newsspec-30792-olympic-fuel > app > tigrinya > core

Test Page

Core include appears below:

ቀሊል ባህርያዊን ዘይተሓላላኸን፡ ዕዉታት ማራቶን ኦሎምፒክ ዝምገብዎ።

ማራቶን ክልዓል እንከሎ ካብ ኦሎምፒክ ዝፍለ ኣይኮነን፡ ተዛሚዱ እዩ ዝኸይድ። ዘመናዊ ኦሎምፒክ ኣብ 1896 ካብ ዝጅመር ኸኣ ኣካል ናይተ ኣብ ኦሎምፒክ ዝካየድ ውድድራት ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ። እቲ ውድድር ን42.2 ኪሎሜተር መን ብዝውሓደ ግዜ ወደአ'ዩ።

ግን ብርግጽ ክንደይ ዝኸውን ጽዓት'ዮም ዘህልኹ? ኣብዚ ስፖርትን ኣመጋግባን ናብ ሳይንስ ተቐይርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ እዞም ዕውታት ናይ ማራቶን እቲ ንኽዕወቱ ሓይሊ ዝህቦም መግቢ እንታይ'ዩ?

ንኽልተ ናይ ዓለም ናይ ማራቶን ሪኮርድ ሒዞም ዘለዉ ኬንያውያን ኢሉድ ኪፕቾገን ከምኡ'ውን ብሪጊድ ኮስጋይ እንታይ ከምዝምገቡ ክንርኢ ኢና።

ንኦሎምፒክ ቶክዮ እናተለማማዱ እንከለዉ ኢና ረኺብናዮም።

ኣብዚ ብምጥዋቕ ኢሉድን ብሪጊድን ሓይሊ ንኽረኽቡን ኣብ መወዳእታ መስመር ሕንጻጽ ምስ ረገጹ ዝምግብዎምን ዓይነታት መግቢ ክትረኽቡ ትኽእሉ

1 ኩባያ ሻሂ (ምስ 3 ማንካ ሽኮር)= 90 ኪሎ ካሎሪ

ማራቶን መርሃጺ እዩ፡ ስለዚ ብፈሳሲ ንጀምር። ኣብ ኬንያ ኮንካ ኸኣ ሻሂ ቀዳማይ ሕርያ'ዩ። ኣብዚ ሻሂ ቁሩብ ሽኮር ምውሳኽ ጎየይትና ኣብ መጀመርታ ውድድር መሪሖም ንኽወጽኡ ከኽእሎም'ዩ።

ሽኮራዊ ብዙሓት ኬንያውያን ጎየይቲ ዝመርጽዎ'ዩ። ሓደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ሓደ ሕምሲት ካብቲ ካብ መግቦም ዝረኽብዎ ካርቦሃድሬት ካብ ሽኮር'ዮም ዝረኽብዎ።

እቲ ዘገርም፡ ገለ ጎየይቲ ኣብ እዋን ልምምድ ልዕሊ ማይ ሻሂ'ዮም ዝሰትዩ፡ ነዚ ውድድር ብሓሙሽተ ኩባያ ሻሂ እስኪ ንጀምሮ፡ 450 ኪሎ ካሎሪ ማለት'ዩ።

5 ኩባያ ሻሂ= 450 ኪሎ ካሎሪ

15 ማንካ ሽኮር ብዙሕ ክመስል ይኽእል'ዩ ግን ነዊኦሕ መንግዲ እዩ ዘለና

ንኣትለታትና ደልዱል መግቢ ንህበሉ ግዜ

1 ጠለብ ኡጋሊ [ግዓት ዕፉን]= 220 ኪሎ ካሎሪ

ቀዳማይ ጽቡቕ ምርጫ ፡ ኡጋሊ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝውቱር ካብ ዕፉን ዝስራሕ ግዓት'ዩ።

ቀሊል መግቢ ክመስል ይኽእል'ዩ፡ ኡጋሊ ግን ነቶም ነዊሕ ዝጎዩ ኬንያውያን ኣትሌታት እኹል ጽዓት እዩ ዝህቦም፡ ካብቲ ዘድልዮም ካሎሪ ዳርጋ እቲ ርብዒ ካብ ኡጋሊ'ዮም ዝረኽብዎ።

