳ "ኣብ ነንሕድሕድና ክነቕልበሉ ንኽእል ዝኾነ ይኹን ፍልልይ ብዘየገድስ" ነቲ ድምጽታት ተፈጥሮ ዝልግሶ "ንኹሉ ፅቡቕ፣ ቁንጅናን ምጽንዕናዕን" ምክፋል ፍሉይ ዕድል'ዩ ኢላ ትኣምን።

ትምኒት ገብሩ

ትምኒት ገብሩ, ኣሜሪካ

ክኢላ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ

ትምኒት ገብሩ ሓንቲ ካብ ኣዝዮም ጸለውቲ ክኢላታት ኮምፒተርን ሰብ ዝሰርሖ ብልሕን'ያ፡ ትምኒት ሓላፊትን መስራቲትን ኣብ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝሰርሕ ትካል 'Distributed Artificial Intelligence Research Institute (DAIR)፤ እያ። እዚ ትካል እዚ ነጻን ኣብ ሕብተሰብ ዝተመርኮሰን ምርምር ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ'ዩ።

ትምኒት ዓበይተ ናይ ቴክነሎጂ ትካላት ሻራውያንን ንሰብ ብገጹ ከላሊ ዝኽእል ተኽኒሎጂ'የን ዝጥቐማ ብምባልን ትካላት ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ብፍሉይ ኣብ ጸለምቲ ኣድልዎታት ይፍጽማ'የብ ብምባል ብትሪ ዝነቐፈት ክኢላ'ያ።

እዛ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለደት ክኢላ ኮምፒተር ኣብ ኢትዮጵያ ንተመሃሮኢ ብዛዕባ ፕሮግራማት ናይ ኮምፒተር ዝምህር 'ኣዲስኮደር' ዝተብሃለ ትካል ኣብል ቦርድ'ያ።

ትምኒት ኣብ ጎግል ክፍሊ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ኣብ ዝልኣለ ጽፍኢ ኣብ ዝነበረትሉ ኣብ 2020። ምስ ካልእ ሰብ ብምዃን ዘዳለወቶ ምርምራዊ ጽሑፍ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ፡ ኣብቲ ምርምራዊ ጽሑፊ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ዝጥቐመሉ ኮድ ኣድልዎታት ዝበዝሖ'ዩ ብምባል'ያ ነቒፋ።

እቲ ዘዳለወቶ ጽሑፍ ካብ መዝነት እቲ ትካል ከምእተወርድን ስራሕ ከምእትገድፎን ገይርዋ፡ እቲ ትካል ትምኒት ዘዳለወቶ ምርምራዊ ጽሑፍ ንኻልኦት ሓቕታት ዝሓዙ ተመሳሰልቲ ምርምራት ዝጎሰየ'ዩ ብምባል ትምኒት ካብ መዝነታ ከምዝወረደት'ኳ ኣንተገለጸ፡ ትምኒት ግን ንተነጽሎታትን ኣድልዎታትን ስለዘቓለዐት ካብ ስራሕ ከምዝተሰጐገት'ያ ትገልጽ።

ትራን ጋም

ትራን ጋም, ቬትናም

ወናኒት ንግዲ ባዮጋዝ

ኣብ 2012፡ ትራን ጋም ኣብ ቬትናም ኣብ ዝርከባ ሕርሻታት ዝያዳ ንክሊማ ዝምችእ ምንጪ ጸዓት ከተኣታቱ ጀሚራ።

እታ ኣደ ክልተ ቆልዑ፡ ኣብ ዕዳጋ ክፍተት ድሕሪ ምርኣያ፡ ኣብ ሃኖይ ትካላት ባዮጋዝ ብምትካልን ብምምሕዳርን ንግዲ ጀሚራ፡ ድሒራ ድማ ነቲ ስርሒት ናብ ሰለስተ ጎረባብቲ ኣውራጃታት ኣስፊሓቶ።

ፕሮጀክታ፡ ሓረስቶት ድዅዒ ላምን ሓሰማን፡ ኣብ ማይ ዝበቁል ሃይሲንት ዝተበሃለ ተኽልን ካልእ ጎሓፋትን ናብ ባዮጋዝ ብምቕያር ወጻኢታት ክቕንሱ ትሕግዞም - እዚ ድሕሪኡ መግቢ ንምብሳልን ንካልኦት ናይ ገዛ ንጥፈታትን ክውዕል ዝኽእል ኰይኑ ካብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣዝዩ ዘላቒ ምንጪ ጸዓት ከም ዝዀነ ይግለጽ።

ከም ናይ ትራን ዝኣመሰሉ ትካላት ንግዲ ንማሕበረሰባት ከባቢ ዘሳትፉን ንቃልሲ ለውጢ ክሊማ ዘድሊ ፖለቲካዊ ደገፍ ዝድርኹን እዮም።