ኣብ ቶክዮ ክጣበቡ ኣለዎም። ብሪጊድ "እቲ ኣብ ኬንያ ንረኽቦ ኡጋሊ ኣብ ካልኦት ሃገራት የለን፡ ምናልባት ሩዝ፤ስፓጌቲ ወይ ኸኣ ስጋ ደርሆን ዓሳን ኢና ክንምገብ ንኽእል"ትብል።

እስኪ ናብቲ ቀዳማይ ምርጫ ዝኾነ መግቢ ንመለስ፡ ሓደ ጠለብ እኹል ኣይኮነን ንወስኽ።

2 ጠለብ ኡጋሊ= 440 ኪሎካሎሪ

ኡጋሊ ጽቡቕ እዩ፡ እንተኾነ እቲ ዘድልየና ጸዓት ገና ኣየዋህለልናን ዘለና።

መቸም ግዓት ኡጋሊ ንበይኑ ክንበልዖ ኣይንኽእልን ኢና፡ እንታይ መባልዕቲ ኣለዎ ክንርኢ ኢና።

1 ጠለብ ስጋ ብዕራይ= 190 ኪሎካሎሪ

ስጋ ብጠኑ ሓጋዚ'ዩ፡ እንተኾነ ሕጂ ኢና ስጉምና ንጅምር ዘለና።

ስጋ ጽቡቕ ትሕስቶ ፕሮቲን'ዩ ዘለዎ፡ ብዙሓት ነኬንያውያን ኣትሌታት ኸኣ ንፕሮቲን ካብ ጸባን ኣዳጉራን እዮም ክረኽብዎ ዝመርጹ፡ ስለዚ እዚ'ውን ኣብ ግምት ነእትዎ።

2 ኩባያ ጸባ፡ 320 ኪሎካሎሪ

ጸባ ወሳኒ'ዩ ። ጅንጅብልን ተወሳኺ ቀምንን ዝኣተዎ ሕዋስ ሻህን ጸባን'ዩ፡ ክልተ ኩባያ ኸኣ 320 ኪሎ ካሎሪ ኣለዎ።

ኢሎድ ካልእ ፈሳሲ'ውን ይወስድ'ዩ፡ "ሙሰርሲክ፤ ተመስረሐ ጸባ'ዩ፡ ነዚ እንተሰቲኻ ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ቅልጡፍ'ዩ ዝኸውን" ከኣ ይብል።

1 ጠለብ ኣዳጉራ= 120 ኪሎካሎሪ

ኣዳጉራ ምስ ኡጋሊ መኻይድቲ'ዮም፡ ኣዳጉራ መጠን ካሎሪ ክብ ኣብ ምባል ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ፡ ሓደ ጠለብ ኸኣ ክሳብ 129 ኪሎካሎሪ ኣለዎ። እቲ ዘገርም ገና ክንድቲ ዘድልየና ካሎሪ ኣይወሰድናን ኣለና፡ ድንሽ ወስኽ።

ኬንያውያን ጎየይቲ ብዙሕ ሩዝ፤ድንሽን ባንን'ዮም ዝበልዑ ነይሮም። ብገምጋም ርብዒ ካብቲ ዘድልዮም ካሎሪን መሰለስ ካብቲ ዘድልዮም ካርቦሃይድሬትስን ካብዚ ሕውስዋስ እዚ'ዮም ዝረኽብዎ ነይሮም።

2 ጠለብ ሩዝን ሓደ ጠለብ ዝበሰለ ምቁር ድንሽን= 510 ኪሎካሎሪ

ስለዚ ክልተ ጠለብ ሩዝን ሓደ ጠለብ ዝበሰለ ምቁር ድንሽን እንታይ ጸዓት ከምእንረክብ ንርአ

እዚ ንደቂ ኣንስትዩ ጎየይቲ ማራቶን እኹል ጸዓት ንኽረኽባ እኹል ድዩ?እወ

ናይ ብሪጊድ ኮሰጋይ ናይ መወዳእታ መስመር ሕንጻጽ

ብሪጊድ ኣብ 2019 ንማራቶን ቺካጎ ክትዕወት እንከላ ኣብቲ ውድድር ብገምጋም 1666 ኪሎ ካሎሪ'ያ ኣህሊኻ

ዝያዳ ንምርድኡ፡ኣብ ንቡር ግዜ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምሉእ መዓልቲ እተህልኾ ካሎሪ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓትን 14 ደቒቅን ኣህሊኻቶ ኢና ንብል ዘለና።

ሕጂ ምልስ ኢልና ናብ ኢሉድ ኪፕቾገ ንኺድ። ንሱ ብሚዛን ካብ ብሪጊድ ይኸብድ ኣብ ጉያ ኸኣ ንሱ ይቕልጥፍ፡ ስለዚ ዝያዳ ብሪጊድ'ዩ ጸዓት ከድልዮ።

ካብዚ ብምብጋስ ካብዚ ዝጠቐስናዩ መግቢ ብተወሳኺ፡ እንቋቆሖ፤ካውሎን ኣህምልትን ይምገብ።

ክልተ ዝበሰለ እንቋቖሖ፡ ሓደ ጠለብ ሓምሊ ኣድሪ፤ ሓደ ጠለብ ቆስጣን ሓደ ጠለብ ዝበሰለ ካውሎን= 260 ኪሎካሎሪ

ኢሉድ ኪፕቾገ፡ ብኽልተ ዝበሰለ እንቋቆሖን ዝተሓዋወሰ ኣሕምልትን ተወሳኺ 260 ኪሎካሎሪ ይረክብ ኣሎ።

እቲ መሳጢ ነገር እቲ ኣብ ገደናታት ዝፈሪ ከም ቆስጣን ሓምሊ ኣድርን ምስ ቀመም ተሓዋዊሱ'ዩ ቀሪቡ ዘሎ።

እቲ ካልእ ኣብ ሃገራት ምብረቕ ኣፍሪቃ ዝውቱር ዝኮነ ሓምሊ'ዩ።

ብሪጊድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት"ኣሕምልቲ ኣይንገዝኦን ኢና፡ መሬትና ልሙዕ ስለዝኾነ ኣብዚ ኢና ነፍርዮ፡ ነቲ መሬት ንምልማዕ ኸኣ ዝኾነ ከሚካል ኣይንጥቀምን ኢና" ኢላ።

ሕጂ ኣብ ምዝዛምና እዩ፡ ሕጂ ቁሩብ ሓይሊ ድርብ ዘብለልናን ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ ዘብጽሓናን ጥራይ ኢና ክንውስኽ።

1 ባናና = 100 ኪሎካሎሪ

ከም ኩሉ ሰብ ጎየይቲ'ውን ቁርሲ ይደልዩ'ዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ፍረታት እዮም ዝመርጹ

ብሪጊድ "ዝተፈላለዩ ፍረታት'የ ዝፈቱ" ድሕሪ ምባል "ሎሚ ባናና፡ ጽባሕ ብርጭቅ፡ ካልእ ግዜ ኣራንሺ፡ ብድሕሪኡ ዘሎ መዓልቲ ማንጎ" ትብል።

ልስሉስ መስተ ኣዝያ ከምእትፈቱ'ውን ተናዚዛ

ንሕጂ ናብቲ ጥዕና ዝህብ ነብል፡ ሓንቲ ባናና 100 ኪሎካሎሪ'ዩ ዘለዋ

ናይ ኢሉድ ኪፕቾገ ናይ መወዳእታ መስመር ሕንጻጽ

ኢሉድ ኪፕቾገ ኣብ 2018 ናይ ዓለም ሪኮርድ ኣብ ዝሓዘሉ ብሓፈሻ 2322 ኪሎ ካሎሪ'ዩ ኣህሊኹ

ሓደ እኹል ሰብ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 2500 ኪሎ ካሎሪ'ዩ ዘህልኽ ኢሉድ ኪፕቾገ ግን ነዚ ኹሉ ኣብ 2 ሰዓት 1 ዲቀቕን 39 ካልኢትን ኣህሊኽዎ።

ዘህልኾ ካርቦሃድረይትን ካሎሪን ኣብዚ ክትርኢ ትኽእል

መግቢ ንዓወት

ኢሉድን ኪፕቾገን ብሪጊድ ኮሰጋይን ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ መራቶን ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ክወዳደሩ'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንማራቶን ኣትሌታት ምብራቕ ኣፍሪቃ እዮም ዓብሊለሞ ዘለዉ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣመጋግባ ጆኦግራፊካዊ ብራኸ'ውን ሓደ ካብ ሮቋሒታት ዓወቶም ተባሂሉ'ዩ ዝጥቀስ።