ክንነብር ኣለና፣ ብጽቡቕ ድማ ክንነብር ይግባእ፤ ስለዚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥዕናና ብምዕባይ፣ ሚዛናዊ ኣመጋግባ ብምምጋብን ድቃሰይ ብምስትኽኻልን ንዝትፈትዎም ሰባት ክጻወርን ክንከላኸልን ፈቲነ ኣለኹ። ብተወሳኺ ሰባት ተፈጥሮኣዊ ኣነባብራ ክነብሩ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍረታትን ኣሕምልትን ከብቁሉን ኣብ ኣሕምልቲ ኬሚካላዊ ጸረ-ባልዕ ምጥቃም ክቃወሙን እላቦ።

ትራን ጋም

ክላውዲያ ጎልዲን

ክላውዲያ ጎልዲን, ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ኣመሪካዊት ኪኢላ ጥዕናን ተመራማሪት ስነ-ቊጠባን ክኢላ ዕዮን ክላውድያ ጎልዲን፡ ኣብዚ ዓመት፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ናይ ስራሕ ዕድላት ብምስፋሕን ኣብ ጾታ እተመስረተ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ክፍሊት ጋግ ብምዕያያ፡ ናይ ስነ-ቝጠባ ናይ ኖቬል ሽልማት ኖበል ተዋሂባ ።

ክላውድያ፡ ኣብ ዓለምና ነዚ ሽልማት እዚ ዝተቐበለት ሳልሰይቲ ሰበይቲ እያ። ኣብቲ ዝተዋህባ ሽልማት ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ዘይተሻረኻ ሰብ ኮይና ከኣ ተመዝጊባ ኣላ።

ክላውድያ ጎልዲን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ናይ ኢኮኖሚክስ ፕሮፌሰር ኮይና ኣብ ከም ትምህርትን ኢሜግሬሺንን ዝኣመሰለ ሕብረተሰባዊ ዘይምዕሩይነት ትሰርሕ።

ገለ ካብቲ ኣዝዩ ጸላዊ ዝጸሓፈቶ ወረቓቕቲ፡ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ንሞያን ስድራ ቤትን ዝገብረኦ ጻዕሪ፡ ከምኡ እውን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፡ ኣብ ሞያን ናይ መርዓ ውሳነን ደቂ ኣንስትዮ ዝህልዎ ጽልዋን ዘተኮረ እዩ።

ማርሴላ ፈርናንደዝ

ማርሴላ ፈርናንደዝ, ኮሎምቢያ

መራሒት ወፍሪ

ኣኻውሕ-በረድ ንማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ኣገዳሲ ምንጪታት ጽሩይ ማይ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ኮሎምብያ ግን ብቕልጡፍ ይጠፍኡ ኣለዉ።

መስራቲት 'ኩምብሬስ ብላንካስ' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝዀነት ማርሴላ ፈርናንደዝን መሳርሕታን፡ ብዛዕባ ምጥፋእ እቶም ከውሒታት-በረድ ንቕሓት የዕብዩ፤ ካብቶም ኣብ ሓደ እዋን ዝነበሩ 14 ኣኻውሕ-በረድ 6 ጥራይ ከም ዝተረፉን እዚኦም ድማ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉን የጕልሑ።

ሳይንሳዊ ወፍርታት ብምክያድን ደየብቲ ኣኽራን፡ ሰኣልቲ፡ ሳይንቲስታትን ስነጥበባውያንን ዝሓቘፈ ጕጅለ ብምውዳብን፡ ፈርናንደዝ ለውጢታት ትከታተል፤ ፈጠራዊ መገድታት ብምምዕባል ድማ ከውሒታት-በረድ ከይጠፍኡ ትከላኸል።

"ፓዛቦርዶ" ምስ ዝተበሃለ ፕሮጀክታ ብምዃን፡ ኣብቲ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ብውሽጣዊ ውግኣት ዝተሃስዩ ከባቢታት'ውን ትነጥፍ'ያ።

ኣኻውሕ-በረድ ንሓዘን፡ ንዘይህላው ክምክት ምሂሮምኒ እዮም... እንተሰሚዕኩምዎም ክሳራኦም ክንመልሶ ዘይንኽእል ዕንወት ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። ግን ሕጂ'ውን ኣበርክቶ ክንገብርን ኣሰር ክንገድፍን ንኽእል ኢና።

ማርሴላ ፈርናንደዝ

ዶ/ር ናቲለ ፕሳይላ

ዶ/ር ናቲለ ፕሳይላ, ማልታ

ሓኪም

ማልታ ኣብ ኤውሮጳ ገለ ካብቶም ዝኸበዱ ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ኣለዋ፡ ናታሊ ፕሳይላ ድማ ሓበሬታን ምኽርን ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ።

ናተለ ምስ ካልኦት ብምዃን ኣንጾር ተነጽሎን፡ ንምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ንምግባርን ኩለን ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ንኽረኽባን ዝጉስጉስ 'Doctors for Choice Malta' ዝብል ማሕበር ክትምስርት ክኢላ።

ፕሳይላ፡ ኣብታ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ጥራይ ምቁራጽ ስራሕ ዝፍቀደላ ማልታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ሕክምናዊ ክትትል ከኒና ይወስዳ ማለት'ዩ ትብል። ቅድሚ ምንጻል ጥንሲ፡ ኣብ እዋንን ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ንደቂ ኣንስትዮ ደገፍ ዝህብ ማሕበር ኣጣይሻ ኣላ።

ብተወሳኺ፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ፡ 'ዘገርም ጉዕዞ ኣካላተይ' ብዝብል ርእሲ ዝጽሓፈቶ ንደቂ 10 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዕላማ ዝገበረ መጽሓፍ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ኣሕቲማ ኣላ።

ኣሳእል ገለ ካብተን ኣብ ዓመተ 2023 ብቢቢሲ ጸለውቲ ተባሂለን ዝተሓርያ ደቂ ኣንስትዮ

100 ደቂ ኣንስትዮ እንታይ'ዩ?

ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓመታዊ 100 ጸለውትን ኣነቓቓሕትን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ይሮቍሕ፡ ካብዚ ብምብጋስ ብዛዕብአን ሰነዳዊ ፊልም፡ ታሪኸንን ምስኣን ዝተገበረ ቃለመሕተትን ንሓትን፡ እቲ ዛንታታት ንደቂ ኣንስትዮ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ ኣብ ኩሉ መደባት ናይ ቢቢሲ ከኣ ይሕተምን ይቓላሕን።

ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢንሳታግራምን ኣብ ፌስቤክን ንምክትታል #BBC100Women ጽሓፉ

እተን 100 ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ'የን ዝምረጻ?

ቢቢሲ ዘቆሞ BBC 100 Women ዝተሰመየ ጉጅለ፡ ዳህሳስ ብምክያድ ዝርዝር ኣስማት የቕርብ፡ ኩለን ኣብ ቢቢሲ ፈነወ ዘካይዳ ቋንቋታት፡ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስን ቢቢሲ ሚድያ ኣኽሽንን ይበቕዓ'የን ዝበልወን ደቂ ኣንስትዮ ዝርዝር ስም ከምዘቕርቡ ይግበር።

ብዓቢኡ ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ጸላውን ኣገዳስን ስራሕ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኢና ንሓሪ፡ ከምኡ ከኣ ዋላ ኣብ ውህሉል ይኹን መሳጥን ኣነቃቓሕን ዛንታታት ዘለወን'ውን ኣብዚ ዝርዝር ኣትየን ኣለዋ።

ብተወኺ ምስዚ ሎሚ ዓመት ንኽሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኮም28 ምኽንያት ብምግባር'ውን ኣብ ክሊማዊ ለውጥን ስነ ኣከባብን ዝቓለሳ 28 ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዝርዝር ከምዝኣትዋ ኮይነን ኣለዋ።

ብዘተኻኣለ መጠን ኣብ ኩሉ ዓይነት ዓውዲ፡ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብን ዝውክላ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኣትዋ ኮይነን ኣለዋ፡ ከም ደቂ ኣንስትዮ ስነሓሳበን ሰባት ከምዝካትዕሉን ዝተፈላለየ መርግጺ ከምዝህልዎን ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮን ፈልይ ዝበለ መንገዲ ብምውሳድ ናብ ዓወት ዝበጽሓ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብ ዝርዝር 100 ኣትየን ኣለዋ።

እዚ ዝርዝር ብዝተኻኣለ መጠን ንኹሉ ዞባታት እዛ ዓለም ከምዝውክል ንምግባራኡ ተፈቲኑ ኣሎ፡ እተን ኣብዚ ዝርዝር ኣትየን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብዚ ዝርዝር ኣትየን ምህላወን ተሓቢርወን ፍቓደኛታት ምዃነን ዝሓበራ'የን።

Ut et suscipit enim. Nam aliquam porttitor sapien elementum mollis. In quis turpis ante. Morbi et ex aliquam, ornare neque sit amet, porttitor est. Quisque eleifend consequat turpis. Curabitur ultrices luctus quam, et dapibus quam bibendum non. Praesent facilisis augue magna, eu volutpat nibh gravida et. Cras pulvinar, ligula vel consectetur molestie, lorem eros euismod arcu, sed condimentum leo metus efficitur ante. Duis eu diam semper, hendrerit est porta, tincidunt odio. Maecenas sagittis justo lacus, ac varius est dictum sit amet. Nam vitae turpis dignissim, tincidunt felis sit amet, dignissim sapien. Integer et iaculis ex. Sed rhoncus elit vitae massa facilisis venenatis.

Curabitur lorem ligula, aliquet id lorem ut, molestie consequat sem. Donec sit amet lacus sagittis, gravida nunc a, volutpat elit. Nullam elementum, leo sed gravida euismod, enim leo venenatis dolor, eget consequat nisi nisl vel tortor. Ut hendrerit non justo nec porttitor. Aenean et dolor laoreet augue vulputate commodo ac ut turpis. Morbi luctus lacinia felis at pellentesque. Interdum et malesuada fames ac ante ipsum primis in faucibus. Nullam tristique faucibus mauris, sed volutpat ante consequat nec. Proin fermentum vehicula tortor, sed bibendum lectus volutpat ac. Cras dignissim elit id aliquam consectetur.

Click here to test multiple includes on one page