ኢሉድ፡ ዝተመጣጠነ መግቢ ወሳኒ ምኳኑ'ዩ ሓቢርና "ኣትሌት ልክዕ ከም ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ህንጻ'ዩ፡ ሰራሕተኛ ህንጻ ስሚንቶን ሑጻን ንኸብዕጥ ጉልበቱን ኢዱን'ዩ ዝጥቐም፡ ንሕና'ውን ልክዕ ከምኡ ኢና፡ ጉልበትና ኢና ንጥቀም፡ ስለዚ ጉልበት ንኽህለወካ መግቢ ወሳኒ'ዩ"

ኣትሌታት ኣመጋግብኦም ብሳይንስ ዝተደገፈ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ዘድልዮም መጠን ካርቦሃይድረይት፡ ፕሮቲንን ካሎሪንን ካብ ምንታይ ይረኽብዎ ይፈልጡ'ዮም፡ ከምዚ ዝርኣናዮ ኸኣ ቀሊል፡ባህርያዊ መግብን ዘይተሓላላኸን እዩ።

ኩባያ ሻሂ

ኩባያ ሻሂ ኩባያ ሻሂ ኩባያ ሻሂ ኩባያ ሻሂ ኩባያ ሻሂ

5 ኩባያ ሻሂ= 450 ኪሎ ካሎሪ

15 ማንካ ሽኮር ብዙሕ ክመስል ይኽእል'ዩ ግን ነዊኦሕ መንግዲ እዩ ዘለና

ንኣትለታትና ደልዱል መግቢ ንህበሉ ግዜ

ኤጓሊ [ካብ ዑፉን ዝስራሕ ገዓት]

1 ጠለብ ኡጋሊ [ግዓት ዕፉን]= 220 ኪሎ ካሎሪ

ቀዳማይ ጽቡቕ ምርጫ ፡ ኡጋሊ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝውቱር ካብ ዕፉን ዝስራሕ ግዓት'ዩ።

ቀሊል መግቢ ክመስል ይኽእል'ዩ፡ ኡጋሊ ግን ነቶም ነዊሕ ዝጎዩ ኬንያውያን ኣትሌታት እኹል ጽዓት እዩ ዝህቦም፡ ካብቲ ዘድልዮም ካሎሪ ዳርጋ እቲ ርብዒ ካብ ኡጋሊ'ዮም ዝረኽብዎ።

ኣብ ቶክዮ ክጣበቡ ኣለዎም። ብሪጊድ "እቲ ኣብ ኬንያ ንረኽቦ ኡጋሊ ኣብ ካልኦት ሃገራት የለን፡ ምናልባት ሩዝ፤ስፓጌቲ ወይ ኸኣ ስጋ ደርሆን ዓሳን ኢና ክንምገብ ንኽእል"ትብል።

እስኪ ናብቲ ቀዳማይ ምርጫ ዝኾነ መግቢ ንመለስ፡ ሓደ ጠለብ እኹል ኣይኮነን ንወስኽ።

ኤጓሊ [ካብ ዑፉን ዝስራሕ ገዓት] ኤጓሊ [ካብ ዑፉን ዝስራሕ ገዓት]

2 ጠለብ ኡጋሊ= 440 ኪሎካሎሪ

ኡጋሊ ጽቡቕ እዩ፡ እንተኾነ እቲ ዘድልየና ጸዓት ገና ኣየዋህለልናን ዘለና።

መቸም ግዓት ኡጋሊ ንበይኑ ክንበልዖ ኣይንኽእልን ኢና፡ እንታይ መባልዕቲ ኣለዎ ክንርኢ ኢና።

ስጋ ብዕራይ

1 ጠለብ ስጋ ብዕራይ= 190 ኪሎካሎሪ

ስጋ ብጠኑ ሓጋዚ'ዩ፡ እንተኾነ ሕጂ ኢና ስጉምና ንጅምር ዘለና።

ስጋ ጽቡቕ ትሕስቶ ፕሮቲን'ዩ ዘለዎ፡ ብዙሓት ነኬንያውያን ኣትሌታት ኸኣ ንፕሮቲን ካብ ጸባን ኣዳጉራን እዮም ክረኽብዎ ዝመርጹ፡ ስለዚ እዚ'ውን ኣብ ግምት ነእትዎ።

ኩባያ ጸባ

2 ኩባያ ጸባ፡ 320 ኪሎካሎሪ

ጸባ ወሳኒ'ዩ ። ጅንጅብልን ተወሳኺ ቀምንን ዝኣተዎ ሕዋስ ሻህን ጸባን'ዩ፡ ክልተ ኩባያ ኸኣ 320 ኪሎ ካሎሪ ኣለዎ።

ኢሎድ ካልእ ፈሳሲ'ውን ይወስድ'ዩ፡ "ሙሰርሲክ፤ ተመስረሐ ጸባ'ዩ፡ ነዚ እንተሰቲኻ ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ቅልጡፍ'ዩ ዝኸውን" ከኣ ይብል።

ኣዳጉራ

1 ጠለብ ኣዳጉራ= 120 ኪሎካሎሪ

ኣዳጉራ ምስ ኡጋሊ መኻይድቲ'ዮም፡ ኣዳጉራ መጠን ካሎሪ ክብ ኣብ ምባል ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ፡ ሓደ ጠለብ ኸኣ ክሳብ 129 ኪሎካሎሪ ኣለዎ። እቲ ዘገርም ገና ክንድቲ ዘድልየና ካሎሪ ኣይወሰድናን ኣለና፡ ድንሽ ወስኽ።

ኬንያውያን ጎየይቲ ብዙሕ ሩዝ፤ድንሽን ባንን'ዮም ዝበልዑ ነይሮም። ብገምጋም ርብዒ ካብቲ ዘድልዮም ካሎሪን መሰለስ ካብቲ ዘድልዮም ካርቦሃይድሬትስን ካብዚ ሕውስዋስ እዚ'ዮም ዝረኽብዎ ነይሮም።

ሩዝ ሩዝ ምቁር ድንሽ

2 ጠለብ ሩዝን ሓደ ጠለብ ዝበሰለ ምቁር ድንሽን= 510 ኪሎካሎሪ

ስለዚ ክልተ ጠለብ ሩዝን ሓደ ጠለብ ዝበሰለ ምቁር ድንሽን እንታይ ጸዓት ከምእንረክብ ንርአ

እዚ ንደቂ ኣንስትዩ ጎየይቲ ማራቶን እኹል ጸዓት ንኽረኽባ እኹል ድዩ?እወ

ብሪጊድ ኮስጋይ

ናይ ብሪጊድ ኮሰጋይ ናይ መወዳእታ መስመር ሕንጻጽ

ብሪጊድ ኣብ 2019 ንማራቶን ቺካጎ ክትዕወት እንከላ ኣብቲ ውድድር ብገምጋም 1666 ኪሎ ካሎሪ'ያ ኣህሊኻ

ዝያዳ ንምርድኡ፡ኣብ ንቡር ግዜ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምሉእ መዓልቲ እተህልኾ ካሎሪ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓትን 14 ደቒቅን ኣህሊኻቶ ኢና ንብል ዘለና።

ሕጂ ምልስ ኢልና ናብ ኢሉድ ኪፕቾገ ንኺድ። ንሱ ብሚዛን ካብ ብሪጊድ ይኸብድ ኣብ ጉያ ኸኣ ንሱ ይቕልጥፍ፡ ስለዚ ዝያዳ ብሪጊድ'ዩ ጸዓት ከድልዮ።

ካብዚ ብምብጋስ ካብዚ ዝጠቐስናዩ መግቢ ብተወሳኺ፡ እንቋቆሖ፤ካውሎን ኣህምልትን ይምገብ።

ዝበሰለ እንቋቖሖ ዝበሰለ እንቋቖሖ ማናጉ ካውሎ

ክልተ ዝበሰለ እንቋቖሖ፡ ሓደ ጠለብ ሓምሊ ኣድሪ፤ ሓደ ጠለብ ቆስጣን ሓደ ጠለብ ዝበሰለ ካውሎን= 260 ኪሎካሎሪ

ኢሉድ ኪፕቾገ፡ ብኽልተ ዝበሰለ እንቋቆሖን ዝተሓዋወሰ ኣሕምልትን ተወሳኺ 260 ኪሎካሎሪ ይረክብ ኣሎ።

እቲ መሳጢ ነገር እቲ ኣብ ገደናታት ዝፈሪ ከም ቆስጣን ሓምሊ ኣድርን ምስ ቀመም ተሓዋዊሱ'ዩ ቀሪቡ ዘሎ።

እቲ ካልእ ኣብ ሃገራት ምብረቕ ኣፍሪቃ ዝውቱር ዝኮነ ሓምሊ'ዩ።

ብሪጊድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት"ኣሕምልቲ ኣይንገዝኦን ኢና፡ መሬትና ልሙዕ ስለዝኾነ ኣብዚ ኢና ነፍርዮ፡ ነቲ መሬት ንምልማዕ ኸኣ ዝኾነ ከሚካል ኣይንጥቀምን ኢና" ኢላ።

ሕጂ ኣብ ምዝዛምና እዩ፡ ሕጂ ቁሩብ ሓይሊ ድርብ ዘብለልናን ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ ዘብጽሓናን ጥራይ ኢና ክንውስኽ።

ባናና

1 ባናና = 100 ኪሎካሎሪ

ከም ኩሉ ሰብ ጎየይቲ'ውን ቁርሲ ይደልዩ'ዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ፍረታት እዮም ዝመርጹ

ብሪጊድ "ዝተፈላለዩ ፍረታት'የ ዝፈቱ" ድሕሪ ምባል "ሎሚ ባናና፡ ጽባሕ ብርጭቅ፡ ካልእ ግዜ ኣራንሺ፡ ብድሕሪኡ ዘሎ መዓልቲ ማንጎ" ትብል።

ልስሉስ መስተ ኣዝያ ከምእትፈቱ'ውን ተናዚዛ

ንሕጂ ናብቲ ጥዕና ዝህብ ነብል፡ ሓንቲ ባናና 100 ኪሎካሎሪ'ዩ ዘለዋ

ኢሉድ ኪፕቾገን ብሪጊድ ኮስጋእን ኣብ ጽርግያ ኣናጎየዩ

ናይ ኢሉድ ኪፕቾገ ናይ መወዳእታ መስመር ሕንጻጽ

ኢሉድ ኪፕቾገ ኣብ 2018 ናይ ዓለም ሪኮርድ ኣብ ዝሓዘሉ ብሓፈሻ 2322 ኪሎ ካሎሪ'ዩ ኣህሊኹ

ሓደ እኹል ሰብ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 2500 ኪሎ ካሎሪ'ዩ ዘህልኽ ኢሉድ ኪፕቾገ ግን ነዚ ኹሉ ኣብ 2 ሰዓት 1 ዲቀቕን 39 ካልኢትን ኣህሊኽዎ።

ዘህልኾ ካርቦሃድረይትን ካሎሪን ኣብዚ ክትርኢ ትኽእል

ባናና ዝበሰለ እንቋቖሖ ዝበሰለ እንቋቖሖ ማናጉ ካውሎ ኣዳጉራ

መግቢ ንዓወት

ኢሉድን ኪፕቾገን ብሪጊድ ኮሰጋይን ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ መራቶን ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ክወዳደሩ'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንማራቶን ኣትሌታት ምብራቕ ኣፍሪቃ እዮም ዓብሊለሞ ዘለዉ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣመጋግባ ጆኦግራፊካዊ ብራኸ'ውን ሓደ ካብ ሮቋሒታት ዓወቶም ተባሂሉ'ዩ ዝጥቀስ።

ኢሉድ፡ ዝተመጣጠነ መግቢ ወሳኒ ምኳኑ'ዩ ሓቢርና "ኣትሌት ልክዕ ከም ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ህንጻ'ዩ፡ ሰራሕተኛ ህንጻ ስሚንቶን ሑጻን ንኸብዕጥ ጉልበቱን ኢዱን'ዩ ዝጥቐም፡ ንሕና'ውን ልክዕ ከምኡ ኢና፡ ጉልበትና ኢና ንጥቀም፡ ስለዚ ጉልበት ንኽህለወካ መግቢ ወሳኒ'ዩ"

ኣትሌታት ኣመጋግብኦም ብሳይንስ ዝተደገፈ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ዘድልዮም መጠን ካርቦሃይድረይት፡ ፕሮቲንን ካሎሪንን ካብ ምንታይ ይረኽብዎ ይፈልጡ'ዮም፡ ከምዚ ዝርኣናዮ ኸኣ ቀሊል፡ባህርያዊ መግብን ዘይተሓላላኸን እዩ።

...there we go.